‹‹ኣዴታት ትግራይ ኣብ ክትዛረቦ ዝኸብድ ፀገም ወዲቐን ይርከባ››ኣይተ ሰለሞን ወልደገሪማ

ኣይተ ሰለሞን ወልደገሪማ ተወላዲ ትግራይ ነባራይ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ‹‹ራእይ ተጋሩ›› ምንቅስቓስን ጎስጓስን እናገበረ ዝርከብን ብሰፊሑ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያውነትን ኣድሂቡ ንቑሕ ተሳትፎ ዝገብርን ምስ ሚኒስትር መከላኸሊ ሃገር ብምዃን እናሰርሐ ዝርከብ መንእሰይ እዩ።

ቕድሚ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ንቑሕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ተሳትፎ እናገበረ ዝፀንሐ እንተኾነ ‘ውን ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ግና ብርቱዕ ተሳትፎ ብምግባር ዝፍለጥ መንእሰይ እዩ። ብፍላይ ኣብ ተወለድቲ ትግራይን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኹነታት ኣድድቦ ገይሩ ጠቓምን ሃገር የሳግር እዩ ዝበሎ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ፊት ንፊት እናቐረበ ረዘንቲ ሓሳባት እናልዐለ ግድኡ እናተፃወተ ይርከብ። ምስ ጋሻና መንእሰይ ሰለሞን ወልደገሪማ ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ሃገርና ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና ሰናይ ንባብ፡-

 ወጋሕታ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ከመይ ትገልፆ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ትግራይ ኣብ ታሪኽ ገጢምዋ ዘይፈልጥን ዘሕዝንን መከራ እያ እናሕለፈት ዘላ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዝፍለዩ ኣስታት ኽልተ ዓመት ገይሮም፤ ዕሸላት ዝሰምዕዎ ድምፂ ቶኽሲ እዩ፤ ምግቢ የለን ሃፍታም ይኹን ድኻ ብረድኤት እዩ ዝናበር ገንዘብ እንተሃለዎም ‘ውን ዕዳጋ የለን ምስ ጎራብትና ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ምስ ሱዳን፣ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝነበረ ርክብ ተቛሪፁ እዩ፤ ስልኪ የለን፣ መብራህቲ የለን፣ ብሓፈሻ ትግራይ ናብ ዘበነ ፀልማትን ዘበነ እኒእኒ እያ ተመሊሳ ትርከብ። እዚ ኹሉ መከራ ድማ ብሰንኪ እቲ ርጉም ህወሓት ዝመፀ መዘዝ እዩ። ቕድም ክብል ካብ ኣዲስ ኣበባ ቕድሚ ምኻዶም ብዙሕ ነገር እናመዓድና ነይርና፤ ብዙሓት ጌጋታት ተፈፂሞም እዮም በጃኻትኩም ህዝቢ ሒዝኩም ከይትጠፍኡ እናበልና ነይርና፤ ይኹን ‘ምበር ስለዘይሰምዑና ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና።

ኾይኑ ግና እቲ ቑምነገር ካብዚ ዓብዪ ፀገም ብኸመይ ኢና ንናገፍ እዩ። ሓደ ኣዝዩ ዘሕዘነኒ ጉዳይ ካብ ትግራይ ዝመፀ ሰብ ዘውገዐኒ ነገር ውሽጠይ ክቆፃፀሮ ዘይኽእል ሓዘን እዩ ፈጢሩለይ፤ ሓንቲ ኣዶ ደቃ ጠምዮም እተብለዖም ምግቢ ብምስኣና እታ ዘላታ ንእሽተይ እኽሊ ጨው ኣብዚሓ እናሰርሐት ንደቃ ትህቦምሞ እቶም ቖልዑ ጨው ጥራሕ ኾይኑ እንትብልዋ ንጥዕና ፅቡቕ እዩ ብልዑ ትብሎም፤ ብዙሕ ማይ ምእንቲ ክሰትዩላን ክፀግቡን ኢላ ብምሕሳብ ካብ ጭንቂ ዝተልዓለ እዩ። ኣዴታት ትግራይ ኣብ ክትዛረቦ ዝኸብድ ፀገም ወዲቐን ይርከባ። ስለዝኾነ ድማ ክንቕልጥፍ ኣለና ክንደየናይ ኣብ ዝኸፍአ ኹነታት ከምዘሎ ህዝብና ብምርዳእ ብፍላይ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ክንሕግዝ ይግበአና።

ሐዚ ኢትዮጵያ እትደልዮ ብተግባር ሰሪሑ ዘርእያ ‘ምበር ዝዛረብ ኣይኮነን። ደም ብምልጋስ ይኹን ገንዘብና ብምውፃእ ህዝብና ኲናት ኣየዋፅኦን ክውዳእ የብሉን፤ ሓደ ገባሪ ሓዳጊ ዝኾነ መንግስቲ እንወድቕ ሃገር ሒዙ እዩ ዝወድቕ፤ ከም በዓል ጋዳፊ፣ ሂትለር ሃገሮም ሒዞም እዮም ዝወደቑ። ስለዝኾነ እዚ ጉጅለ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ንስኻ’ኮ ፍሉይ ኢኻ፣ ጅግና ኢኻ እናበለ፤ ክበልዐካ መፂኡ’ምበር ክበልዐኒ ስለዝመፀ ተኸላኸለለይ ኣይብልን፤ ከምዚ እናበለ እዩ ዘዐሽዎ ዘሎ።

መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፤ ህይወቱ ክወሕሳ ኣለዎ፤ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምላሽ ብዘይምሃብ ኢዱ ብምሃብ ህይወቱን ህይወት ስድርኡን ክወሕስ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እናተገበረ ዘሎ ናይ ውክልና ኲናት እዩ ኣሜሪካን ኩየትን ነዚ ጉጅለ ጥፍኣት ሳተላይት ሂበንኦ እየን። ናይዚ መልእኽቲ ድማ እዛ ሃገር ክትዳኸምን ክትሕመስን እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስ ቡክ ናታቶም ተኸተልቲ በዓል ካሳ ሃይለማሪያም ሬሳ ከይተረፈ እንትልጥፉ ብሎክ ኣይገብሮምን ኣንሕና ግና ቑሱላት

 እንተለጢፍና ብሎክ ንግበር እዚ ድማ ናይ ኣሜሪካ ስራሕ እዩ ኹሉ ዝቆፃፀርዎ እሳቶም እዮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብድሕሪት በዓል ኣሜሪካ ስለዘለዋ ‘ምበር ህወሓት ዓቕሚ ስለዘለዎ ኣይኮነን። መንገዲ ብሱዳን ይከፈት እናበሉ ዘለዉ ንምንታይ ይመስለኪ ታንክታት ንልምምድ ተባሂለን ኣብ ጫፍ ሱዳን እየን ዘለዋ፤ እዚ ግልፂ እዩ ኸበድቲ ኣፅዋር ንምእታው ‘ምበር ኻሊእ ጉዳይ ሃልይዎም ኣይኮነን። ተዝኸውን ነይሩ ንምንታይ ብባፅዕ ብሓፂር መንገዲ ዘይጥቀሙ።

እዚ ኹሉ ውዲት ግና እዛ ሃገር ክትዳኸምን ክትፈርስን ስለዝደልዩ እዩህ ዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ክብል ክስዓር ኣለዎ፤ ሐዚ ኣይንዋጋእን እንተይሉ ህይወቱ ትድሕን ህዝብና ኣብ ቐረባ እዋን 60 ሽሕ ደቁ ስኢኑ ፅሩይ ማይ እኳ ኣይረኸበን። እዞም ሱሱዓት ንውልቆም ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ሓሲቦም ኣይፍጡን ስለዝኾነ ኹሉ መንእሰይ ኢትዮጵያ መፂኡና ዘሎ ሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ ብህፁፅ ተረዲእና ኹላትና ብሓባር ክንሰምር ኣለና። ሚዲያታት ብፍላይ ትኹረት ሂበን ከሰርሓ ኣለወን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድቃስ ኣየድልየናን ምስ መንግስቲ ተዋዲድና ሃገርና ክነድሕን ይግበአና።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ምስ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እናገበሮ ዘሎ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ጥቕሙ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ህወሓት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኲናት ዝኸፈተሉ ምኽንያት እንተኽኢሉ ብዓፋርን ኣምሓራን ገይሩ ክወፅእ እዩ ነይሩ ሓሳቡ ሐዚ ሓይሊ ንምብታን እዩ ናብ ኣምሓራ እናኣተወ ዘሎ ብኡ ገይሮም ክሃድሙ ዝደልዩ ስለዘለዉን ናይ ወፃኢ ድጋፍ ስለዝደለዩን እዩ። ቕድሚ ሕጂ ብዙሕ በደልን ግፍዕን ሰሪሖም ምስ ኣምሓራ ኣፃሊኦምና እዮም፤ ሐዚ ድማ ምስ ሓውና ህዝቢ ዓፋር ህዝብና ኣፃሊኦሞ። ኻሊእ ተወሳኺ በሰላ እዮም እናገደፉልና ዘለዉ። ንዓፋር ጨፍጪፎሞ እዮም። ብዘሕዝን ኹነታት ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ብዙሕ ንብረት ዘሪፎም እዮም። ኣርብዓ ሓምሳ ኾይኖም ናይ ሽፍታ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

እዞም ገበርቲ ሓደግቲ ህዝቢ ናብ ዘይደልዮ ኲናት ንኽኣቱ ደርፊ የውፅኡሉ ‹‹ሓደ ክንዲ ሽሕ››እናበሉ ንህዝቢ ትግራይ ትዕቢት እናምሃርዎ እዮም ዘለዉ። ዝተበደለን ሓቂ ዝሓዘን ሰብ ኹሉ ሻዕ ሰዓራይ እዩ ንስኻ ዝተፈለኻ ሰብ ኢኻ ስለዝበልካዮ ኣይስዕርን። ብምዃኑ ድማ ከምዚ እናበሉ ምስ ወገኑ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን እናጓነፅዎ እዮም ዘለዉ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ግና ተጎጅሎም ከም ሽፍታ ባንኪ ይዘርፉ፣ ንብረት የቃፅሉ፣ ዝደልይዎ ሰብ ይቐትሉ ፎቶ ይልዓሉ ይልጥፉ ፕሮፖጋንዳ ይነፍሑ በቃ እዚ እዩ ዕላምኦም።

ወጋሕታ፡-ጁንታ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተቖፃፂረ እየ እናበለ ዜና ሓሶት እናሰራጨወ ይርከብ፤ ኣብዚ እንታይ ሪኢቶ ኣለካ?

ኣይተ ሰለሞን፡-ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ሓቃዊ መረዳእታ ዝረኽበሉ ሚዲያ የብሉን። እቲ ሐዚ ዘለና መማረፂ ንህወሓት ኣወጊድና ብድሕሪኡ ብዛዕባ ፕሮፖጋንዳ ንዘራረብ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ኳታር ሳተላይት፣ TMH,DW,፣እዚኣተን እየን። እዚ ኹሉ ሕሶታት ህዝቢ ትግራይ ክፅላእ ንምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከይተረፈ ብዙሕ እዩ ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓለም ናታቶም ሕሶት ብዝተወሰነ መልክዑ እናተረድኦን እናቃለዖምን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ግና ኢንተርኔት የብሉን ቴሌቪዥን የብሉን ሕሶት እዩ ክሰምዕ ዝውዕል ስታሊን ማለትኮ ‹‹ናተይ ትውልዲ ኢትዮጵያ እናፍረሰ ምርኣየይ የሐጉሰኒ›› ኢሉ ዝተዛረበ ኣተሓሳስባ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኸመይ ገይሩ እዚ ሚዲያ ንህዝቢ ትግራይ ይምጥኖ?ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሃገር እንትፈርስ ኣይሕጎስን። ስለዝኾነ ኣብዘን ዝተትሓዛ ቦታታት ብህፁፅ ሬድዮ ይኹን ቴሌቪዢን ክሰራጨው ይግባእ ብፍላይ ኣብ ሬድዮ ትኹረት ገይርና እናሰራሕና ኢና ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያን ዓለምን ክድመፅ

 ዝኽእልን ራድዮ እናኸፈተና ኢና።

ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ብሚድያ ኣይረኸብናዮን ናይ ህወሓት ሕሶት ግና ክትዛረቦ ዘደምም እዩ ንኣብነት ዝማረኽዎም ዝተወሰኑ መከላኸሊ ሰራዊት ብኽልተ ጫፍ ሰሪዖም ኣብ ማእኸል ግና ናይ ባዕሎም ብዙሕ ሰራዊት ሓዊሶም ፎቶ ብምልዓል ክንድዚ ማሪኽና ኣናበሉ ይሕስዉ እዚ ዝገብሩሉ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ትግራይ ንምትላልን ካብ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ንምውሳድን እንትኸውን ብናይ ባዕሎም ሰራዊት ረድኤት ክሓቱ ኣይኽእሉን ምኽንያቱ ዕጡቓት እዮም ስለዝኾነ ብሽም ሙሩኻት ካብ ቀይሕ መስቀል ረድኤት ንክቕበሉ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናታቶም ውዲት ተረዲእዎ እዩ ህዝቢ ትግራይ ገና ኣይተረድኦን ስለዝኾነ ብኹሉ መራኸቢ ሚዲያ ተጠቒምና ህፁፅ መረዳእታት

 ክባፅሑ ክንገብር ኣለና ብፍላይ ጋዜጠኛታት ክረባረቡ ይግባእ ኹላትና ተረባሪብና እዚ ኽፉእ መንቀርሳ ክንምሕዎ ይግበአና። ንህዝቢ ትግራይ ቐሪበ ብዘይ ምሕጋዘይ የሕዝነኒ እዩ፤ ይኹን ‘ምበር እቲ ኲናት ተጀሚሩ እዩ ስለዝኾነ ንህዝብና ቐሪብና ብሚድያታት ብህፁፅ ክንሰርሕ ይግበአና።

ወጋሕታ፡- ኣብ ቐረባ ብቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ዝተመሓላለፈ ሃገራዊ ፃውዒት ዘለካ ሓሳብ እንታይ እዩ?

ኣይተ ሰለሞን፡- መብዛሕትኡ ፃውዒት እዩ፤ ከምኡ ‘ውን በቲ ግብረ ራዕዲ ዝተሰርሑ ግፍዕታት ምስ ሓይልታት ወፃኢ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት እዮም። እዞም ጉዳያት ወሰንቲ እዮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ቐዳማይ ሚኒስትርና ገጢምዎም ዘሎ ፀገም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘየጋጠመ ዓብዪ ውጥረት እዩ። ሸሞንተ ግንባራት እናመርሑ፣ መረፃ ብሰላም ንኽካየድ ዝነበረ ጭንቂ፣ህወሓት ወጢንዎ ዝኸደ ዓሌታዊ ጎንፂ፣ ዓለምለኸ ትካላትን ሚዲያታት በዓል ኣምነስቲ፣ ሲኤንኤን ኻልኦትን ንህወሓት ብምሕላቕ ዝገበርዎ ፅዕንቶ እዚ ኹሉ ቐሊል ኣይኮነን ። ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ክርድኦ ይግባእ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክንኸውን ይግባእ።ብምዃኑ ድማ እዚ ፃውዒት ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ኹሉ ኢትዮጵያዊ ብፍላይ መንእሰይ ካብ ልቡ ተቐቢሉ ናብ ተግባር ክንኣትው ይግበእ። ሐዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኢና ዘለና፤ ኣብዚ ዘወላውል ኢትዮጵያዊ እንተሃልዩ ብህይወቱ እዩ ዝፈርድ ዘሎ፤ ስለዝኾነ እቲ ፃውዒት ፅቡቕ ስለዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ግና ንመንእሰይ ሃገርና ፃውዒት የቕርብ።

ወጋሕታ፡-ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርትን ምዕሻግ ትካላት ንግድን እናተኻየደ እዩ ይበሃል እዚ ከመይ ትሪእዎ?

 ኣይተ ሰለሞን፡- መንግስቲ እናኣሰረ ድዩ እወ ንምንታይ? ጭቡጣት መረዳእታታት ስለዝረኸበ። ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ባንዴራ ኢትዮጵያ ረጊፆም እናሳዕስዑን እናቃፀሉን ብማስረጃ እንትትሓዙ ነዚ ሆቴል ምዕፃው ኣይከኣልን ኣይበሃልን ፤ ዋላ እኳ እቲ በዓል ዋና ኣይርኣኹን ይበል ‘ምበር ክዕፀው ግድን እዩ ምኽንያቱ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝኽበር ነገር የለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘቃፀለ እዩ ዝቑፀር።

ኻልኣይ መከላኸሊ ሰራዊት ካብ መቐለ ዝወፀሉ ቐንዲ ምኽንያት ህዝቢ ፅሞና ረኺቡ ንኽሓስብ እዩ እሳቶም ግና ተዓዊትና እናበሉ ኣብ ፈቐዶ ሆቴላት እናሰኸሩን እናጨፈሩን ህውከት ፈጢሮም እዮም፤ ይኹን ‘ምበር ኣብዛ ከተማ ብሰላም ንዝነብርን ብፀጋ መንግስቲ ፌደራል ንዝነብርን ትግራዋይ ግና ኣይሓሰቡን ‹‹እምበር ተጋዳላይ ዓርሞሸሽ››እናበሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ንዕቐት እንተርእዩ መንግስቲ ግና ምሒር ተዓጊስዎም ነይሩ፤ ደሓር ግና ናብዚ ሐዚ በፂሖሞ ዘለዉ ናብ ብኽያት ተቐይሩ እዩ።

ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፤ እንተንኣሰ ሱቕ ብምባል ብዘይምድጋፍን ደርፊ እንተድልይዎም’ውን ኻልኦት ሰላም ዘለዎም ደርፍታት ትግርኛ መዓት እዮም ብዙሓት ዘይተዓፀዉ ሆቴላት እንዳ ተጋሩ ኣለዉ። እዚኦም ብኸመይ ዘይትዓፀዉ ምባል ግድን እዩ ኹሉ ዝግበር ብምኽንያት እዩ።

ብዘገርም ኹነታት ኣፍቲ ጥቆማ ባዕሎም ኣባላት ህወሓት እናተሳተፉ እዮም ተደራጅዮም ኾነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ጥቆማ ዝገብሩ ዘለዉ ባዕሎም ህወሓት እዮም። እዞም ጠቆምቲ ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም እዩ። መንግስቲ ድማ ንግዚኡ እስካዕ ዝፃረይ እናበለ ኣሲሩ ዝቕልቦም ብዙሓት እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ዝተኣሰሩ ኣለዉ እዮም፤

 ይኹን ‘ምበር መንግስቲ’ውን ስለዝተፀገመ እዩ።

ህወሓት ኾነ ኢሉ ህዝቢ ንምልዕዓል ዝተጠቐመሉ ተንኮል እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ በረኻ ዝኣተዉ ተጋሩ ብዙሓት እዮም። ንምንታይ እዚ በደል ስለዝርኣዩ። ኣነ ንባዕለይ ገዛይ ተፈትሹ ይፈልጥ እዩ፤ ብፖሊስ ተወሲደ ተሓቲተ ይፈልጥ እየ። እዚ ዝገበሩ ግና ኣባላት ህወሓት እዮም። ምኽንያቱ ተስፋ ንኽቖርፅ እዩ። ስለዝኾነ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ተኣሲሮም እዮም ይኹን ‘ምበር ኣፃርዮም ክፈትሕዎም እዮም፤ ንምንታይ ተተንከፍና ኣይንበል ሃገር ኣብ ዓብዪ ፈተና እያ ዘላ። ኹሉ እስካዕ ዝተዓራረይ ተኣሲርና ምፍታሕ ኸቢድ ኣይኮነን ብዙሕ መከራ እዩ ዝወርድ ዘሎ።

እቲ ዋና ዕላማ ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ብዘይ ኣግባብ ዝተኣሰሩን ትካል ንግዲ ዝተዓሸጎምን እናፃረና ምፍታሕ እዩ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን እዞም ንፁሃት ተጋሩ ናፃ ንምውፃእ ኣብ ቐረባ ስራሕ ክንጅምር ኢና። እዚ ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ናፃ እዩ፤ ኣባል ፖለቲካ ይኹን ኣይኹን ክኣትው ይኽእል እዩ። ሰፊሕ ስራሕ እዩ ዘሎ። ምስ ኣሕዋትናን ሓፍትና ህዝቢ ኣምሓራ ዕርቂ ናይ ምግባር ስራሕቲ ክስራሕ እዩ። ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንትግራዋይ ዝተውሃቦ ዘይናቱ ምስሊ ብምንፃል ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ዕርቂ ክፍጠርን ኻልኣይ ምስ መከላኸሊ ሃገር ኾይንና ክንሰርሕ ኢና። ኻሊእ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዘይ ኣግባብ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ክነፍትሕ ኢና። ምስ መንግስቲ ኾይኖም ንኽሰርሑ ህዝባዊ ኮንፈረንሳት እናገበርና ህዝብና ክነንቅሕ ኢና።

ብልፅግና ተመሪፁ እዩመንግስትና እዩ። ስለዝኾነ ምስ መንግስትና ኾይንና ሃገርና ክትተርፍ ተቓወምቲ ፓርትታት’ውን ከይብደሉ ስራሕቲ ሲቪክ ሶሳይቲ ክንሰርሕ ኢና። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከብ ትግራዋይ

 ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኾይኑ ሃገርና ኢትዮጵያን ህዝብናን ከይጉድኣና እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዝበፅሐ ምግላልን ዘይምእማንን እቶም ጉጅለ ራዕዲ’ምበር ትግራዋይ ኢትዮጵያውን ተኣማናይን ከምዝኾነን ዘረድእ ህዝባዊ ጎስጓስ እዩ።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ራዕዲ ንምድምሳስ ካብ መንግስቲ ንዝቐረበ ፃውዒት ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ምላሽ ክህብ ኣለዎ ትብል?

ኣይተ ሰለሞን፡- እቲ ፃውዒት ወፍሪ ንመላእ ኢትዮጵያ እዩ ተገይሩ፤ ህዝቢ ትግራይ’ውን ኢትዮጵያዊ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ናብ ግንባር ብምዝማት ደም ብምልጋስ ብዘለዎ ዓቕሚ ሓገዝ ብምግባር ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ክንኸውን ኣለና። እዚ ድማ እናተገበረ እዩ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ደም እናለገሱ እዮም፣ ገንዘብ እናዋፅኡ እዮም፣ ኣዴታት ስንቂ ንመከላከሊ ሃገር እናዳለዋ እየን፣ ኣብ ቐረባ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ኢና። እዚ እንገብረሉ ምኽንያት ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ከምዝኾና ንምርግጋፅን ትግራዋይን ህወሓትን ሓደ ከምዘይኮነ ክነፍልጥን፤ ብተወሳኺ ድማ እቲ ፃውዒት ተቐቢልና ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ጠጠው ከምዝበልና ንምግላፅ እዩ።

ብዙሓት ሙሁራት ተጋሩ ኣለዉና እዮም። ናይ ህዝቦም ኹነታት ዘሕስቦም ዘጉህዮም ብኻልእ መዳይ ድማ ነገር ህወሓት ዘበሳጭዎም፤ ሓርቢትዎም ሱቕ ዝበሉ እዚኣቶም ጎስጓስ ክንገብረሎም ኢና ንህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩን ክገብሩ ዝኽእሉን እዮም። ብተወሳኺ ድማ ናይ ዘተ መድረኻት ክንፅውዕ ኢና ትግራይ በሪሳ እያ ዳግም ንኽትህነፅ ዓብዪ ፃዕሪ ክንገብር ኢና።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን

ኣይተ ሰለሞን፡- ኣነ’ውን የመስግን

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You