
”ፀሓይ ሕሶት እንትትጠልቕ መፃወዲያ ሽርሐኛታት ክብጠስ ኢዩ!!‘’
ኩሉ ግዘ ቅድሚ ምውግሑ ዓሚቕ ፀልማት ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ስግግር ምሸትን ወጋሕታን ዘይሓለፈ ወለዶ የለን። ብርቱዕ ፀልማት ዋግዋጎ ወጋሕታ ዘብስር ስለዝኾነ፣ እቲ ምሸት መሲዩ እንተተረፈኸ? ወይ ድማ ወጋሕታ እንተዘይመፅአኸ?’ ኢልና ኣይንሰግእን። ምውግሑ ኣይቐርን እሞ ዘደንግፅ ፀልማት ብብርሃን ወጋሕታ ክልወጥ ኢዩ። ዋግዋገ ወጋሕታ ሓዱሽ መዓልቲ እንትፍንጥቕ ዘፍርሑ ኣራዊታት ነናብ ጉድጓዶም ምእታዎም፣ ናይ ለይቲ ቁሪ’ውን ንቀትሪ ሙቐት ምስግጋሩ ዘይቐሪ ኢዩ። ኣብ ቀትሪ ዝተሰወሩ ከዋኽብቲ’ውን ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ደሚቖም ዝረኣዩ ፀልማት እንትብርትዕ ኢዩ።
ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካብ ዝተፀበይናዮ ተስፋ ወጋሕታ ቀዲሙ ፀልማት ዝመስል ፈተና ኣብ ቅድሜና ከንፀላሉ ይኽል ኢዩ። እቲ ፈተና ሓዱሽ እናመሰለና ረብሻ ስምዒት የጋጥመና። ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ምምሕደራን ካልኦት ማሕበራዊ ከይዲታትን ኩሎም፣ ማሕለኻታትን ፈተናታትን ኣቲና ዓርስና ንረኽቦ። ውልቀ ሰባትን ስድራቤታትን፣ መንግስታትን ሃገራትን ኣብ ሕቶ ስግኣት ህልውና ጥፍኣት ኣቲዮም ኣብ ውሽጢ መፃብብ የሕልፉ። እቲ ቀንዲ ሕቶ ‘እዚ ግዘ ክሓልፍ ድዩ ወይስ ኣየሓልፍን?’ ዘይኮነስ ብኸመይ ይሕለፍ ኢዩ እቲ ዘጋጥም ፀገምን ኣብ ፀልማት ደሚቑን ተዓዋቲ ኮይኑን ንብዙሓት ኣዕሲሉ ንዝወፅእ ኮኸብ ዕድል ጅግንነት’ውን ኢዩ።
ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሕ ክረምትንን ሓጋይን፣ ፀልማትን ብርሃንን ዝተፈራረቑዎም ውፃእ ውረዳትን ማሕለኻታትን ኣሕሊፋ ኢያ። ኣብ ዝኣተወቶ ናይ ክረምቲን መሃሙቕ ውድቀትን ፈተናታት ከውታ ለይቲን ብቆራፃት ደቃ ብሽርሒ ክፉኣት ተጠሊፋ ክትወድቕ ዶ ትኾን? ዝብል ስግኣት እንተኣተዉ’ውን ኢዶም ኣጣሚሮም ከም ምፅባይ ብተስፋን ናፅነትን ብህይወቶም ተደራዲሮም ፀገማ ተጋፊጦምላ ኢዮም። ፀላእታ ንምሕፋር ክሳዶም ንሰይፊ፣ ደረቶም ንጥይት ሂቦም ኢዮም። ስለዝኾነ ድማ ከም ፀልማት ዝበርትዑ ፀላእታ እንትወድቁ፣ ርእሳ ኣቕኒዓ ክትጓዓዝ ገይሩዋ ኢዩ።
ብዙሓት ሃገራት ዓለም’ውን ንሕና ሎሚ እነሓልፈሉ ብሽርሒን ስግኣት ምብትታንን፣ ብሓደ ወይ እውን ብኻሊእ ዘመን ኣጋጢሙወን ይፈልጥ ኢዩ። ከም ዩጎዝላቪያን ሶሪያን፣ ሶማሊያን ሊቢያን ዝበላ ሃገራት ብስግኣተን ተጠሊፈን ወዲቐን ኢየን። ከም ጀርመንን ጃፓንን፣ ኮርያን ቬየትናምን ዝበላ ሃገራት ድማ ተመሳሳሊ ቕልውላው ሓሊፈን፣ ፈተነአን ፊት ንፊት ተጋፊጠን፣ ንሓበራዊ ዓወት ብሓድነት ሰሪሐን፣ ናብ ዓወት ካብ ሞንጎ ዝበቕዓ ሃገራት ብቕድሚት ዝፅራሓ ሃገራት ኢየን። እዘን ሃገራት ሎሚ ብኢኮኖሚያዊ ዓቕመንን ዘበናዊ ፖለቲካዊ ምምሕዳረንን፣ ብቴክኖሎጂን ማሕበራዊ እሴተንን ኣዚየን ዘበነዎት ካብ ሞንጎ ዝበሃላ ሃገራት ዝምደባ ኮይነን ኢየን። ዘፅልእ ፈተና ሪአን ሓሊፈንኦ ኢየን። ዘጋጠሙወን ማሕለኻታት ከም መቐይሮ ነጥቢ እናተጠቐማ ሕዚ ናብ ዝርከባሉ ብርኪ በፂሐን እየን።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዘጋጠሙዋ ፈተናታት፣ ዘይሓለፈቶም ፈተናታት የለዉን። ንኹሎም ስዒራ ክትወፅእ ዝኸኣለት ድማ ብሓድነት፣ ብብልሓትን ብምድማርን ኢዩ። ካብ ወፃኢ ዝመፅአ ሓደጋ ይኹን ካብ ውሽጢ ዝተለዓለላ ፈተና፣ ክንዲ ዘኣክል ዝበርተዐ ይኹን’ምበር ደቃ ብሕብረት
ደው እንትብሉ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ኣይፈልጥን።
ብኻሊእ መልክዑ ድማ “ኣነ እንተ ሞይተ…” በሃልቲ፣ ንውልቀ ረብሓ ክብሉ ኣዲኦም ዝሸጡን ሃገሮም ኣሕሊፎም ዝህቡን፣ ፀላኢ ከምዝደለዮ ዝጋልቦም ከንቱ ደቃ ምኽንያት ኢትዮጵያ ብዙሕ እዋን ናብ ብርቱዕ ፈተና ኣቲያ ኢያ። ሎሚ’ውን ኣብ ደሓን እዋን ትንፋሳ ዝሃበቶ፣ ካብ መኣዳ በሊዑ ዝፀገበ ሓይሊ ጁንታ ፣ ሃገር ንፀላኢ ኣሕሊፉ ንምሃብ ዓይኑ ዘየሓሲ ባንዳ ስለዝኾነ እቲ ፈተና በርቲዑና ይኾን ይኽእል። ብሓድነት ጠጠው እንተኢልናን እንተተደሚርናን ግን እዚ ፈተና ስዒርና፣ እቲ ፀገም ናብ ዓወት፣ እቲ ዕድል ናብ ዓቢዪ ዓወት ለዊጥና፣ ሃገርና ናብ ትደልዮ ሰላምን ምዕባለን ከምነብፅሓ ክንጠራጠር የብልናን።
ንዘበናት ኣብ ሙሉእ መሓውር ኢትዮጵያ ተሰግሲጉ ዝነበረ ህወሓት ኣሎ። እዚ ጉጅለ ንባዕሉ እናበርተዐ፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ሱር ደማ ተሸኲዑ እናመዝመዛን እናመረዛን ነይሩ ኢዩ። ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕዚ ተፀራሪጉ ክወፅእ ኣብ ኣፍ ደገ ፃዕረ ሞት ኮይኑ እናተንፈራገጠ ይርከብ። ዕድምኡ ንምንዋሕ ናይ መወዳእታ ምንፍርጋጥን ናይ ሞት ስዕረት ቃልሲ እናገበረ ይርከብ። ናይ ሞት ስዕረት ኣይትረስዑኒ ምንፍርጋጡ በዚሑ ኢዩ። ቅድሚ ግብኣተ መሬቱ ክትወፅእ ዝበለት ነብሱ ክሳብ ዘለትሉ እዋን ምንፍርጋጡን ፀረ ሰላም ምዃኑ ኣይተርፍን። ክፉእ መርዙ ተኺሉ ፅግዕተኝነቱ ኣብ ዝመስረተላ ሰሜናዊት ክፋል ሃገርና ተነቒሉን ተፀራሪጉን ክሳብ ዝወፅእ ደውይ ኢዩ እሞ ሕማሙ ክኢልና፣ መዐገሲ መድሓኒት እናወሰድና ክንፀንሕ ኢና። ዘየዳግም፣ ፀረ ግብረ ራዕዲ መድሓኒቱ ጎድናዊ ጉድኣቱ ዝኾነ ቃንዝኡን ሕማሙን ተዓጊስና እንተፀኒሕና፣ ህወሓት ይኹን ዝኾነ ይኹን ኣዲኡ ንምሻጥ ዝደራደር ሓይሊ ሕማቕ ተዘክሮ ታሪኽ ካብ ምዃን ዝዘለለ ረብሓ እንተይሃለዎ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘለኣለም ክሰናበት ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብብዙሕ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሽርሒታት ሓሊፍና ኢና። ሎሚ ኣብ ዲፕሎማሲታትና ዝረአ ልዑል ምትዕንቓፍ ቅድሚ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝረአ መዓልታዊ ስቓይና ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዘፈር ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን፣ ኣብ ምምሕዳር፣ ስርዓት ሕጊ፣ ኣብ ስርዓት ፀጥታን ድሕንነትን፣ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ኣብ ኩሉ ቦታ ቕልውላው ነይሩ ኢዩ። ኣብቶም
ቦታታት መድሓኒት ክሳብ ዝርከብ ስቓይ ነይሩ፤ ስለዝኾነ ድማ ሕዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ዲፕሎማሲና ዘሎ ፀገም ናብ ቕልውላው ኣቲና ኢልና ክንድንግፅ ኣይግባእን። ፀላኢ ኩሉ ግዘ ብምፍርራሕን ብፕሮፓጋንዳን ቐዲሙ ክስዕረና እንትፍትን ተሳዒርና ክንፅበዮ ኣይግባእን።
ንዋገኦ ዘለና ሓይሊ ቀንዲ ዕጥቁ ሓሶት ኢዩ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓደ ሓሶት ብዝተኮሰ ቁፅሪ ትድንግፁ ሰባት ብዘይፍላጥ ተሓባበርቲ እቲ ጁንታ እናኾንኩም ከምዝኾነ ፍለጡ።
ሰብ ሓደን ክልተን ግዘ ክሽወድ ይኸውን፤ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዝተገራህኹምዎ ከየኣክል ሎሚ’ውን ብፕሮፓጋንዳ ብምድንጋር፣ ረብሓ ሃገርኩም ካብ ምስኣን ብዝዘለለ ምንም ዝጠቕመኩም ነገር የለን። ብፍላይ ደቀቕቲ ነጥቢታት ብምግጥጣም ናይ ሽርሒ ትንታነ ንምሃብ ትለዓሉ ሰባት፣ ሽርሒ ብምትንታን ምሁር ናይ ምዃን እዋን ሓሊፉ ኢዩ። ሕዚ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ግቡእ ቦታ ምስላፍ ዝሕተተሉ እዋን ኢዩ። ፀላእቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ብሕቡእ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ስራሕ ሕዚ ብግልፂ ኣብ ክልተ ግምባራት ኹናት ከፊቶም ኣለዉ፤ ኣብ ግምባራት ዓውደ ኹናትን ዲፕሎማሲን። ስለዝኾነ ድማ ህልውና ኢትዮጵያ ዝደሊ ኩሉ ካብ ሽርሒ ትንታነን ካብ ኣጓጉል ምብርጋግን ወፂኡ ንኽልቲኦም ግምባራት ብዕሊ ይፀምበር።
እቲ ጁንታ ተሪፎምኒ ዝብሎም ናይ ክፍኣት ካርዲታት ኩሎም ተጠቒሙ ከሸብረና፣ ከጓንፀናን ከፈላልየናን ዝኽእለሉ እምኒ ፈንቂሉ ኢዩ። ብገንዘብ ንህዝቢና ሓዊ እናለኮሰን ንሕድሕዱ ብምግጫው ንሱ ኣብ ብናይ ምቹው ሓዊ እናሞቐ ብህዝብና እንተላግፅ ፀኒሑ ኢዩ። ሕዚ ድማ ብተፃራሪ ተባራሪ ኮይኑ ኣብ ፃዕረ ሞት ይርከብ። ፀሓዩ እናጠሓለት ትርከብ። ኣብ ናይ ሞት ስዕረት ጉይኡ ድማ ዝቐበሮን ዝተረፎን ናይ መወዳእታ ጠያይቱ እናተኮሰ ይርከብ። ኣብ ናይ መወዳእታ ምሽጋቱ ኮይኑ ናይ ፃዕረ ሞት ድምፁን ተስፋ ናይ ምቑራፅ ፈኸርኡን እናስመዐ ይርከብ።
ኢድ ሃገርና ንምጥምዛዝ ዝደሊ ዲፕሎማሲን ምዕራብ ዓለምን ኣውያት ሚዲያታትን’ውን ድምፂ እቲ ጁንታ ብምግዋሕ ደጀን ንምዃን ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ። ተሓባቢርና እቲ ፅዕንቶ ንምፅዋርን ንምምካትን እንተቆሪፅና እዚ ሓይሊ ንመወዳእታ እዋን ከብቀዐሉ ኢዩ።
ዲፕሎማሲን ርክብ ወፃእን “ሂብካ ብምቕባል” መርህ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ዳንስ እዩ። ብትኽክለኛ መስመር ርክብ ዝተቓነየ ዲፕሎማሲ ብቐንዱ ተጠቃሚት ትኸውን ሃገርና ስለምዃና ኣብ ጥርጣረ ኣየእትውን። ብኣንፃሩ ረብሓን ሉኣላውነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ መልክዑ ዝቃነ ርክብ ንጊዜኡ ሩፍታ ዝህብ እኳ እንተመሰለ ዘላቒ ጉድኣቱ ግን ኣመዛኒ እዩ። ነዚ ንምትዕርራይ ድማ መንግስቲ ግደኡ ይዋፃእ ኣሎ፤ ንቐፃሊ’ውን ቅዋሙ ኣጠንኪሩ ክቕፅል እዩ። ብመንፅር እዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓደ ቐንዲ ሓቂ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ቀንዲ ፅዕንቶ ዝፍጠር ብስሩዕ መገዲ ጥራይ ኣይኰነን። ንኣብነት ምዕራባውያን ፀቕጢ ክገብሩሎን ኣብ ልዕሊ ዝደልይዎን ሃገራት ዓለም-ለኸ ሚዲያታት ተጠቒሞም ሰፋሕቲ ዝዀኑን ዝተፈላለዩን ወፍሪ ፀብፃባታት ከምዝገብሩ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።
ሎሚ ዀነ ትማሊ ዝበፅሑና ፀቕጥታት “ይኣክል” ምባል እንትንጅምር ኣፍረስትን መፀለምትን ዝዀኑ ወፍሪ ሚዲያን ሓበሬታን ይኽፈቱና እዮም። ንሳቶም ዓበይቲ ዓቕምን ሽፋንን ኣለዎም፤ ህዝቢ ዓለም ግጉይ ምስሊ ንክህልዎ ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ መሳርሕታት ሚዲያን ብርቱዕን ዕኹልን ሓይሊ ኣለዎም። ስለዝዀነ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ፀቕጢ ሚዲያን ዲፕሎማሲን ንምምካት ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ክረባረብ ይግብኦ። ተደሚርና ዝበፅሐና ወፍሪ ፀቕጢ ክንምክት ይግባእ። ብማሕበራውን ብስሩዕ ሚዲያ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን፣ ብውልቀን ብሓባርን፣ ብተናፀልን ብምንባብን ንሃገርና ዝጎድኡ ግጉያት ዜናታት ክንቃወምን ክነመክንን ይግባእ። ሓቂ ብትኽክል እንተተዘሪባ ንሓሶት ትስዕር ኢያ። ብምዃኑ ድማ ኩሉ ዜጋ ንሃገሩን ንሓቂን ዘብዒ ደው ክብልን ሓቂ ንክስዕር ክፅዕር ኣለዎ። ኣብዚ ኣድላዪ ግዘ ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ደው ንኽብል ኣዲኡ ፃውዒት ተቕርብ ኣላ።ክሳብ ሐዚ ውሑዳት ዘይበሃሉ ደቂ ሃገር ናብቲ ቃልሲ ተሓዊሶም ንሃገርና ብርቱዕ ግጥም ኣብ ምግባር ይርከቡ።
እዞም ናይ ኢትዮጵያ ጀጋኑ ቁርፂ እዋን፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ሓድነታን ሉዓላዊነታን ሓሊያ ዝፀንሐት ብብርቱዕ ፃዕርን ምትሕብባርን’ምበር፤ኢድካ ዓፂፍካ ኮፍ ብምባልን ወረ ብምእራይ ከምዘይኮነ ጠንቂቖም ይፈልጡ እዮም። ናብ ካሊእ ኢድካ ካብ ምጥቋም ‹‹ሃገረይ ዝገጠማ ሽግር ንምምካት ካባይ እንታይ ይድለ?›› ብዝብል መንፈስ ንጉሆን ምሸትን ከይደኸሙ ይቃለሱ።
ኣብ ሃገሮም ኮነ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ፤ፀገም ሃገርና ኣብ ምቅላስ ዝረኸቡዋ ዕድል ንምልዋጥ ወግሐ ፀብሐ ብምውዳቕ ግቡኦም ካብ ምብርካት ንድሕሪት ኣይበሉን። ኢትዮጵያ’ውን ንዝገብሩዎ ቃልሲ ተመስግን። ብተመሳሳሊ ፃውዒታ ተቐቢሎም ኣብ ዱርን በረኻን መስዋእትነት ሂወት ብምኽፋል ህልውና ሃገርና ንምቕፃል ተጋድሎ ዝገብሩ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ታሪኽ ንዘልኣለም ክዝክሮም እዩ።እዚኦም ኩሎም ሃገር ኣብ ዝፀልመታ ኣብዚ ለይቲ እዚ ድሙቓት ከዋኽብቲ ሓድነትን ፋና ናፅነትን እዮም። ፀሓይ ሓሶት እንትትዓርብ መፃወድያ ተንኮለኛታት ምብጣሱ፣ ሓቂ’ውን ክሳዳ ኣቕኒዓ ምርኣያ ኣይተርፍን። እቲ ፀልማት ክበርህ እዩ፣ ክረምቲ’ውን ክሓልፍ እዩ፣ እዚ ፈተና’ውን ሰይሩና ዘይኮነስ ኣበርቲዑና ክውዳእ እዩ። ዘለና መማረፂ ንቕድሚት፣ ናብ ምዕባለ፣ ናብ ናፅነትን ሰላምን ምግስጋስ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝተቐበልናያ ሃገር ዝሐሸትን ዝተመረፀትን ገይርና ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ብሓባር ንልዓል። ፀላኢ ናብ መፃወድያና እናኣተወ እዩ። ናይ ምስዓር ዓቕምና ተዋዲዱን ተጠናኺሩን ይመፅእ ኣሎ። ከምቲ ዝኣተናዮ ቃል ኢድ ኣብ ኣፍ ዘፅዕን ገድሊ ምፍፃምና ነበስረሉ ግዘ ቀረባ እዩ። ምሳና ዘሎ ኣምላኽ ኢትዮጵያ እዩ፤ ቃልስና ድማ ንረብሓ ኢትዮጵያ እዩ። ዝቃለስ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ። ኣብ መወዳእታ ታሪክ ከምዝነግረና ሰዓሪት ኢትዮጵያ እያ።ይከኣል’ውን።
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
9 ነሓሰ፣ 2013 ዓ.ም
ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013