ማእገራት ዕብየት ሃገር

ሓተታ ዜና

ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ፣ ተዓዳደግቲ ንምርኻብ፤ ናብ ፋብሪካታት ኣእቲኻ እሴት ዝተወሰኾ ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቅራብ ዕብየት ሽፋን መንገድታት ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ። ንመንገዲ ሓዊሱ ንሓደ ሃገር ዕብየት መሠረተ ልምዓት ሱር ደም ምዃኖም ዘጠያይቅ ኣይኮነን። ካብ መንገዲ ምድሪ ብተወሳኺ ምዕባይ ዝርግሐ መስመር ባቡር፣ ትራንስፖርት ኣየርን ባሕሪን፣ ኢነርጂ ከምኡ ‘ውን እቲ ዘበን ዝሓቶ ኢንፎርሜሽ፣ ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ምስፍሕፋሕ ግድን ዝኾነሉ ዘበን በፂሕና ኣለና።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ መሠረተ ልምዓት ንምምካር ኣብ ዝብል መበል 20 መድረኽ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣካይዱ። ብመሰረት እቲ መድረኽ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝምልከቶም ናይ መንግስትን ዘፈር ውልቀን ተዋሳእቲን መኺሮም። ሚኒስትር ከተማናን መሠረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ፣ ኣብ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ኢነርጂ ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ( ዶ/ር)፣ ዋና ስራሕ ፈፃሚት ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፣ ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ስራሕቲ ኮርፖሬሽን ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኢንጂነር ዮናስ አያሌው ተረኺቦም ዝተሰርሐ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ካብ ዕዱማት ተሳተፍቲ ንዘተለዓለሎም ሕቶተታት መልሲ ሂቦም ‘ዮም።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ከተማናን መሠረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ፤ በመንፅር ትራንስፖርት 65ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝነበረ ሽፋን መንገዲ ናብ 172 ሽሕ ኪሎ ሜትር ዓብዩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምብር ብመንፅር በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዘሎ ድልየትን ካብ ስፍሓት ናይታ ሃገርን ሐዚ ‘ውን እቲ ዝተሰርሐ እኹል ከምዘይኮነ ብምልዓል፤ ካብዚ ብላዕሊ ምስራሕ ዘይተኽኣለሉ ዋና ምኽንያት ድማ ፀገም ምኽባር ወሰን ዕንቅፋት ብምፍጣሩ ምዃኑ ኣመልኪተን።

ሓደ ቢሊዮን ብር ዝሓትት ህንፀት መንገዲ፤ ወሰን ንምኽባር ክሳብ ክልተ ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዘድልየሉ ኩነታት ምፍጣሩ ኣረዲአን። ኣብ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ኢነርጂ ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንጅቡቲ ን10 ዓመታት፤ ንሱዳን ንሸሞንተ ዓመታት፣ ንኬንያ ንሰለስተ ዓመታት ንታንዛንያ ንሸሞንተ ኣዋርሕ እናሸጠት ምዃና ብምዝኽኻር፤ ሐዚ ′ውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናሸጠት ኮይና ሐዚ ብዘሎ ኩነታት እንተቀፂሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግና ሓይሊ ካብ ምሻጥ ናብ ምግዛእ ዝትግደደሉ ኩነታት ከምዝህሉ ኣመልኪቶም።

ዋና ስራሕ ፈፃሚት ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን ከምዝበልኦ ድማ፤ 131 ዓመታትን ዘቁፀረ ኣግልግሎት ቴሌ ኮም ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘኽእል መሰረት ምቅማጡ ኣብሪሀን። ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሓሙሽተ ኮሪደራት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ዓለም ንምርኻብ እናሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ቅልጣፈን ተበፃሕነትን መሰረት ብምግባር ኣብ ዝፈፀሞም ስራሕቲ፤ ካብዛ ሃገር ጂዲፒ ሸሞንተ ሚእታዊ ብፅሒት ሒዙ ክብላ ተዛሪበን።

ናይዛ ሃገር ትካላት ነኒባዕለን ርክብ ኣገልግሎት ብሮድ ባንድ 66 ሽሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሰዓት ናብ 800 ሽሕ ምብፅሑ ሓቢረን። እዚ ድማ ንኣወሃህባ ግልጋሎት ዕብየት ዝህልዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ‘ውን እተን ዋና ስራሕ ኣፈፃሚት ዘብራርሃ። ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ መሠረተ ልምዓት ክርኣዩ ኣለዎም ዝበልዎም ጉዳያት ዘመላኸቱ እንትኾኑ፤ ምስፍሕፍሓት ከተማታት ብምልዓል ናይ ኤሌክትሪክ ብዙሓት ትራንስፖርት ኣብ ምዕባይ ብስፍሓት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

ኣብ ሓይሊ ምብኻንን ምዝዛም ግድብ ህዳሰን ደሕሪ ሰለስተ ዓመት ኢትዮጵያ ሓይሊ ንምግዛእ ክትግደድ ′ያ ዝተብሃለሉ ምኽንያት ንክብራህራሀሎም ሓቲቶም። ናይዛ ሃገር በጀት 18 ሚእታዊ ዝወስዶ መንገዲ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ይኹን ‘ምበር ንመንገዲን ድልድላትን ድሕንነት ዝወሃቦ ትኹረት ምንኣስ እቲ ልምዓት ብልዑል ብርኪ ከምዝጉዳእ ተዛሪቦም። ንፅገና መንገዲ እናወፅአ ዘሎ ወፃኢ ልዑል ምዃኑ ተራእዩ።

ኣግልግሎት ቴሌኮም ብዝምልከት ምዕባይ እቲ ቴክኖሎጂ ከምዘሎ ኮይኑ ጉዳይ ድሕንነት ክንደይ ዝኣክል ብጥንቃቀ ዝተትሓዘ ‘ዩ? ከምኡ ′ውን ብብቅዓት ዘፈር ቴክኖሎጂ ዘሎ ምፍራይ ሓይሊ ሰብ ብዝምልከትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ሕቶታት ቀሪብዎም። እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ብዝሃብዎ መልሲ ብፍላይ ዋና ስራሕ ኣፈፃሚት ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፤ ቴክኖሎጂታት ብምግጣም ኣብ መሰረተ ልምዓታት ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ ምክልኻል ዝክኣለሉ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ኣረዲአን።

ድሕንነት ሳይበር ንምርግጋፅ ኢትዮ ቴሌኮም እናሰርሐ ምዃኑን ካውንስል ዲጂታል ከምዘሎ ‘ውን ብምሕባር፤ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ቢሊዮን ብር ምንቅስቃስ ዝኸኣለ ድሕንነት ሳይበር ብዘተኣማማን መልክዑ ብምምስራቱ ምዃኑ ኣረዲአን። ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምስ ምፍራይ ተተሓሒዙ ስርዓተ ትምህርቲ ተቀሪፁ (ካሪኩለም ዲዛይን ተገይሩ) ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንከምህሩ ብሓባር እናተሰርሐ ይርከብ ክባላ ተዛሪበን።

ኣብ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ኢነርጂ ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ (ዶ/ር) ከምዘመልከትዎ፤ እናዓበየ ዝመፅአ ድልየት ሓይሊ፣ መስመር ህንፀት መተሓላለፊን መዓደሊን እኹል ብዘይምዃኑ፤ ኃይሊ ዝባኽነሉ ኹነታት ምህላው ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዘፈር እኹል ሕፅረት ክፍጠር ‘ዩ ዝብል ስግኣት ዘልዐልዎ ሓሳብ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You