‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ርእስና ነቒልና ንምድብራይ ካባና ዝድለ ምትሕብባርን ሓደ ምዃንን ጥራሕ እዩ››-ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣጀማምራ ቃልሲ ህወሓት ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ‹‹ታሪኽ ፖለቲካ ህወሓት ›› ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከምዘስፈርዎ ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ፣ መዓርነት ብሄራት ንምርግጋፅ፣ ህዝቢ ስኢንዎ ዝነበረ ፍትሒ ንክሰፍን ሓፈሻዊ ኣብ ሃገር ሰብኣዊ መሰል ንክኸበሩ ምግባር ብዝብል ዕላማ ከምዝነበረ ገሊፆም እዮም። ስለዚ እቲ ወድብ’ውን ዝተመስረተ እዚ ሓሳብ መሰረት ብምግባር እዩ።

እዚ ዕላማ ድማ ገና ካብ ኣዲስ ኣበባ ከይወፁ ጀሚሩ ብፅሑፍ ኣቕሚጦም እዮም ናብ ቓልሲ ዝተፀንበሩ። እዚ ቓልሲ ዝተጀመረ ዕላማ ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ አብ መንጎ ተጋደልቲ ድማ ምትእምማን ምድምማፅን ከምዝነበረ መፅሓፍ ዶክተር ኣረጋዊ ኣቕሚጡ እዩ። ኾይኑ ግና ነገራት ውዒሎም እንትሓድሩ መልክዖም እናቐየሩ እኳደኣስ ኣብ ውሽጦም ኣኽራርን ፅንፈኛን ሰባት ናይ ምግንፃል ዕላማ ሓሲቦም እዮም። ነዚ ድማ ውሽጢ ንውሽጢ ልዕልነት ንምሓዝ ዝኻእሉ ከምዝነበሩ’ውን ይግለፅ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ እዚ ኣተሓሳስብኦም ብማኒፌስቶ ክሳብ ምውፃእ በፂሖም ነይሮም እዮም።

ኾይኑ ግና እቲ ቃልሲ ዕላምኡ ብፍፁም ክስሕት የብሉን ብምባልን ብምቅላስን ናብ ዝተልዓለሉ ዕላማ ንምምላስ ካብ ውሽጢ መስረቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዓብይ ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ይኹን’ምበር ንይምሰል ሓሳቦም ዝተቐበሉ እንተመሰሉ’ውን ብኣተሓሳስባ ግና ዝተቐየሩ ስለዘይነበሩ ውሽጢ ንውሽጢ እናሰርሑ ኣብቲ ውደብ ብዙሕ ነገር ንክፍጠር ኢሉ ድማ መስረቲ ካብቲ ቓልሲ ንክግለሉ ተገይሩ እዩ። መስረቲ ካብቲ ቃልሲ ምስ ኣባረሩ ብዙሕ ፀገማት ዘተኣናገዱ እንተኾነ’ውን ዓወት ቀኒዕዎም ስርዓት ደርጊ ምድምሳስን ስልጣን ክሕዙ ክኢሎም እዮም።

እቲ ዘይረብሕ ኣተሓሳስብኦም ብብርኪ ሕገ መንግስቲ እንተይተረፈ ኣስፊሮም ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝበፅሕናዮ ብርኪ ዘለዉ ብዙሓት ፀገማት ንምፍጣር ኪኢሎም እዮም። እዚ ኩነታት ድማ ዴሞክራያዊ ኣካይዳ ዝተኸተለ ኣይነበረን። ብምዃኑ ደርጊ ስልጣን እንትድሕዝ ‹‹ኢትዮጵያ ትቕደም›› እንተበለ’ውን ዝበሎ ዝአክል ኢትዮጵያ ኣቐዲሚ፤ ህዝባ ድማ ጠቒሙ ንምባል ኣይካኣልን። ህወሓት ዓወት ቀኒዕዎ ስልጣን እንተሓዙ’ውን ከም መልዓሊኦም ፅቡቕ ሕልና ብዘይ ምቕፃሎም እኳደኣስ ህዝቢ ኣብ ከተማ ዝነበረ ደርጊ ካብ ጫካ ብዝወፀ ደርጊ ከምዝተቐየረ እናመሰሎ ኣብዚ በፂሑ እዩ።

ብምዃኖም ህወሓት ናብ ስልጣን እንትመፅእ ናይቲ ህዝቢ ዲሞክራስያዊ መሰል ምሕላዉ ደንትኡ ኣይነበረን። እዚ ሕማቕ ሓሳብ ድማ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ሓቢሩ ፀኒሑ ኸዚ’ውን ኣብ ህዝቢ ትግራይን ከምኡ ድማ መላእ ሃገር ብሕማቕ ተግባር እናሓመሰ ሃገር ንምፍራስ ምስ ተሓባባርቲ ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ እዩ።

ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ምስረታ ጀሚሩ ህወሓት ካብ ዝመስረትዎ ውሑዳት ሰባት እቶም ሓደ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ምዃኖም ተደጋጊሙ ተላዒሉ እዩ። ኣብቲ እዋን ናይቲ ቃልሲ መስራትን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ይኹኑ’ምበር ካብቲ ውድብ ንክሰናበቱ ተገይሩ እዩ።

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ካብ ድሕሪ ነዊሕ ዓመት ስደት ህይወት እቲ ለውጢ ስዒቡ ናብ ሀገር ብምእታው ትግራይ ዲሞክራሲ ፓርቲ መስሪቶም ብኣቦ ወንበርነት እናሰርሑ እዮም። ኣብዚ ኸዚ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሴ ብምዃን መንግስቲ ዝሃቦም ሓላፍነት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ንሕና ድማ ብፍላይ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ እነኸደሉ ዘሎ ርሕቐት ምስ ዝነበሮ ባህሪ እናናፃፀሩ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ሰናይ ንባብ።

 ሕቶ፡- ህወሓት እንትመስረት ብሰናይ ሓሳብ ኣብ መንጎ ተጋዳልቲ ፍፁም ዲሞክራስያዊ ብዝኾነን ምትእምማን ከምዝተመስረተ ተደጋጋሙ ይለዓል እዩ፤ ኾይኑ ግና ውሽጢ ንውሽጢ እናኸዱ ድማ ተንኮል ዝሰርሑ ኣካላት ከምዝነበሩ ይለዓል’ዩ እሞ እዚ ከይፈለጥኹም ወይ ድማ እናፈለጥኹም ኣብ መንጎኹም ዝተፈጠረ ፀገም ድዩ?

ዶክተር ኣረጋዊ፡-ብሓፈሻ እንትረአ ኣቲ ቓልሲ ንውልቀ ጥቕሙ ስልጣን ኣብዚሑ ዝደልን ንህዝቢ ጥቕሚ ዝወገነን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ፀገም ፈጢሩ እዩ። በቲ ጊዜ ስልጣኖም ሰላሳ ዓመት ኣብ ስልጣን ፀኒሖም ይኣኽለና ዘይብሉ ዝገበሮም ከምዝኾነ እናተዓዘብና መፂና ኢና።እዚኦም ኣብዚ ኸዚ ባዕሎም ናብ ጁንታነት ዝቐየሩ ኣባላት’ውን ኣብቲ እዋን ሕልሞም ኹሉ ስልጣን እዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ህይወት ምልዋጥን ንዓኣቶም ከም

 ትርፊ ጊዜ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘርኣይዎ ሓቂ እዩ። ብፅሑፍ’ውን እንተኾነ መጀመርያ ቻርተር ኢሎም ዘዋቐርዎ ቐፂሉ ድማ ናብ ሕገ መንግስቲ ዝቐየርዎ ምርኣይ እኹል ይመስለኒ። ብምዃኑ እዚ ፅምኢ ስልጣኖም ኣብ መንጎና ዝተወሰነ ምፍልላይ ንክፍጠር ገይሩ ነይሩ እዩ። በዚ ድማ ንዓይ ሓዊሱ ንምውቃዕ ተልእኾ ተዋሂብዎም ተንኮል ዝሓስቡ ሰባት’ውን ነይሮም እዮም።

ሕቶ፡-ህወሓት እንትምሰረት መስራቲ ካብኡ ድማ ኣመራርሓ ነይሮም እዮም፤ ኣብ ማእኸል ግና ብዝተፈጠረ ምፍልላይ ምኽንያት ካብቲ ውድብ ተሰናቢቶም እዮም፤ እዚ ኩነታት ኣብቲ እዋን እንታይ ስምዒት ፈጢርሎም?

ዶክተር ኣረጋዊ፡-ብዙሕ ተዓቂዱ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊልሉ ፅባሕ ንህዝበይ ነፃ ከውፅእ እየ ኢልካ ካብ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ምውፃእ ማለት ደስ ዘይብል ስምዒት እዩ ዝፈጥር። ኾይኑ ግና ሰባት እናፈለጡ ናብ ጥፍኣት መገዲ እናኸዱ ሱቕ ማለት ከም ሓደ ዜጋን ሓደራ ህዝቢ ዘለዎ ውልቀ ሰብን ብጣዕሚ ዓብይ ጌጋ እዩ። ኣነ ብወገነይ እቲ ቃልሲ ዝተሓወስኹ ናብ ህዝቢ ናይ ዘመናት ሕቶ ብዝተኽኣለኒ ዓቕሚ ንባዕለይ መስዋእቲ ገይረ ንምፍታሕ ስለዝነበረ ንሳቶም ካብ መስመር እንትወፁ ኣንፈቱ ብምርኣይ ንምቅፃል ፃዕሪ ገይረ እየ። ግና ዘይኾን እንትኸውን እንትርኢ እታ ቓልሲ ኣቋሪፀ ክወፅእ ነይርኒ። ኣብዚ ውሳነ ነምብፃሕ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ነይሩ።

ሕቶ፡-እዚ ናይቲ ጁንታ ነባር ባህሪኡ ድማ ንናይ ሎሚ መንነቱ መሰረት እዩ ማለት ይካኣል ዶ?

ዶክተር ኣረጋዊ፡– ቃልሲ ብሄር ኽልተ ጫፍ ዘለዎ እዩ። እቲ ሓደ ናይ ምግንፃል ዘለዎ እቲ ካልእ ድማ ብዴሞክራሲ ኣካይዳ መሰል ንክኽበር ምግባር እዩ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ናይ ምግንፃል ዝንባለ ዝደልዩ ጉጅለ ውሽጢ ንውሽጢ እናተጠናኸሩ መፂኦም ንዲሞክራስያዊ ሓድነት ዝፅዕሩን መድረኽ ኸፊቶም ስልጣን ይሕዙ፤ ኣብ ናትና ሃገር’ውን እናኾነ ዘሎ እዚ እዩ።

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ገና ናብ ስልጣን እንትመፁ ጀሚሮም ናይ ምግንፃል ሓሳብ ኣብ ሕገ መንግስቲ ውሽጢ ኣስፊሮም ኸፋፊልካ ግዛእ ዝብል ዘይቤ ንክምቸዎም ሃገርና ኸፋፊሎምዋ እዮም። ኸዚ ብኹናት ዝተደገፈ ምንቅስቃስ ዝገብርዎ እንትላዓሉ ጀሚሩ ንዝነበሮም ዕላማ ንምፍፃም እዩ።

ብምዃኑ ሓድነትን ዲሞክራሲ ደላይን ህዝቢ ተሓባቢሩ ኣብዚኦም ፀላእቲ ክዘምቱ ግድን’ዩ። ኸዚ ፍርቁ ብዛዕባ መሬትን ጥቕምን ጥራሕ ዝዛረብ እንተኾይኑ ንዚኦም ኣጥፋእቲ ክልዓሉ ኸለዉ’ውን ንጥፋኣት ዝተልዓሉ ጉጅለ ዕላማ መፈፀሚቲ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣድላይ እዩ።

ነባር ብፍላይ ድማ ኣብ ሜዳ ቓልሲ እናዋዓለ እናሓደረ ዝመፀ ስስዕና ንዓይ ጥራሕ ናይ ምባልን ሰባት ዘይምእማን ኩነታት ንናይ ሎሚ መንነቱ ዓብይ መሰረት ገዲፉ እዩ። እዚ ተዘይኾን ነይሩ እቲ ቓልሲ ፅንሰ ሓሳቡ ንሃርን ህዝብን ዝጠቕም እዩ ነይሩ። ኾይኑ ግና ስሱዓት ናይቲ ቓልሲ መገዲ ኣስሒተምዎ’ዮም። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ስልጣን እንትፀንሑ ኹሉ ንባዕሉ ምሓዝ ጥራሕ ኣቐዲሞም እዮም። ኸዚ ድማ ናብ ዝገደደ ነገር ሃገር ናብ ምትርማስ ህዝቢ ናብ ዘወድእ ኹናት ኣትዮም ማለት እዩ። እዚ ድማ ካብቲ በረኻ ሒዝዎ ዝመፀ ባህሪኡ እዩ።

ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ምልስ ኢሎም እንትሓስብዎ ከምዚ ብዝበለ ኩነታት ሃገር ዝክሕድ ዶ ይመስሎም ነየሩ? እዚ መዓልቲ ከምዝመፅእስ ሓሲቦም ይፍልጡ ዶ ነይሮም?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- እወ፤ ህወሓት ንኢትዮጵያ ሰናይ ከምዘይሓስብ ይፈልጥ ስለዝነበርኩ እየ ኣነ ንባዕለይ እቲ ውድብ ለቒቐ ዝኸድኹ። ድሕሪኡ ድማ ንሃገረይን ህዝብታትን ግዲ ይህበኒ ስለዝነበረ ምንም እኳ ርሑቕ እንኾንኩ’ውን እናተቓለስኩ ነይረ። ብምዃኑ ህወሓት እንትፍጠር ጀሚሩ ግዲ ዘይብሉ ስለዝኾነ ካብ ባዕሉ ወፃኢ ንኻልእ ዘይሓስብ እዛ ሃገር ኸዚ ከምዝገበራ ንታሕቲ ከምዘውርዳ ካብ መጀመርኡ ይፍለጥ ነይሩ እዩ።

ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ መንጎ ህዝብታት እናሰበኸ ዝነበረ ምፍልላይ’ምበር ሓድነት ኣይነበረን። ኢትጵያውያን ህዝብታት ከም ፀላኢ ንከርኣዩ ገይሩ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነት መዓርነት ደላይ እንተኾነ’ውን ንሳቶም ግና ውሽጢ ንውሽጢ እናፈለይዎ ፀኒሖም እዮም። እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ተንኮል ንምፍፅም ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ሓድነት ዘይምንበሩ እዩ። ካብ መጀመሪኡ እዚ ተንኮሉ እናተኸታተለ ዘዕንዉ ተሓባባሪ ብሓድነት ጠጠው ዝብል ህዝቢ ተዝህሊ ነይሩ ኣብዚ ኣይምበፃሕናን ነይርና። ኸዚ’ውን ግና ጊዜ ኣለና ኹሉ ሓቢሩ ተሓባቢርና በቃኹም ክንብሎም ይግባእ።

ሕቶ፡-ኣብዚ ኸዚ ናይቲ ጁንታ ጉጅለ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን መጥቃዕቲ ብሰፊሑ እናገበረ እዩ፤ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍሪሱ ዝምነዮ ነገር ንምርካብ እናኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ዶ ይኸውን?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- እዚኦም ሰባት እኮ ብጣዕሚ ሓይሊ ጥፉኣት ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ ጥፍኣቶም ተዘርዚሩ ኣይውዳን።ሓድነት ኢትጵዮጵያውያን ምፍርራስ እቲ ሓደ ዕላማ ሒዞም እናተንቀሳቀሱ ነይሮም እዮም። ኸዚ ድማ ብግልፂ ኹናት ኣዊጆም ምስ ካልኦት ሓይልታት ወፃኢ ኢድን ጓንትን ኾይኖም ብምስራሕ ይርከቡ።

ንኣብነት ኣብዚ ኸዚ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን እናኣተዉ ህዝቢ ንምብላዕ እናገበርዎ ዘሎ ፃዕሪ ብጣዕሚ ዘሕፍር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እናፈፀምዎ ዘለዉ ነገር ድማ

 ምግንፃል ይጠቕመና ኢሎም ዝሓዝዎ ኣካይዳ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ምስ ዓፋርን ኣምሓራን እንተተፈልዮም ንበይኖም ሃገር ንምምስራት ንዝሓስብዎ ተንኮል ዝኾኖም ኣቋራፂ መገዶም እዩ።

ብዃልእ መልክዑ ድማ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ናይ ሓደ ሃገር ኣሕዋት ምዃኑ ብምግንዛብ ናይዞም ባንዳታት ስራሕ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሓቢሮም ጠጠው ብምባል ትልሞም ንክከሽፍ ምግባር’ምበር ንሳቶም ብዝሓሰብዎ እናተጉዓዘ ብምቅሕሓር ናታቶም ናብ ዝሓሰብዎ ዕለማ ከምርሕ የብሉን።

ኣብዚ ኸዚ እኮ እዚኦም ባዕሎም ግብረ ራዕዲ ኢሎም ዝፈረጅዎ እናሳደድዎ ካብ ዝነበር ሸኔ ጥምረት ፈጢርና ኢና እናበሉ ኣብ ኣደባባይ እናተዛረቡ እዮም። እዚ ዘርእየና ሓሳቦሙን ስረሐምን ሃገር ምፍራስ፤ ንሳቶም’ውን ናተይ እዩ ዝበልዎ ሒዞም ምግንፃል ሕልሞም ብግልፂ እናተርኣየ እዩ። ኸዚ’ውን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝገብርዎ ግፍዒ ናይዚ ዝቐፀለ እዩ። ኾይኑ ግና ህዝቢ ነቒሑን ሓሊፉ ምሕሳብ ክኽእል ኣለዎ።

ሕቶ፡- ጉጅለ ጁንታ ኸዚ ናይ ኹናት ኣድማስ ኣብ ምስፋሕ ይርከብ እዚ ነገር ንዐኦም እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ዘርኢ እዩ?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- እቲ ጉጅለ ሕልሙ ንምስኻዕ ኣብዚ ኸዚ ኹናት ካብ ትግራይ ሓሊፉ ጎረባብቲ ክልላት ንክበፅሕ ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ እዩ። ኣብዚ ግና ከምዝመስለኒ እቲ ጁንታ እዚ ዝኣክል ኣድማሱ ክስፍሕ ዝኻኣለ ሓድነት ብእንደሊ ኣካላት ድኽመት ስለዘሎ ይመስለኒ። እዚ ዝበልክሉ ዋና ምኽንያት ናታቶም ተንኮል ሓሳብ ቅድም ኢልና ተገንዚብና ኢና ነይርና .፤ ንኣብነት ባዕሎም ዘርቅቕዎ ሕገ መንግስቲ ኣይንቕበልን እንትብሉ፤ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኾነትን ኢሎም ዕላዊ ኣወጁ፣ በይኖም ተገንፂሎም ክልል ንምምራሕ መረፃ እንተካይዱ ፣ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይንቕበልን እንትብሉ ከምኡ’ውን በቢኸባቢኦም ምሽግ እንትቑፍሩ ህጻናትን መናእሰይን ናብ ኹናት እናሰልጠኑ ነይሮም እዮም። እዚ ከይዲ ድማ ኣብዚ ንምብፃሕ ዓብይ ምኽንያቶም እዮም። ብምዃኑ ብፌደራል መንግስቲ ንዚ ጉጅለ ብፍጥነት ዋገኦም ኣብ ምሃብ ዓብይ ዝኾነ ክፍተት ኣለና።

ሕቶ፡-እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እናርኣዮ ዘሎ እኩይ ባህሪ ኣንጻር ካብ ትግራይ ኢሉ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ነቒልካ ንምውፃእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ?

 ዶክተር ኣረጋዊ፡- እዚ እከይ ተግባር ዝተፃወሩ እኩባት ህዝቢ ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ሰላም እናሃቡ ዴሞክራሲ እናስፈሑ ከምኡ’ውን እቲ ድኻ በሊዑ ፀጊቡ ንክሓድር ኣይገበሩን። ኸዚ ድማ ንባዕሎም ስልጣን ፃምእ ኢሎም ብዝውልዕዎ ሓዊ ኣብዝሓ እናተለብለቡ እዮም። ብምዃኑ እዚ ጉጅለ ካብ ርእስና ነቒልና ንምድብራይ ካባና ዝድለ ምትሕብባርን ሓደ ምዃንን እዩ።

ኣብዚ ኸዚ ምስቲ ጁንታ ዝገጠምና ኹናት ንህልውና’ምበር ርስት ንምምላስ ኣይኮነን። እዚ ድማ ብዝግባእ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ መሬት ናይ ኣምሓራ ነይሩ። እቲ ካልእ ናይ ትግራይ እዩ እናበልና ኹናት ንኽልቲኦም ክልላት ክንገድፎ የብልናን። ጉዳዩ ናይ ህልውና ምንባርን ዘይምንባርን፣ ምጥፋእን ምፍራስን ብሓድነት ጠጠው ምባልን ከምዝኾነ ፈሊጥና ኹሉ ኢትዮጵያዊ ብሓደ ልቢ ብምዃን እዩ ልክዑ ንክሕዝ ፤ ኢሉ’ውን ካብ ማእገር ኢትዮጵያን ትግራይን ክወርድ ዝኽእል።

መሬት ናይ ኢትዮጵያ ንሕና’ውን ናይ ኢትዮጵያ ኢና። ስለዝኾነ ሓድነትን ማዕርነትን ደለይቲ ክሳብ ዝኾና ምችው ኩነታት ዝፈጥር ስርዓት ንምምፃእ’ምበር ክፅዕር ዘለና ንሳቶም ብዘቐበሉና ኣጀንዳ ኣብዚ ግዜና ክነጥፍ የብልናን። ንሳቶም ሓድነትና ብጣዕሚ ስለዘጨንቆም ንሕና ሓደ እንትንኾን ንሕና ቐዲምና እንተፍሪስናዮም ንሃርና ሓድነትን መዓርነትን ጠጠው ኢልና ምባል ስለዝኾነ በዚ መገዲ ምስጓም ኣድላይ እዩ።

ሕቶ፡-ራዕዳዊ ህወሓት ኣብዚ ኸዚ ህፃናት ናብ ኹናት እናመልመለ ንክስለፉ ምግባሩ ሃገር ኣፍራሲ ትውልድን ሃገርን ንከይቕፅል ዝደሊ ብምዃኑ መርኣይ ክኾን ኣይኽእልን ?ኣብዚ ናቶም ቅዋመ እንታይ ይመስል?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- ህፃናት ናብ ኹናት ምስላፍ ብዓለም ለኸ ሕጊ ገበን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ። ምናልባት ከም ዘርኢ ምጥፋእ ዝረአ ገበን እዩ። እዚኦም ቆልዑ እኮ ቤት ትምህርቲ ዝኸድሉ ዝነበሮም እዋን እዩ። እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ስልጣን ፃምእ ካብ ኣዲኦም እናመንጠሉ ናብ ኹናት እናእተዎም ዘሎ። እዚ ዘርኢ እቲ ጉጅለ ካብ ባዕሉ ንላዕሊ ማንም ዘይደሊ ብፍላይ ድማ ምንም ንዘይፈልጡ ህፃናት ምንም ርህራሄ ከምዘይብሉ ከምዝኾነ እዩ።

ስለዚ ማንም ሞይቱ ንሳቶም ዝተመንይዎ ስልጣን ንክረኽቡ እናተመንዩ ከምዘለዉ ድማ ዓብይ መርኣያ እዩ። ብምዃኑ እዚ ጉጅለ ሱር ሰዲዱ ተወሳኺ ምክፍፋል

 ኣብ ሃገርና ንከይፈጥር ብምትሕብባር ምምካት ኣድላይ እዩ።

ሕቶ፡-ቅድሚ ኸዚ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሮ እዋን ግብረ ራዕዲ እናበለ እናፈረጀ ምስ ዝነበረ ሸኔ ጥምረት ፈጢረ እየ እናበለ እዩ፤ እሞ እዚ እንታይ የመልክት?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኾነ ሸኔ ዕለማ ዘይብሎም ዝሰርሕዎ ስራሕ ምንም ትልሚ ዘይብሎም ካብ ምዃኖም መንፅር ኸዚ ተሰዳድን ኣሳዳድን ከምዘይነበሩ ተጣሚሮም ሃገር ንምፍራስ ምልዓሎም ንጥቕሞም ክብሉ ዝገለባበጡ ከምዝኾኑ መርኣያ እዩ።

ብምዃኑ እዚኦም ጉጅለ ብፍላይ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግብረ ራዕዲ እናበለ እናሳደዶ ሃገር ንምፍራስ ራእዮም ሓደ ኾይኑ ምልዓሎም ዕላማ ኣልቦ ከምዝኾኑ ብግልፂ ዘርእይዎ እዩ። ኽልቲኦም ጉጅለ ጠጠው ኢልናሉ ንዝብልዎ ህዝቢ ግዲ ዘይብሎም ንሳቶም ዝሓስብዎም ስልጣን ጥቕሞምን ጥራሕ እዩ።

ከምዚኦም ዝበለ ጉጅለታት ጥቕምን ናይ ባዕሎም ምቾት ጥራሕ ዘቐድሙ ካብ ምዃኖም ንላዕሊ ሓደ ሓደ እዋን ክሳብ ኸዚ ዝኸድዎ ዝነበሩ ኣካይዳ ብምርሳዕ ንጥቕሚ ክብሉ ምጥማሮም ኣይተርፍን። ኸዚ’ውን እናረኣና ዘለና እዚ እዩ። ምናልባት እዚኦም ሃገራት ሸቶና ዝብልዎ ምፍራስ ሃገር ስረሖም እንትበፅሑ ቀፂሉ ድማ ሓዲኡ ናይ ሓዲኡ ፀላኢ ብምዃን እንሪአሉ እዋን ድማ ርሑቕ ከምዘይኾን ይፈልጥ እየ።

ኽልቲኦም ዕላማኦም ምግንፃልን ሃገር ምፍራስን እዩ፤ እዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ክርደኦ ይግባእ። ሸኔ ናብ ጫካ ካብ ዝኣቱ ምናልባት ኣርባዓ ዓመት ክበልፅ ይኾን እዩ። ግን ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ምቕታልን ክንገላታዕን ካብ ምግባር ምንም ዝገበረሉ ነገር የለን። ብተመሳሳሊ ህወሓት’ውን ህዝበይ ዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ይንግድ’ምበር እቲ ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ንክወፅእ ኣይገበሮን። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኸዚ እዋን ዝስተ ፅሩይ ማይ እኳ የብሉን። እዚ ዘርኤና ክልቲኦም ጉጅለ ንባዕሎም ጥቕሚ ጥራሕ ጠጠው ዝበሉ ምዃኖም እዩ። ኸዚ ተጣመሩ ኣይተጣመሩ ዘምፅእዎ ለውጢ የለን። ስለዚ ህዝቢ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኢትዮጵያውነቱ እናቐደመ ሓደ ናብ ምዃን እናመፀ እዩ።

ሕቶ፡-ኣብዚ ኽልቲኦም ተጣሚርና ኢና ምባሎም ብፍላይ ጠጠው ኢልናሉ ካብ

 ዝበልዎ ህዝቦም መንጻር እንታይ ማለት እዩ? ዝህልዎ ጥቕሚ እንታይ እዩ?

ዶክተር ኣረጋዊ፡- ንሳቶም ንህዝቢ ጠጠው ይብሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብን የዋህነት እዩ። ንሳቶም ንህዝቢ ሓዜኔታ የብሎምን። ሓሳቦም ናብ ስልጣን ምምፃእ ጥራሕ እዩ። እዚ ግና እንኳን ብተግባር ብሕልሚ’ውን ዝኾን ኣይኮነን።

ምኽንያቱ ህዝቢ ናብ ሓድነት እናዘንበለ እዩ። ኸዚ ዘይኾን ነገር ጀሚሮም ኣለዉ። ኣይሳኽዕን ንሳቶም ተኸቢሮም ምሕላፍ ስለዘይበሎም ቅድሚ ኸዚ ከምዝራእናዮም ከም ኣዕርኽቶም ናይ ውርደት ካባ ክኽደኑ እዮም።

ሕቶ፡ – ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት ክሳብ ኸዚ ብሃገርን ህዝብን እዚ ኹሉ በደል እናብፀሐ ፅዕንቶ እናብዝሑ ዘለዉ ግና ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ እሞ እዚ እንታይ ይመስሎም? ናይዚ ኣካይዳ መወዳእታኡ እንታይ ክኾን ይኽእል?

ዶክተር ኣረጋዊ፡-ሓይልታ ወፃኢ መርሕ ኣልባ እዮም ክባሃል ይካኣል። ብፍላይ ድማ ግብፅን መንግስቲ ኣውሮፓን መርሕ ኣልባ ከምዝኾኑ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ዝተጭበርበረ መረፃ ብምግባር ተኣማኒ መረፃ ነይሩ ኢሎም እዮም ዝፅብፅቡ። ናይ ህወሓት ተላኣኣኽቲ ኾይኖም ካብ ስነ ምግባር ወፃኢ ዝኾነ ዘገባ እናውፅኡ እዮም።እዚ ድማ ክኽን ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።

ብምዃኑ ጉጅለ ጁንታ እዚኦም ወገንተኛ ዝኾነ ሚድታት ወፃኢ ተሓባቢርና ኢና ክቃለስ ዘለና። ናይ ውሽጢ ኾኑ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ብዘሎ ክፍተት እናኣተዉ ናታቶም ተላኣኣኽቲ ናብ ስልጣን ንክመፁ ናይ ምግባር ስትራቴጂ እናተኸተሉ ብምዃኑ ህዝቢ እዚ ተገንዚቡ ምትሕብባር፣ ምፍልላይ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብሓደ ጠጠው ብምባል ሃገር ከሻግር ኣለዎ።

ብተደጋጋሚ ከምዝዝረብ ጣልያን ኣብ ዓድዋ ተሓባቢርና ኢና ዝሰዓርና፤ ግድብ ህዳሴና 81 ሚኢታዊ ዘብፀሕናዮ ኻልኣይ ምምላእ ማይ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ዘካየድናዮ ብምትሕብባርና እዩ። ብምዃኑ እንተተሓባቢርና እዚኦም ተገንፀልቲ ምስዓር ጥራሕ እንተይኾነስ ሃገርና’ውን ምዕባይ ስለ እንኽእል ምፍልላይና ንጎኒ ኣፅኒሕና ንዓብይ ጉዳይና ኢድ ንኢድ ተደሓሒዝና ምትሕስሳብ ኣለና።

ሕቶ፡-ንዘነበረና ፃንሒት የመስግን

ዶክተር ኣረጋዊ፡-ኣነ’ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You