
ዓለም ለኸ ትሕቲ ዕድመ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ኬንያ ተጀሚሩ፡፡ ካብ ማእኸላይ ርሕቕት ክሳብ ነዊሕ ርሕቐት ኢትዮጵያውያን ንሰዓርነት ግምት ተዋሂብዎም እዩ፡፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣትሌታት ዝሳተፍሉ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ተኻፈልቲ እዮም፡፡ እቲ ውድድር ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ንክዛዘም ከምዝተወሰነ ተገሊፁ እዩ፡፡ ናብቲ ስፍራ ዘቕነዐ ኣትሌቲክስ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘህልዎ ኣብ ዝተገበረ ናይ ኣሰናንያ ፕሮግራም ተገሊፁ እዩ፡፡
1500ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ውድድራት ዓወት ኣመዝጊበን እየን፡፡ ኢትዮጵያ ብዓሰርተ ደቂ ተባዕትዮ ፣ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ 25 ኣትሌታት መናእሰይ ዝሳተፍሉ ሓፂርን ነዊን ርሕቐት ፣ብ 3000ሽሕ መሰናኽልን ስጉምትን ውድድር ከምዝሳተፍን እቲ ጉጅለ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ሆቴል ብምእታው ልምምድ እናገበረ ከምዝፀንሐ ዝተማለእ ዕጥቂ’ውን ከምዘለዎም ተሓቢሩ እዩ፡፡
ዓለም ለኸ ትሕቲ 20 ዓመት መናእሰይ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብዓለም ኣትሌቲክስ ኣዳላውነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1986 ጀሚሩ በቢኽልተ ዓመት ንተኸታታሊ ዉሑዳት መዓልቲ ዝካየድ ተግባራት ሜዳ ዘካተተን ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝኾኑ ኣትሌታት ዝወዳደርሉ ውድድር ኣትሌቲክስ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ክሳብ ኸዚ ኣብ ዝተኻየደ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣትሌቲክስ መናእሰይ ዓለም ሻምፒዮና ብ 37 ወርቂ፣ብ32 ብሩር ፣ብ 29 ነሓስ ብድምሩ 98 ሜዳልያታት ካብ ዓለም መበል ሓምሻይ ፣ ካብ ኣፍሪካ ድማ
ካልኣይ ብርኪ ትርከብ፡፡ ካብዚኣቶም ውሽጢ እቶም 49 ሜዳልያታት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተረኸቡ እንትኾኑ 47 ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተረኸቡ እዮም፡፡
እቲ ሻምፒዮና ካብ ዝተጀመረ ጀሚሩ 14 ኣትሌታት ኣብ ሓደ ሻምፕዮና ዝነበሩ ጀግና ኣትሌት ሃይሌ ገ/ስላሴ ብሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሕ ሜትሮ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 1992፣ ኣትሌት ኣሰፋ መዝገቡ ብሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሕ ከም ኣወሮፓ ኣቆፃፅራ 1996 ከምኡ ድማ ኣትሌት መሰረት ደፋር ብሰለስተን ሓሙሽተን ሽሕ ብኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2002 ተዓወቲ ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013