‹‹ ንሕርሻ ትግራይ ዓብይ ትኹረትን ህፁፅ ሓገዝን የድልይ ››ዶክተር ኣባዲ ግርማይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሐዚ ክንዘርእን ክንሓርስን እንተዘይኺእልና ኣብ ዝመፅእ ሰለስተን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ዓብይ ፀገም ክንወድቕ ስለንኽእል ንሕርሻ ትግራይ ዓብይ ትኹረትን ህፁፅ ሓገዝን ምሃብ ከምዘድሊ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣባዲ ግርማይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣባዲ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፣ ምርግጋዕ ኣብ ዘለዎን ዝተወሰነ ኸባቢ ንምሕራስ እናተሞከረ እንተኾነ’ውን እዚ ንምግባር ዘድልዩ ነገራት ማለት ‘ውን እኹል ማዳበርያን ዘርእን የለን።ሓረስታይ ናብ ማሕረስ ንምእታው ድማ ሓገዝ ገንዘብ የድሊ።

መሓውር ሕርሻ ትግራይ ብምፍራሱ የለን ዝበሉ ዶክተር ኣባዲ፣ንዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብር 200 ሚሊዮን ከምዘድልዮ ገሊፆም።ሓገዝ ተዘይተረኺቡ ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ መሬት ሐዚ ክሕረስ ከምዘለዎ ዝገለፁ ዶክተር ኣባዲ፣ ንዚ ድማ ናውቲ ማሕረስ፣ማዳበሪያን ዘርኢን ግድን እዩ ኢሎም።ኮይኑ ግና እቲ ዓብይ ፀገም ግዘ እናምለጠና ከምዝኾነን እዚ እዋን እንተሓሊፉ ንምስትኽኻል ኣፀጋሚ ከምዝኾን እቶም ሓላፊ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ዘርኢ ኣድላይ ከምዝኾነን፣ ንብጣዕሚ ዘተጎድኡ ኸባቢታት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ትካላት ገንዘብ በምትእኽኻብ ክዕደግ ከምዝተገበረን ዝገለፁ ዶክተር ኣባዲ፣ ቀፂሉ መሬት ምሕራስ ክጅመር ነይረዎ ኮይኑ ግና ምስ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ሰላም ንድሕሪት ከምዝተረፈ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ንማሕረስ ዝኸውን ብዕራይ ከምዘየለ ዝገለፁ ዶክተር ኣባዲ፣ሓደ ብዕራይ ንምዕዳግ ካብ ብር 25ሽሕ ስጋብ 30 ሸሕ ከምዘድልን ንዚ ድማ ብር 350 ሚሊዮን ከምዘድልይ ኣመልኪቶም።እዚ ንምስትኽኻል እኹል ሓገዝ ተተረኺቡ ትራክተር ብምክራይ ናብ 15ሽሕ ሄክታር መሬት ንምሕራስ እናተሓሰበ ከምዝኾነ ገሊፆም። ንዚ ድማ ብር 120 ሚሊዮን ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ዘርኢ በዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ውሃብቲ 120ሽሕ ኩንታል ንምግዛእ ዘኽእል ሓገዝ ቃል ከምዝተኣተውን፣ ኮይኑ ግን ንሕርሻ ትግራይ 600 ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ከምዘድልይን ንዚ ድማ ብር 2.4 ቢሊዮን ከምዘድሊ ገሊፆም።ማዳበሪያ ድማ ብውሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 800 ኩንታል ግዝኢት ከምተፈፀመ ገሊፆም።

ሓረስታይ’ውን በርቲዑ እንተሓጊዙና ንሕና’ውን እቲ እንኽእሎ ክንገብር እንተኺኢልና ሕርሻ ክጅመር ክኽእል ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ኣባዲ፣እንተናኣሰ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ናይ ባዕልና ዘርኢን ቀለብን ንክህልወና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ትግራዋይ ብፃዕሩ ዝሓልፈሉ ህዝቢ እዩ፣ኣብዚ እዋን ንእሽተይ ሓገዝ እዩ ዘድልዮ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ምህላው’ውን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ኸዚ እዋን እናተሓሳሰበና ዘሎ ብእዋኑ ሓሪስና ክንዘርእ ዶ ንኽእል? ዝብል ንኹሉ ዘጨነቖ ጉዳይ እንትኸውን እተን ዝረኸብናየን እታወታት በምጥቓም እቲ ሓረስታይ’ውን ተስፋ ንክገብርን ዘለና ዓቕሚ ተጠቒምና መንግስትን ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ሎሚ ዘመን ናብ ሕርሻ ንምእታው ፃዕሪ እናገበርና ክብሉ ገሊፆም።

ንዝተፈለላዩ ትካላት ሓገዝ ንክገብሩ እናሓተትና ንርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ መብዛሕትኡ ዝተኣተወ ቃል ተግባራዊ ንከይኸውን ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግና ዘርኢን ማዳበርያ ንምቕራብ ምስቶም ክሕግዙና ዝኽእሉ ኣካላት ምትሕብባር ናብ ማሕረስ ንምእታው ክንፍትን ኢና ኢሎም።

እቲ ዝመፅእ ሓገዝ ግና ኣብዚ ኸዚ እዋን እንተይመፂኡ ምንም ጥቕሚ ከምዘይብሉን፣ ክሕግዝ ዝኽእል መንግስቲ ይኹን ትግራዋይ ማንም ሰብኣውነት ዝስመዖ ኣካል ኣብዚ እዋን ክበፅሐልና ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

ሓረስታይ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ክሓርስ ከምዘይኽእል ዝፍለጥ እዩ ፣ሰላምን ምርግጋዕን ምምፃእ መንግስታዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ኣባዲ፣ማሕረስ ንምጀመር ገባር ናብ መረበቱ ብቕልጡፍ ተመሊሱ ማሕረስ ተዘይጀሚሩ ኣብ መፃኢ ዝገጥመና ፀገም ቀሊል ኣይኸውንን ኢሎም።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You