
ኣብ ኦሊምፒክ ቶክዮ ሜዳልያ ዝረኸቡ ኣትሌታት ብክልል ደቡብ ናይ መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪትሎም።፡ ኣብ ሃዋሳ ዝነበረ ስነ ስርዓት ሽልማት ሰለሞን ባረጋ ንኢትዮጵያ ብሕታዊት ወርቂ ዝረኸበ እንትኾን ካብ ክልል ደቡብ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር እንትረከብ ከምኡ’ውን ካብ ምምሕዳር ወልቂጤ ዓስርተ ሽሕ ካሬ መሬትን ካብ ክለቡ ደቡብ ፖሊስ ድማ ማዕርግ ኮማንደር ክረክብ ኽኢሉ እዩ፡፡
ብሩር ንዘረኸቡ ለሜቻ ግርማ ድማ ሰለስተ ሚኢቲ ሓምሳ ሽሕ ብር ሽልማትን እንትረክብ ንሓስ ንዘምፅኡ ለተሰንበት ግደይን ጉዳፍ ፀጋይን ድማ ሕድ ሕድ ኽልተ ሚኢቲ ሓምሳ ሽሕ ተሸለምቲ ኾይነን እየን ፡፡ ከምኡ ድማ ሜዳልያ ንዝምፅኡ ኣትሌታት ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝደለይዎ ከተማ ናይ ሓደ ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ቦታ ተዋሂብዎም እዩ፡፡ ንኣሰልጠንቲ ድማ ንዋና ኣሰልጣኒ ሚኢቲ ሽሕ፣ ምኽትል ኣሰልጣኒ ድማ ብር ሓምሳ ሽሕ ሽልማት ከምዝተበርከተ ተገሊፁ እዩ፡፡
መበል 32 ኦሊምፒክ ቶክዮ ኣብ ምስታፍ ዝነበሩ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣትሌቲክስ ልዕልነት ካብ ክሕዙ እዮም ተባሂሎም ዝተገመቱ ሃገራት እንተነበረት’ውን ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ከይኾነ ተሪፉ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ቤተሰብ ስፖርት ዝመፀ ውፅኢት እንትንእሶ ቕሬትኡ ኣንፀባሪቑ እዩ፡፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ሓደ ወርቂ ፣ሓደ ብሩርን ኽልተ ነሓስን ብሓፈሻ 4 ሜዳልያ ሒዙ ከምዝመፀ ዝዝከር እዩ፡፡
ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013