ኢትዮጵያዊ ኬሜሩዥ

 ዓለም ብዙሓት ጨካናትን ኣረሜነ ዝኾኑ ጉጅለታት ሪኣ እያ። ካብ ሞራልን ሰብእናን ወዲሰብ ብዝወፀ መልክዑ ደም ንፁሃን ብምስታይ ብናይ ወዲ ሰብ ስቓይን መኸራን ዝረኽዑ ዓለምና ኣብ ጉሊኣ ሓቒፋቶም እትነብር ኣላ። ሕዚ ‘ውን ናይ ሃገራትን ህዝብን መከራ ኮይኖም ደም ንፁሃን ቐለብ ገይሮም ዝነብሩ ኣይጠፍኡን’ዮም።

ቕድሚ ነዊሕ ዘመናት ዝነበሩ ሕዚ ህልውነኦም ዘብቐዐ ካብቶም ኣረመኔ ጉጅለታት ናይ ካምቦዲያውያን ኬሜሩዥ ዝኣክል ዘሎ ኣይመስለንን። ከም ኣቋፃፅራ ፈረንጂ 1951 ዓ.ም ብሕቡእ ኣብ ካምቦዲያ ዝተፈጠሩን ዝተፈልፈሉን ህዝቢታት ኩመር ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢና ዝብሉ ዓመፅቲ ኬሜሩዥ አረሜናውን ዘስካሕኽሕ ተግባሮምን ወዲሰብ ይፍፅሞም እዩ ኢልካ ዘይትሓስቦ እዩ። ነዚ ኣረመናዊ ጉጅለ እዚ ክነስታውሶ ዝገበሩና ዓበይቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ብኣረሜነቱ ምስ ናይና ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝመሳሰለሉ ጉዳይ በርኪቱ ክረአ ምኽኣሉ እዩ።

ብተንኮለኛ ፖል ፖት ዝምራሕ ጉጅለ ኬሜሩዥ በረኻ ኮይኑ ኣዛናጊዕኻ ብምውጋእ ናይ ሃገሩ ካምቦዲያን መንግስቲ ንምፍንቓል ፃዕሪ ገይሩ እዩ። ኣብ ሃገሩ ኖርዶም ሲሃኖክ ንንጉስ ንምውዳቕ ፃዕሪ እንትገብር እቲ ጉጅለ በይኑ ኣይነበረን። ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምምስጣር መሳርሒ ኵናት እናተበርከተሉ እንትዋጋእ ተወላዲ ካምቦዲያን ብበዝሒ ወዲኡ እዩ። ቬትናም ንኬሜሩዥ ከምዝደገፈት ብግልፂ ዋላ ኣይኹን መሳርሒ ኵናትን መእረፍን ምሃባ ሓበሬታታት የማላኽቱ። ኣሜሪካ ‘ውን ናይዚ ጉጅለ እዚ ቐንዲ ተሓባባሪት እያ ነይራ።

ናይ ኬሜሩዥ ጨፍጫፊን ዘርኢ ዘጥፍእ ጉጅለ ብናይ ደገ ደለይቲ ሓይሊታት ጥፍኣት ሓገዝ ናይ ካምቦድያን ንጉስ ሰራዊት ከዳኽም ክኢሉ እዩ። ካብ ምዕራባውያንን ካብ ጎረቤት ሃገራት ብዝግበረሉ ሓገዝ ናይ ኬሜሩዥ ዓማፂ ጉጅለ እናተጠናኸረ ከደ። ገና ስልጣን እንተይሓዘ ናይ ካምቦዲያን ኮሚኒስት ፓርቲ ምዃኑ ብግልፂ ኣወጀ።

ከም ኣቖፃፅራ ፈረንጂ 1970 ብዝተኻየደ ኵናት ብፀላእቲ ሓይልታት ደገ ሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኣዳኻመ። ኣብ ካምቦዲያም ዘይምርግጋዕ ነገሰ። ዘይምርግጋዕ እናበኣሰ እንትኸይድ ብግልበጣ መንግስቲ ናይ ካምቦዲያ ናይ እቲ እዋን ንጉስ ሲሃኖክ ካብ ስልጣኖም ለቐቑ። መንግስቲ እታ ሃገር ዋላ እንተወረደ ዓማፅን ግብረ ራዕድን ኬሜሩዥ ብናይ በረኻ ወታደራዊ ኵናት ቐፀለ። ኣብ መወዳእታ ሓገዝ ኣሜሪካ ተወሲኽዎ እቲ ኣኽራሪ ናይ ኬሜሩዥ ኮሚኒስት ፓርቲ ናይ ካምቦዲያ ከተማታት ጥራሕ እንተይኮነስ ገጠራት ወሲኹ ክቖፃፀር ከኣለ። ኣብ መወዳእታ 1975 ናይ ኬሜሩዥ ሓይልታት ኣብታ ዋና ከተማ ፍኖም ፔን ዓወት ብምሕፋስ ካምቦዲያን ንምግዛእ ብሄራዊ መንግስቲ ኣጣየሹ።

መራሒ ጉጅለ እቲ ዓማፂ ኣረሜናዊ ፖል ፖትም ናይ ካምቦድያ መራሒ ምዃኑ ኣወጀ። ካብ 1975 ክሳብ 1979 ዓ.ም ኣረመኔ ፖል ፖት ንካምቦድያ ጨምዲዱ ሓዛ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ተፈፂሙ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣብ ካምቦዳውያን ፈፀመ። ሃገሮም ክጠቕሙ ዝኽእሉ ሙሁራንን ሰብ ሞያን ካምቦዳውያን እናተኣረዩ በዚ ዓማፂ ጉጅለ እዚ ብግፍዒ ተቐተሉ። ህፃናት ብዘይ ርህራሄ ወደአ፤ ደቒ ኣንስትዮ ብግፍዒ ደፈረ፤ ቐተለ። ቕድሚኡ ንዝነበረ ምምሕዳር ድጋፍ ይህቡ

 ነይሮም እዮም ብዝብል ዝጠርጠሮም እናሃደነ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ረሸነ።

ኣብቲ እዋን ምስ ኬሜሩዥ ዝነበረ ናይ ሲቪል ኵናት ሓደ ሓደ ሓበሬታታት ‹‹ናብ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ክሃልቕ ክኢሉ እዩ። ቑፅሪ መወቲ ናብ ክልተ ሚልዮን ይበፅሕ እዩ ዝብሉ ‘ውን ኣለዉ እዮም። ተግባር ዓመፅቲ ኬሜሩዥ ስልጣን ቕድሚ ምሓዙ ኮነ ስልጣን ምስ ሓዘ ንድሓር ብዙሕ ሰብ ቐቲሉ እዩ። ብጋንኡ ዓብዮም ክዕምፁ እዮም ብዝብል እምነት ብዙሓት ህፃናት ደቒ ተባዕትዮ ብኣዋጅ ጨፍጨፈ። ደስ እንትብሎ ናብ ሓደ ከባቢ ብምኻድ ብጅምላ ብምእሳር ምስ ኣሳቐየ ብጅምላ ይርሽን ነበረ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ደስ እንትብሎም ሰባት ጥራሕ ሰውነቶም ጠጠው ብምባል ምስተዝናነይሎም ኣብ ኣደባባይ ይቐትልዎም።

ዘስካሕኽሕ ፍፃመ ኬሜሩዥ ሰባት ሰውነቶም ደው ኣቢልካ ምቕታል ጥራሕ እንተይኮነስ ቤተሰብ ዘለዎን ዝተሓብእሉን ገዛ ብምፍራስን ብምቕፃልን ነቶም ሰባት ናብ ሓመድ ይቕይሮም ነይሩ። ብጣዕሚ ብዙሓት ካምቦዳውያን ኣዲቒሱ ብልዕሊኦም ታንኪ ኣኽይድሎም እዩ። ክቓወሙኒ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ገዛ ገዛ ብምዛር ንፁሓን ዜጋታት ኣንዲድዎም እዩ።

ህፃናት ተማሃሮ እንተይቐረየ ከም ፀላኢ ብምቑፃር ብጥይት ወዲእዎም እዩ። ኣብ ሆስፒታል ዝደቐሱ ሕሙማት እንተይቐረዩ ቐቲልዎም እዩ። ኣረጋውያንን መራሕቲ ሃይማኖትንን ‘ውን ካብዚ ጨካን ኣረሜን ፖል ፖት መቕተልቲ ከምልጡ ኣይከኣሉን።

እዚ ግፍዒ እዚ ዝመረሮ ዜጋ ካምቦዲያን ሞት እንተይፈርሐ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣረመኔ ጉጅለ ዓመፀ። ናይ ኬሜሩዥ ግብኣተ መሬት ንምፍፃም ብሓደ ሆ ኢሉ ተላዕለ። ቑጠዐ ህዝቢ ክፃወር ዘይከኣለ ኣረመን ጉጅለ ኬሜሩዥ እንደጋና ናብ በረኻ ኣተወ። ህፃናት እንተይቐረዩ እናዕጠቐ ህዝቡ እናሳቐየ ግፍዒ ዝሰርህ ዝነበረ ጉጅለ ኬሜሩዥ እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ግፍዒ ደፊኡ ደርበዮ። ወትሩ ግዜ ብዓል ዓወት ዝኾነ ህዝቢ ከምዝጠመየ ሓርማዝ ተሲኡ ንጉጅለ ኬሜሩዥ እናሰዓበ ቐፅዖ። ኬሜሩዥ በቐቢፀ ተስፋ ኣብ ከባቢ ዶባት ብምስፋር ኣዛናጊዕኻ ውግእ ጀመረ።

ከም ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ብ1982 ምስ ካልኦት መንግስቲ ካምቦዲያ ፀላእቲ ሕብረት ፈጠረ። ክሳብ 1991 ኣ.ፈ ምስ ካልኦት እናተጣመረ ሃገሩ ክወግእ ፀኒሑ እዩ። ብሕቡራት መንግስትታት ፃውዒት ስምምዕ ሰላም ዝቐረበሉ ኬሜሩዥ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ነቲ ፃውዒት ግቡእ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ካምቦዲያ ዝተኻየደ ናይ መድብለ ፓርቲ መረፃ ብምቐዋም እቲ ኵናት ክሳብ 1993 ዓ.ም ቐፀለ። ኣብታ ሃገር ሓንቲ ዞባ ፈልዩ ናተይ እያ ኢሉ ኣወጀ። ግዝኣተይ እዩ ኢሉ ኣብ ዝኣወጀሉ ከባቢ ኮንትሮቫንድ ንግዲ ኣቀላጠፈ። ኣብ መንጎኦም ዘይምስምዕማዕ ተፈጠረ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ኬሜሩዥ መራሒ ፖል ፖት ኣብ ውሽጦም ብዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ብኻልኦት መራሕቲ ተታሒዙ ተኣሰረ። ንመንግስቲ ኣብ 1997 ተመሓላለፈ። ፖል ፖትም ዕድመ ልክዕ እስራት ተፈረዶ። ጨካንን ኣረሜናዊን ዝኾነ ናይ ኬሜሩዥ መራሒ ፖል ፖት ኣብ 1998 ህይወቱ ሓለፈ። እቶም ዝቐረዩ ናይ ኬሜሩዥ መራሕቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣብ 2006 ዓ.ም ክሲ ተጀሚሩ ብናይ ኵናት ወንጀልን ብመሰል ሰብኣዊ ጥሕሰት ክጥየቑ ተገይሩ

 መብዛሕተኦም ዕድመ ልክዕ ተቐፂዖም እዮም። ገሊኦም ኣብ ቤት ህንፀት እናሃለዉ ሞይቶም እዮም።

ምስ ጉጅለ ኬሜሩዥ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብብዙሕ መልክዑ ዘመሳስሎ ባህሪ ኣሎ። ህወሓትን ኬሜሩዥን ዘመሳስሎም ነገራት ብዙሓት እዮም እንትንብል እንተለና መበገሲና ጁንታ ህወሓት ከም ኬሜሩዥ ኣብ በረኻ ቕድሚ 47 ዓመት ብ1966 ዓ.ም ተመስሪቱ ብሓይልታት ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተሓጊዙ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ግፍዒ እናፈፀመ ብምዝኽኻር እዩ። እቲ ሓደ ዘመሳስሎም ተግባር ህወሓት ብመሳርሒ ኵናት ኣብ በረኻ ን17 ዓመታት ኣብ ዝነበረሉ ንህዝቢ ትግራይ ደው ዝበልኩ እየ ዝብሎ ብዙሕ ግፍዒ ምፍፃሙ እዩ።

ካብ ዝፈፀሞም ግፍዕን ወንጀልን ብ1977 ዓ.ም ኣብ ድርቒ ግዜ ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሩ ንዝነበሩ ወረዳታት ትግራይ ክከፋፍል ዝሃብዎ ሓገዝ እኽሊ ምስ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ብምትሕብባር ኣመራርሓ ህወሓት ብምጭብርባር ካብ ረሃብተኛ ጎረሮ ነጢቖም ብሓደ ሚኢቲ ሚሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ገንዘብ ብሱዳን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ሸይጦሞ እዮም። በዚ ገንዘብ እዚ ንውድቦም ብመሳርሕን ብሎጂስቲክስን ክጠናኸር ገይሮም እዮም። በዚ ዝተላዕለ ብዝተለኣኸሎም ሓገዝ ምግቢ ሂወቶም ክድሕኑ ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ብጥሜት ከም ቖፅሊ ረጊፎም እዮም።

ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ንምልዕዓልን ኣብ ጎኑ ንምስላፍን ኣብ በረኻ ኮይኑ ንደርጊ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ብምቕባል ብሓሶት ጠጠው ኢለልካ እየ ንዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕዳጋ ብናይ ሃገር ሓይሊ ኣየር ብግፍዒ ክጭፍጨፍ ገይሩ እዩ። እዚ ጨፍጨፍ እዚ ደርጊ ከም ዝፈፀሞ ብምንጋር ህዝቢ ብምልዕዓል ብዙሓት መናእሰይ ተጋሩ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ምስ ሰራዊት ሃገር ምክልኻል ክገጥሙ ገይሩ እዩ። ናይ ውሽጢ ሓገዝ ጥራሕ እንተይኮነ ናይ ደገ ሓገዝ ‘ውን ከምዝነበሮ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ መልክዑ ዓማፂ ትካል ኬሜሩዥ ካብ ካምቦዳውያን ሓገዝ ንላዕሊ ሓገዝ ጎረቤት ወፃኢን ብሰፊሑ ነይርዎ እዩ።

ልክዕ ሱዳንን ግብፅን ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ሓገዝ ከምዝገብሩ ቬትናም ንኬሜሩዥ ሓገዝ ከትገብር ፀኒሓ እያ። ኬሜሩዥ ሓገዝ ኣሜሪካን ኣውሮፓውያንን ህወሓት ብተመሳሳሊ መልክዑ ሓው ኣሜሪካን ኣውሮፓውያንን እዩ። ኬሜሩዥ ድሕሪ ቓልሲ መንግስቲ መስሪቱ ሃፍቲ በዝቢዙ እዩ። ክቓወሙኒ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም ኣባሪርዎም እዩ፤ ከምኡ ‘ውን ንገሊኦም ቐቲልዎም እዩ። ተግባር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ህወሓት ኣብ ስልጣን ዘመኑ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ሙሉጭ ኣቢሉ ምስ ምብልዑ ብተወሳኺ ንስልጣኑ ክምችወሉ ናይ ፅልኢ ፖለቲካ ብምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያውያን ነንባዕሎም ክባልዑ ሞኪሩ እዩ። ብሄር ተኮር ጨፍጫፍ ኣካይዱ እዩ።

እዞም ጉጅለ እዚኦም ካሊእ ዘመሳስሎም ነገር ኣሎ። ስልጣን ብዲሞክራስያዊ መረፃ እንተይኮነስ ብኵናት ምርካቦምን ብመንግስትነት ኣብ ዝነበርሉ ዘመናት ክልቲኦም ዘማሕድርዎ ህዝቢ ብምብዳል ሰብኣዊ መሰል ብምርጋፅን ብምስቓይን ዝወዳደሮም ዘይብሎም ጥራሕ እንተይኮነስ ስልጣን ምስ ለቐቑ ‘ውን እንደጋና ናብ ኵናት ምእታዎምን ሃገር ምብስባሶምን ሓደ

 ዓይነት እዮም ማለት ይከኣል።

ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ ግዜ ዝቐበሮ ፈንጂ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ በቢ ከባቢኡ እናተፈንጀሩ ብዙሓት ሰባት ነንባዕሎም ኣብ ጎንፂ ውሽጢ ክኣትዉ ገይሩ እዩ። ዘርኢ ብዝብል ሓፁር ኣትዮም ሓደ ነቲ ሓደ ዘጥቐዐሉ መሰረት ብምምችቻው የማሕድሮ ዝነበረ ህዝቢ ነንባዕሉ ክጨፋጨፍ ተንኮል ብምፍሓስ ብተደጋጋሚ ናብ ስልጣን ንምምላስ ሞኪሩ እዩ። ይኹን’ምበር ከምዝሓሰቦ ክኸውን ኣይከኣለን።

ዓማፂ ጉጅለ ኬሜሩዥ ብዝለዓለ ብርኪ ግብረራዕዲ ህወሓት ዝበኣሰ ኣረሜንን ከሓዲን ዝኾነሎም ብርክት ዝበሉ ኩነታት ዋላ እንተሃለዉ ንባዕሉ ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝሕሉ ዝነበረ ምክልኻል ሰራዊት ዝፈፀሞ ክሕደት ግና ብታሪኽ ከሓዲነት እዚ ጉጅለ እዚ ዝወዳደሮ ዘይብሉ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።

ኣረመኔ ጉጅለ ኬሜሩዝ ብስፍሓት ብጅምላ ሰባት ቐቲሉ ቐቢሩ እዩ። ሰባት ብድውሎም ኣቓፂልዎም እዩ። ብዙሓት ኣደቒሱ ብታንኪ ረጊፅዎም እዩ። ግብረራዕዲ ህወሓት ‘ውን ኣብ ጋምቤላ፣ መተከል፣ ማይ ካድራ፣ ዓፋርን ሰባት ብጅምላ ወዲኡ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኣብዝደቐስሉ ሰዓት ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። እዚ ፍፃመ እዚ ኣረሜናዊነቱ ዘርኢ እዩ። ብፍላይ ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዘስካሕኽሕ እዩ ነይሩ። ግብረራዕዲ ህወሓት ኣሰልጢኑ ዘሳማረዮም ሳምሪ ዝተባህሉ ጉጅለ መናእሰይ ብምግባር ልዕሊ 1ሺሕን 600ን ሰባት ኣብ ማይ ካድራ ክጭፍጨፉ ገይሩ እዩ።

ዓማፂ ጉጅለ ኬሜሩዥ ብተደጋጋሚ ይቐርበሉ ዝነበረ ናይ ሰላም ሓሳብ ብምንፃግ ኵናት ዋና ኣማራፂ ገይሩ ፀኒሑ እዩ። ግብረራዕዲ ህወሓት’ውን እንተኾነ ዓሰርተ ሓደ ግዜ መፀዋዕታ ሰላም ዋላ እንተቐረበሉ ብምንፃግ ኵናት ክመርፅ ክኢሉ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብዙሓት መናእሰይ ተጋሩ ብምስላፍ ኣብ ኵናት ክሃልቑ ገይሩ እዩ። ሕዚ’ውን ይገብር ኣሎ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ናይ ፅሞና ግዜ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቓም ዝነበረ ባህሪኡ እናቐፀለሉ ይርከብ። እዚ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እዚ ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ ዘሪእየካ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታው ህዝቢታት እናባሳበሰ ይርከብ። ኣብ ዓፋር ልዕሊ 200 ንፁሓን ህፃናትን ደቒ ኣንስትዮን ብምጭፍጫፍ ካሊእ ተወሳኺ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ተግባር ፈፂሙ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ መበገሰኡን መወደእትኡን ልምዓትን ሰላምን እንተይኮነስ ጥፍኣት እዩ። እዚ ምስ ኬሜሩዥ ዘመሳስሎ ተግባር እዩ።

ኬሜሩዥ ኣብ መወዳእታ ግዜ ክዋጋእ ፀኒሑ ናይቲ ጉጅለ ኣካይዳ ኣብ ማንም ዘብፅሕ ስለዘይኮነ ዝተረደኦም ሓደ ሓደ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ክቕፅሉ ብዘይ ምኽኣሎም እቲ ጉጅለ ክኽፈል ክኢሉ እዩ። ኣብ ጁንታ ህወሓት ዝስማዕ ዘሎ ኩነታት ‘ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣካይዳ ጉጅለ ህወሓት ከምዘየዋፅእን ብዓወት ከምዘይዛዝሞ ዝተረደኦም ኣባላትቱ ዝተፈለየ ሓሳብ እናልዐሉ ይርከቡ። እዚ ጉጅለ እዚ ብዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታት የማላኽቱ።

ኣብ መወዳእታ ኣመራርሓ ኬሜሩዥ ተታሒዞም ናብ ሕጊ ከምዝቐረቡ ኩሉ ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲ ህወሓት’ውን ዘይቐርዮም ቕፅዓት ንምቕባል መዓልትታት ዝቐረዮም ይመስል::

( ፍልፍል ፣ኣዲስ ዘመን፤ ትርጉም መኣርግ ገ/ሄር)

ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013

Recommended For You