ኣሸንዳ መካተቻ ናፅነትን ፅባቐን ኣዋልድ

 ኣሸንዳን መካተቻን መሓዙት ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፤መካተቻ ማለት ብድሙቕ ቒሕፅልሚ ዝተሰፈየት ንእሽተይን ውቅብትን መቐመጢት መጋየፂ እያ፡፡ እዛ መካተቻ ካብ ፈለማ ብኢድ ኣዴታት እትስራሕን እትውነንን እያ፡፡ ባህላዊ ፀጋ ኣሸንዳ ድማ ብደቂ ኣንስትዮ ዝውነንን ሙሉእ ናፅነት ተጎናፂፈን ዘኽብርኦን ዝኾርዓሉን ዓመታዊ በዓል እዩ፡፡

በዓል ኣሸንዳ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ(ትግራይን ኣምሓራን) እስካዕ ደቡብ ኤርትራ ዝኽበር ሓበራዊ በዓል ከምዝኾነን መረዳእታታት ይሕብሩ፤እዚ በዓል ኣሸንዳ ቕድም ክብል ሃገርና ኢትዮጵያ ምስ እስራኤል ብዝነበራ ርክብ ምስ ታቦተ ፅዮን ከምዝመፀ ኣፈ ታሪኽ ወለዲ የዘንትው፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ባህለንን ፅባቐአንን ኣብ ኣደባባይ ወፂአን ብዜማን ብስዕስዒትን እንትገልፃ ብዘይ ሓንቲ ሰኸፈትን ፍርሕን ብታሕጓስን ብዓርሰ እምነትን ከምዝኾነ ኣነ ባዕለይ ዝመፃኹሉን ዝኾርዐሉን ብፍላይ ድማ ባህታ ልቢ ዝፈጥረለይ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ህይወተይ እዩ፡፡

ኣሸንዳ ክንሓስብ ኸለና መሰረት ስድራ ቤት ዝኾና ኣዋልድን ኣዴታትን ምሕሳብ ግድን እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ ኣዴታት ናፅነት እንትረኽባን ሕጉሳት እንትኾናን ከምኡ’ውን እንትቐስና ሙሉእ ስድራ ሕጉስን ተዓዋታይን እዩ ዝኸውን፡፡ብምዃኑ ድማ ስድራ ተዓዋታይ እንትኸውንን ሰላም እንትሰፍንን ሃገር ‘ውን ተዓዋቲት እያ፡፡

 መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ እቲ በዓል ዝተፈላለየ መፀውዒ ኣለዎ፡፡ ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ሶለል እናተብሃለ ይፍለጥ፡፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ  ትግራይ(ኣሸንዳ፣ማርያን ዓይኒ ዋሪ) ብሰፊሑ ዝኽበር እንትኸውን፤ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋግኸምራን ላስታ ላሊበላ(ሻደይ)፣ራያቆቦ(ሶለል) ብዝብል ሽም ዝኽበር እዩ፡፡

ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ በብዓመቱ ነሓሰ 16 ዝኽበር እንትኸውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ድማ ባዕሉ ዝኸኣለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣከባብራ ዘለዎ እንትኸውን ኣብዚ ዕለት ብተመሳሳሊ ዝኽበር በዓል እዩ፡ ፡

ኣሸንዳ እንትኽበር ኣዋልድ ኹለን ዝተፈላለየ ዓይነት ቑናኖ ጨጉረን ተቖኒነን ምዕሩግን ነዊሕን ባህላዊ ቐምሸን ተኸዲነን ቖፅሊ ኣሸንዳ ኣብ መዓንጠአን ኣሲረን ኸበሮአን እናወቕዓ ዝተፈላለዩ ደርፍታት እናደረፋ ፈለማ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ፤ ‹‹ኣቲ ማርያም ፀሓየ መፂአያኮ ዛመፅብዓየ›› እናበላ ሰለስተ ግዘ ነቲ ቤተ ክርስትያን እናደረፋ ምስ ዘርኦ ናብ መንደር ብምኻድ ገዛገዛ እናዞራ መወድስ ዝዓይነቶም ደርፍታት ይደርፋ፤‹‹እምበይተዋይ ፀሓይ ገፃ ብሪ መወፃ፣ ጎይታይ ስየ ቑመቱ ወርቂ ሰዓቱ›› እናበላ ይፃወታን ይስዕስዓን፡፡

ኣብዚ ዕለት ዘድንቐኒ ዓይነታት ቑናኖ ዓርሱ ዝኸኣለ ሓደ ጥብብ እዩ፤ ጋመ፣ ኣልባሶ፣ ስገም፣ ኣልባሶ ምስ ስንቅር፣ ርቦ፣ ሸውዓተ ኣልባሶ፣ሓሙሽተ ኣልባሶ፣ሰለስተ ኣልባሶን፣ግልብጭ ኻልኦት ሓደሽቲ ምህዞታት ኣብ ርእሲ እዘን ውቁባት ኣዋልድ ሃገርና ክትሪኦ ከለኻ ብሓቂ ዓድና ዓዲ ጥበብ ከምዝኾነት ዝምስክር እዩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ስልጡናት ኢና እንብለሉ ቀንዲ መዐቀኒ ናይ ባዕልና ምህዞን ጥበብን ባህሊ ዘለናን መሰልን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሎሚ ካብ ምዕራባውያን ዝተለቃሕናዮ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ጀሚርና ዘኽበርናን ወነንቲ ከምዝነበርናን ዘመላኽት እዩ፤ እዚ ድማ ዘሐብን ታሪኽ እዩ፡፡

ኣብዚ ዕለት ኹለን ኣዋልድ ምዕሩጋትን ቃሕ በሃሎን ስለዝኾና፤ ‹‹ቖልዓ ኣሸንዳ ርኢኻ ኣይትተሓፀ›› ይብሉ ዓበይቲ ወለዲ ይኹን ‘ምበር ኣወዳት ኣብዚ ዕለት ደድሕሪ ቖናጁ ኣዋልድ ኾይኖም ምምራፆም ኣይተርፍን መሪፆም ድማ ዝሕፀዩን ዝምርዐዉን ብዙሓት እዮም፡፡

ባህላዊ ፀወታ ኣሸንዳ ኣብ ከተማን ገጠርን ብተመሳሳሊ ዝኽበር እንተኾነ ‘ውን ኣብ ከተማ ንሰለስተ መዓልቲ ብጎይላን ብደርፍን እንትኽበር ኣብ ከባቢ ገጠር ትግራይ ግና እስካዕ ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ ኽልተ ሰሙን እየን ዘኽብርኦ፡፡

ብሓቂ ኢትዮጵያውያን ዘኹርዕ ባህሊ እዩ ዘለና፤ ስለዝኾነ ድማ ብባህልን ብሃይማኖትን ዝተወሃሃድና ደቂ ሓንቲ ሃገር ካፍቲ ዘባእሰናን ዘኳርየናን፤ ሓደ ዝገብረና ከምዝበዝሕ ንፈልጦ ኢና፤ ይኹን ‘ምበር ኣብ ቐረባ ብዝተፈጠረ ናይ ውሑዳት ፖለቲከኛታት ውዲትን ኽፍኣትን ኣንሕና ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ እንኸስረሉ ምኽንያት ስለዘይህሉ ሓድነትና ዘጠናኽሩልና ባህልታትናን ሃይማኖትናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ህይወትና ኣድሂብና ንቕድሚት ንሰጉም እናበልኩ እዛ በዛ ንእሽተይ ዘለላ ዜማ ግጥሚ ኣሸንዳ ክዛዝም ፡፡

‹‹ዕምበባይዶዬ ወለላይዶ

ኣውላድዬ ዕምበባይዶ

ይዓወይ ስየ ይዶየ ኣይትብላይዶ፤

ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ

ላዕላይ ሰማይዶ ኣለዎ ሜዳ፤

ሲና ላሎይ ላሎየ

ሲና ኩሓላና

ሲና ጣስማና

ንፃወትይዶ ንተሓዋወስዬ

ዘበን ክምለስዬ

ልዓመታ ሃምዚ ገደኣማኖ

ገደኣማኖ…፡፡››..

ኣሜን

ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013

Recommended For You