‹‹ ኢትዮጵያ እትብልፅገሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን ››ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ልክዕ ከም ኤጀንሲ መረብ ኢንፎርሜሽን ደሕንነት ዓበይቲ ማሕለኻታት ከምዘጋጠምዎ፤ኢትዮጵያ ፈተናታት እንተጋጠምዋ’ውን እዞም ፀገማት ሓሊፋ እትብልፅገሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወሎ ሰፈር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኸባቢ፤ኤጀንሲ መረብ ኢንፎርሜሽን ደሕንነት ዘህነፆ ገዚፍን ዘበናውን ህንፃ ዋና ቤት ፅሕፈት መሪቖም እንትኸፍቱ ከምዝገለፅዎ፤እቲ ኤጀንሲ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ሓሊፉ ዘሳኸዖም ውፅኢታት ብልፅግና ኢትዮጵያ ግድን ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ትካል ኤጀንሲ መረብ ኢንፎርሜሽን ደሕንነት ንምቕያር ዝነበሮ ውፃእ ውረድ፤ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣይ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ዝፍለይ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ኤጀንሲ መረብ ኢንፎርሜሽን ደሕንነት ሶፍትዌር ንሃገራት ወፃኢ ሸይጡ ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ እናተኽኣለ፤ስርዓት ክፍሊት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘበናዊ እንትገብር፣ኣብ ዝተወሰነ ክፋል ኣዲስ ኣበባ ሲስተም ካሜራ ምትካል እንትከኣልን፤ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እንትስርሑ እቲ ትካል እናጋጠምዎ ዝነበሩ ፈተናታት እናሓለፈ ኸይዱ፤ኣብዚ ከምዝበፅሐን ኢትዮጵያ ሐዚ ንዘጋጠማ ምድፍፋኣት፣ሓሜትን ሓሊፋ ብልፅግና ጋህዲ ክትገብር እያ ኢሎም።

እቲ ኤጀንሲ ሰብ ብሩህ ኣእምሮ ምእካብ ጥራሕ ዘይኮነስ እዞም ሰባት ናይ ባዕሎም ኩባንያ ሃልይዎም ክህፍትሙን ኢትዮጵያ ምርዳእ ንኽኽእሉ ዘመቻችው ትካል ክኸውን ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፤እቲ ኤጀንሲ ብርክት ዝበለ ሃፍቲ ንሃገር ንምምፃእን መጥቃዕቲ ሳይበር ንምምካት ብብርኪ ዓለምለኸ ተወዳዳሪ ዘፈር ክኸውን ከምዘለዎ ጠቍሞም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መረብ ኢንፎርሜሽን ደሕንነት ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብወገኖም፤ እቲ ዘበናውን ገዚፍን ህንፃን ነቲ ኤጀንሲ ሓዊሱ ሚኒስቴር ሰላም፣ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን፣ማእኸል መረዳእታ ደሕንነት ፋይናንስን ብቢሮነት ዘገልግል ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤እዞም ትካላት ኣብ ዓመት ንኺራይ ቢሮ ፅሕፈት ዘውፅእዎ 150 ሚሊዮን ብር ዘትርፍን ከምኡ’ውን ምችው ስራሕ ኸባቢ ንኽሰርሑን ዝገብርን እዩ ኢሎም።

ብልዕሊ ብር ኽልተ ነጥቢ ሰለስተ ቢሊየን ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወሎ ሰፈር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኸባቢ ዝተሃነፀ እቲ ዋና ቤት ፅሕፈት፤እቲ ትካል በብዓመቱ ንኺራይ ቤት ፅሕፈት ዘውፅኦ ዝነበረ ልዕሊ 87 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዘትርፍ ተገሊፁ።

ኣፍቲ ስነ ስርዓት ምርቓ ቐዳማይ ሚኒስትር ፈዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ኻልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ሓለፍትን ተረኺቦም። ስራሕቲ እቲ ህንፃ ብኢንተርፕራይዝ ኮንስትራክሽን መከላኸሊ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ ስራሕቲ ምምኻር ዘካየደ ድማ ኤምኤች ትካል መመኻሪ ከምዝተሳተፉ ገሊፆም።እቲ ህንፃ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ክሰርሑሉ ከም ዝኽእሉን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት፣ቤተ ፈተነታትን ማእኸላት ምርምርን ከምዘለውዎ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 11 ዓመታት እቲ ኤጀንሲ ናብ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝፅጋዕ ኽራይ ኣውፂኡ እዩ።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You