
ኣጀማምራ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይን ህወሓት ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ‹‹ታሪኽ ፖለቲካ ህወሓት ›› ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከምዘስፈርዎ ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ፣ መዓርነት ብሄራት ንምርግጋፅ፣ ህዝቢ ስኢንዎ ዝነበረ ፍትሒ ንክሰፍን ሓፈሻዊ ኣብ ሃገር ሰብኣዊ መሰል ንክኸበሩ ምግባር ብዝብል ዕላማ ነይሩ።
ኾይኑ ግና ነገራት ውዒሎም እንትሓድሩ መልክዖም እናቐየሩ ኣብቲ ውድብ ዝነበሩ ኣኽረርትን ፅንፈኛን ሰባት ናይ ምግንፃል ዕላማ ሒዞም ተንቀሰቒሶም እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ’ውን ብማኒፌስቶ ክሳብ ምውፃእ በፂሖም ነይሮም እዮም። ኾይኑ ግና እቲ ቓልሲ ዕላምኡ ብፍፁም ክስሕት የብሉን ብምባልን ብምቅላስን ናብ ዝተልዓለሉ ዕላማ ንምምላስ ካብ ውሽጢ መስረቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዓብይ ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ይኹን’ምበር ንይምሰል ሓሳቦም ዝተቐበሉ እንተመሰሉ’ውን ብኣተሓሳስባ ግና ኣይተቐየሩን። ኣተሓሳስብኦም ብብርኪ ሕገ መንግስቲ እንተይተረፈ ኣስፊሮም ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ ኣብ ዝበፅሕናዮ ብርኪ ዘለዉ ብዙሓት ፀገማት ንክፍጠሩ ኪኢሎም’ዮም። ህዝቢ ትግራይ’ውን ዓብይ ፀገም በፂሒዎ’ዩ፡ ፡ዝግብኦ ልምዓትን ዴሞክራሲን ክረክብ ኣይከኣለን። ከልተ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ሕዝቢ ኣብ ሴፍቲኔት ተሓጋዚ’ዩ ነይሩ። ኣማራፂ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓይልታት ተፈጢሮም ዴሞክራሲያዊ መሰሉ ከኽበር ኣይከኣለን። ንኣስታት 30 ዓመታት ብሓደ ውድብ እናተመርሐ መፂኡ’ዩ።
ኣብዚ እዋን ድማ 24 ጥቅምቲ 2013ዓ.ም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ክኣቱ ገይሩ እዩ። ብዙሓት መናእሰይ ናብ ኲናት በምስላፍ ንክሞቱ ገይሩ’ዩ። ኣብ ሰላማዊ ሰባት’ውን መጥቃዕቲ በምፍፃም ጨፍጫፍ ኣካይዱ’ዩ። ሐዚ’ውን እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፋሕ ህፃናት ከምተረፉ ኣብ ኲናት በምስታፍ መንእሰይ ትግራይ ንክመውት እናገበረ’ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኲናት ዝኸፈተሉ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ምስ እዞም ህዝብታት ንምብኣስ’ዩ። እዞም ገበርቲ ሓደግቲ ህዝቢ ናብ ዘይደልዮ ኲናት ንኽኣቱ በምግባር መንእሰይ ንክሞት እናገበሩ’ዮም። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ንዚ ፈሊጡ ዓርሱ ከድሕን ይግባእ። ፀበባ ህዝቢ ትግራይ ንከሓፅር ክሰርሕ ኣለዎ። ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት ክለዓል ኣለዎ።
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታው ብዙሕ ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ኣብ ካሊኮማን ኣጋምሳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ጨፍጫፍ ኣካይዶም’ዮም። በኸቢድ ብረት ኣብ ደብረታቦር ኣብ ሓደ ስድራ ጉድኣት ሞት ኣብፂሖም’ዮም። ንብረት ህዝብን መንግስትን ብምዝራፍ ወሲዶም’ዮም። እንስሳት ከይተረፈ ቐቲሎም’ዮም። በኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ተመዛቢሎም’ዮም። እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅምን። ንመንእሰይ ትግራይ ረብሓ የብሉን። ንቲ ራዕዳዊ ግና ንስልጣኑ ይጠቅም’ዩ። ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ እከይ ተግባር ዓርሱ ከርሕቕ ኣለዎ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዴታት ትግራይ ኣብ ክትዛረቦ ዝኸብድ ፀገም ወዲቐን ይርከባ። ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ትግራይ ንዚ ፈሊጡ ዓርሱ ካብዚ እከይ ጉጅለ ከርሕቕ ይግባእ። ንዚ ድማ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምትሕብባር ግድን’ዩ። ብፍላይ ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ራዕዳዊ ህወሓት ፅዕንቶ ክሕድሩ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ዘለው መናእሰይን ምስቲ ጉጀለ ተሰሊፎም ዘለዉ’ውን ካብቲ ጉጅለ ክርሕቑ ይግባእ።
መንእሰይ ትግራይ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፤ ህይወቱ ክወሕሳ ኣለዎ፤ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምላሽ ብዘይምሃብ፤ ኢዱ ብምሃብ ህይወቱን ህይወት ስድርኡን ክወሕስ ክኽእል ኣለዎ።
ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መናእሰይ ኣይንዋጋእን ክብል ኣለዎ። ህይወቱ ከድሕን ኣለዎ። ህዝብና ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝገበሮ ናይ 17 ዓመታት ኣብ ዝገበሮ ዕጥቓዊ ቓልሲ 60 ሽሕ ደቁ ስኢኑ ፅሩይ ዝሰተ ማይ’ኳ ኣይረኸበን። እዞም ሱሱዓት ንውልቆም ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓንቲ ሓሲቦም ኣይፍጡን። ስለዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ሒዙ ምስ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይሊ ክተሓባበር የብሉን።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም