ንሓበራዊ ዕብየት ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡– ንሓበራዊ ዕብየት ሃገራት እዚ ዞባ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብ ኣቅርቦት ሓይሊ ኢንቨስት ኣብ ምግባር ሃገራት እቲ ዞባ ቀዳማይ ስርሐን ክኸውን ይግባእ ‘ውን ኢሎም።

እዚ ዝተብሃለ “ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ንሓቛፍን ዘላቕን ልምዓት” ብዝብል ቴማ 4ይ ዓመታዊ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳርን ፍትሓዊ ተጠቃምነት ኣባይን ዘድሃበ ኮንፈረንስ ብኣሰናዳኣይነት ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣብ ዝተሳለጠ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ዘፈር ናይ ሓባር ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናፈፀመት ‘ያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ሃፍቲ ማይ ብሄራዊ ረብሕኣ ካብ ምሕላው ዝሓለፈ ሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ንምግባር እናሰርሐት ምዃና ኣመላኺቶም።

ብፍላይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓትን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ዓብይ ዓቅሚ ከምዝፈጥር ኣፍሊጦም። ዞባ ምብራቅ ኣፍሪካ ብተፈጥሮ ሃፍትታት ዝተዓደለ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ እቶም ሃፍትታት ብግቡእ ለሚዖም ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት ሓቢሮም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ብኣቅርቦት ሓይሊ ነቲ ዞባ ንምትእስሳር ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ምዃና ገሊፆም። እቲ ግድብ ኣባይ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይከነስ ሃፍቲ ሃገራት እቲ ቀጠና ከምዝኾነ ‘ውን ተሓቢሩ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዜጋታት ዘይምብፃሕ ኢኮኖሚያዊን ዕብየትን ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ይድርት፣ኢትዮጵያ ብኣቅርቦት ሓይሊ ነቲ ዞባ ብምትእስሳር ናይ ሓባር ተረባሕነት ንምርግጋፅ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ትርከብ ኣላ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ምትእስሳር ሓይሊ ምፍጣሩ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዞባዊ ም ትእስሳር ንምጥንኻር ግደኡ ዝለዓለ ‘ዩ ኢሎም።

ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪካ ብሚእቲ ሚሊዮን ዝቁፀሩ ዜጋታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቃምቲ ከምዘይኮኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፤ ሐዚ ንጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናቅረበት ምዃና ብምዝኽኻር፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛኒያን ሓይሊ ንምቅራብ ኣብ ኸይዲ ምዃና ኣመልኪቶም።

ስራሕቲ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባ ምትሕብባር ሓይሊ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርኢ ምዃኑ ብምሕባር ‘ዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ከምዝገለፅዎ፤ ግድብ ኣባይ ምትእስሳር ሓይሊ ንምፍጣር ዝቖመ ‘ዩ።በዚ ‘ውን ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጥራሕ ዘይኾነስ ንመላእ ኣፍሪካውያን መርኣያ ሕብረት ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ልምዓታዊ ርክብን ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ድልየትን መግለፂ ምዃኑ ገሊፆም፤ ዶብ ተሳጋሪ ምትሕብባር ንሓቛፋይ ልምዓትን ዞባዊ ምትእስሳርን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ሃፍቲ መዓድናት ብዝግባእ ዝበልፀገት ምዃና ዘልዐሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እዚ ‘ውን ተመራፂት ስትራቴጂካዊ ቦታ ንክትኸውን ምኽንያት ምዃኑ ኣልዒሎም። እዞም ሃፍትታት ምኽንያት ጎንፂ እናኾኑ ምምፅኦም ሃገራት ናይ ርክብ ወፃኢ፣ ኢንቨስትመንትን ኻልኦት ተተሓሓዝቲ ዘፈራትን ፖሊሲታት ክስተኻኸሉ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You