ብርክት ዝበለ ሜዳልያ ዘመዝገበ ጋንታ ኢትዮጵያ

ሃገራት ተተካእቲ ስፖርተኛታት ኣትሌቲክስን ቐፃሊ ውፂኢቶም ዝምዝኑ ኣብ ዕድመ ገደብ ኣብ ዝገበሩ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቻምፒዩናታት እዩ። ከይዲ ስልጠናኦም ንምግምጋም ከምኡ’ውን ጥንካረን ጉድለታቶምን ንምፍላይ ጠቓሚ ውድድር እዮም። ናይ ሓደሽቲ ቻምፒዮናታት መፈጠሪ ስለዝኾኑ ትኹረት ይወሃቦም።

ኣብዚ ቅንያት ንሓሙሽተ መዓልትታት ብኣተኣናጋድነት ኬንያ ኣብ ካሳራኒ ስታድየም ዝካየድ ዝነበረ ዓለምለኸ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ኣትሌትክስ ተሳታፊ ዝነበረ ጋንታ ኣትሌትክስት ኢትዮጵያ ውድድሩ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኣብ ቐፃሊ ድማ መዳላዊት ኮምሎምቢያ ከምዝኾነት ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ ቻምፒዮና ኣብ ሜዳልያ ሰንጠረዥ ኬንያ ቐዳሚት እንትኾን 8 ወርቂ፣1ብሩርን 7ነሓስ በድምር 16 ሜዳልያታት ረኺባ እያ። ካልአይቲ ድማ ፊንላንድ እንትኾን 4 ወርቂ፣1 ብሩር በድምር 5 ሜዳልያ ረኺባ እያ። ሳልሰይቲ ናይጀሪያ ድማ 4ወርቂ.3ነሓስ በድምር 7 ሜዳልያ ወሲዳ እያ።

ብበዝሒ ሜዳልያ ንኬንያ ትስዕባ ኮይኑ ግና በበዝሒ ወርቂ ሜዳልያ ራብዐይቲ ድማ ኢትዮጵያ እያ።ጋንታ ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ 3ወርቂ፣ 7 ብሩር፣ 2ነሓስ በድምር 12 ሜዳልያታት ረኺባ እያ።

ንቲ ሻምፒዮና ብፅቡቕ ውፂኢት ዘጠናቐቐ ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ እንትኾን ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሕ ኣባላት ስራሕ ፈፃሚ ፈዴሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ብጉንጉን ዕምባባ ምቕባሎም ኣብ ድረገፅ እቲ ፌደረሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ዕውት ከምዝኾነ ዝተዘረበሉ ቻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት 4 ክበረ ወሰናት ዝተመዝገቡ እንትኾን፣ 15 ናይቲ ቻምፒዮና ክብረወሰናት ከምኡ’ውን 11 ክብረወሰናት ምምሕያሾም ዓለም ለኸ ኣትሌትክስ ኣብ ድረገፁ ኣመልኪቱ።

256 ኣትሌታት ናይ ውልቆም ፈጣን ሰዓት ኣመዚግቦም እዮም።100 ሃገራት ኣትሌታቶም ዘሳተፉ እንትኾን 35 ጋንታታት ኣብ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ኣቲዮም እዮም። 18 ዝኾኑ ሜዳልያ ወርቂ ሰዓርቲ እንትኾኑ፣ ናሚቢያን እስራኤል ኣብዚ ቻምፒዮና ናይ መጀመሪያ ሜዳልያ ወርቂ ብምምዝጋብ ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፈን እየን።

ብርክት ዝበለ ሜዳልያ ዘመዝገበ ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ናይቲ ቻምፒዮን ሓደ ክብረ ወሰን ምምሕያሹ ተጠቒሱ እዩ። ሜዳልያ ወርቂ ካብ ዝተመዝገበሉ ማእኸል ሓደ ካብ ዝኾነ 3000 ሜትሮ ጉያ ዓወት ዘመዝገበ ታደሰ ወርቁ 1:43.76 ሰዓት እዩ። እቲ ኣትሌት ንቲ ርሕቐት ብምኽራር ብገፊሕ ኣፈላላይ ብምምራሕ ምስዓሩ ኣብ ቐፃሊ ኣብቲ ርሕቐት ምሩፅ ኣትሌት ከምዝኸ’ውን መርኣያ እዩ።

ካልኣይ ሜዳልያ ድማ ኣብ 800 ሜትሮ ደቂ ኣነስትዪ ኣትሌት ኣያል ዳኛቸው ብ2:02.96 ኣትያ ኣላ። ካሊእ ወርቂ ሜዳልያ ብደቂ ኣነስትዮ 5000 ሜትሮ ዝተመዝገበ እንትኾን፣ኣትሌት ሚዛን ኣለም ብ16:05.61 ብምምዝጋብ ቐዳሚ ኮይና ኣላ። ኣብዚ ርሕቀት ካልአይቲ ኮይና ብሩር ሜዳልያ ዝረኸበት ድማ ኣትሌት መልክናት ውዱ እያ።

 ብ3000 ሜትሮ ናይ ውልቃ ምሩፅ ሰዓት ዘመዝገበት ሜዳልያ ነሓስ ዝረኸበት እታ ኣትሌት ኣብ 5000 ሜትሮ መፃረይ ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት እንትኾን ብቴክኒክ ፀገም ካብ ውድድር ወፃኢ ኮይናኳ እንተነበረት እቲ ጋንታ ብሰዝምዖ ስምዐታ ተቐባልነት ስለዝረኸበን ክትሳተፍ ስለተገበረት ንቲ ሜዳልያ ናይ ውልቃ ገይራቶ እያ። እቶም ዝተረፉ ሜዳልያታት ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣነስትዮን 1500 ሜትሮ ክልተ ብሩርን ሓደ ነሓስን፣ ብ3000 ሜትሮ ድማ ክልተ ብሩርን ነሓስን፣ ኣብ 5000 ሜትሮ ድማ ክልተ ብሩር ከምኡ’ውን ሓደ ብሩር ብ3000 ሽሕ መሰናኽል ዝተረኸቡ እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You