
ዜና ትንታነ
ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ዝርከባ ሃገራት ንዝለዓሉ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ሕቶታት መንቀሊ ዝኾኑ ተዃሳሕቲ ክፍልታት እቲ ዞባ ‘ዮም።
ሃገራት እቲ ዞባ ነዞም ክልተ ማያዊ ኣካላት ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ወይ ድማ ብመትከል ሂብካ ምቕባል እንተዝጥቀማሎም ተታሒዝካ ናይ ምዕባይን ነቲ ዞባ ምስ ሃገራት ዓለም ተወዳዳራይ ናይ ምግባር ዕድሎም ዝሰፍሐ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ዝለዓለላ ኾይና እናሃለወት ‘ኳ ካብ ሃገራት እቲ ተፋሰስ ዝተፈለየ ረብሓ ክረክብ ከይበለት ፍትሓዊ ተረባሕነት ንኽዓስል ምድላያ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ንዕብየታ ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ብምግንዛብ ምዃኑ ምሁራን ይገልፁ።
ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መዳብውቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ግና ጎረቤታተን ካብ ዘለዉወን ፀገማትን ካብ ዘቕርብኦም ሕቶታትን ንላዕሊ ዘተሓሳስበንን ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈቕዳለንን ካብ ኻልእ ኣህጉር መፂአን ንዝሓትአን ሓያላት ሃገራት ምዃኑ እንትረኣይ ዘደናግር ‘ዩ። ከም ፈረንሳይ፣ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ዝኣመሰላን ሃገራት ብብዙሕ ማይላት ካብ ዝርሕቕ ቦታ መፂአን ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ግዝኣት እንትህልወን፤ ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ኣብ ምምዕባል ትርከብን ኢትዮጵያ ግና ካብቲ ኣብ ጥቓኣ ዘሎን ታሪኻዊ ብፅሒት ወናነን ካብ ዝነበራን ቐይሕ ባሕሪ መተንፈሲ ‘ኳ ክትረክብ ዘይምኽኣላ ዘገርም፣ ዘሕርቕ ምዃኑ ምሁራን የገንዝቡ።
ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ንምዃን እንታይ ክትሰርሕ ኣለዋ? ሕዚ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኸ እንታይ ኣዎንታዊ ለውጢ ኣለዎም? ክንብል ንተሓባባሪ ፕሮፌሰር ተመራማራይ ታሪኽ ኣየለ በከሪ፣ መራሒ ቀናው(ዶ/ር) ከምኡ ‘ውን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ሓቲትና።
ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ተመራማራይ ታሪኽ ኣየለ በከሪ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክትኸውን ትኽእል ቑጠባዊ ዓቕማ ክተዕብይ እንተኽኢላ ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰራሕን ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ኣድላዪ ‘ዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕማ ልዑል እንተኾይኑ ጎረባብቲ ሃገራት ተጠቀምቲ እቲ ኢነርጂ ክኾና ይደልያ።
ኣፍደገ ባሕሪ ንኢኮኖሚ ሃገር ዘበርክቶ ኣበርክቶ ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ወሳኒ ጉዳይ ግና ድሕንነት ሃገር ክሕለው ምግባር ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ተሓባባሪ ፕሮፌሰር፤ ካብዚ ብምልዓል ‘ውን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ትገብሮ ፃዕሪ ጎናጎኒ ኣብ ሩባ ኣባይ ተወሳኺ ግድብ ክትሃንፅ ኣለዋ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣባል ካውንስል ቀይሕ ባሕሪ ከምዘይኾነት ብምግላፅ፤ ናይዚ ካውንስል ኣባል ንምዃን ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ሩባ ኣባይ ኣተኣሳሲራ ክትምልከት ኣለዋ።
በዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረኽበሉ ትኽእለሉ ሰፊሕ ዕድል ምፍጣር ከምትኽእል ‘ዮም ተዛሪቦም። ግብፅታት ካውንስል ቐይሕ ባሕሪ ዘጣየሽዎ ንሩባ ኣባይ ኢሎም ‘ዮም ዝብሉ እቶም ተሓባባሪ ፕሮፌሰር፤ እዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ካብ ሩባ ኣባይ ንላዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽተድህብ ዝዓለመ ‘ዩ። ነዚ ብመንፅር ታሪኽ ምምልካትን ምግንዛብ ኣድላዪ ‘ዩ። እዚ ንኢትዮጵያ ተረባሒት ከምዝገብር ‘ውን ገሊፆም።
እቲ ኻልእ ንመንግስቲ ሱዳን ብዝተኽኣለ ዓቕሚ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ንክኸውን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ምስራሕ ይግባእ። ሱዳን ብሩባ ኣባይ ግድብ ክትመልእ እንተኸኣለት ‘ውን እቲ ግድብ ብደለል እናተመልአ እኹል ማይ ክትሕዝ ኣይኸኣለትን። ናይዚ መንቀሊ ድማ እቲ ዝሃነፅዎ ግድብ ብግብፂ ዝተሰርሐ ብምዃኑ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ‘ውን ግብፂ ንሩባ ኣባይ ምስ ኻልኦት ሃገራት ብፍትሓዊ መገዲ ምጥቃም ከምዘይትደሊ ዘርእይ ምዃኑ ዝገለፁ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ኣየለ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሰርሐቶ ግድብ ድማ ንሃገራት እቲ ተፋሰስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ‘ዩ። ሱዳን ነዚ ክትግንዘብ ምግባር ከምዝግባእ ‘ውን ገሊፆም። እዞም ስራሕቲ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ትኾነሉ ዕድል ከምዘስፍሑ ተዛሪቦም፤ እቲ ስራሕ ጋህዲ እንተኾይኑ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚን ሓይልን ሓያል ከምትኾን ሓቢሮም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብቲ ሳልሳይ መድረኽ ምይይጥ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ከምዝተዛረብዎ፤ ኽልቲኦም ማያት ማለት ‘ውን ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ቐፃሊ ዘላቒ ምርግጋእን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዝብይኑ ‘ዮም ኢሎም። ነዞም ማያት ናይ ምጥቃም ወይ ድማ ኣብዞም ማያት ዘለና ስትራቴጂካዊ ረብሓ ምርግጋፅ ብሄራዊ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኾነስ፤ ብሄራዊ ምርድዳእ መፍጠሪ ‘ውን ‘ዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ነዚ ወሳኒ ጉዳይ በቢኸባቢኡ ዘለዋን ጎረባብቲ ሃገራትን ንኽግንዘብኦ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ መራሒ ተመራማራይን ዳይሬክተር ጀነራል መፅናዕትን ምርምርን ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕን ኣማረ ቀናው(ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ኣብቲ ከባብን ዘለዉ ኣወዳድባታት ጉድለት ኣለዎም። እዚ ‘ውን ኣብ ኢፍትሓዊ ተጠቃምነት ዝረኣይ ምዃኑ ገሊፆም።
እዞም ነገራት ተደማሚሮም ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ቐሊል ዘይበሃል ኣሉታዊ ፅዕንቶ የሕድሩ። ስለዚ እተን ሃገራት ነዚ ኩነታት ብዝርርብ ክቕይራ ኣለወን። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብልካ ምዃን ከቢድ ‘ዩ። በዚ ‘ውን ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግብኣ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክትረክብ ኣይኸኣለትን፤ ህልውኣ ‘ውን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኢሎም።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ኣብ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነትን ዕብየት ምቅልጣፍን ናይ ዓርሱ ዝኾነ ፅዕንቶ ኣለዎ። ብምዃኑ ‘ውን ኣፍደገ ባሕሪ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት፣ ንብሄራዊ ረብሓ ከምኡ ‘ውን ንድሕንነት ኣድላዪ ምዃኑ ኣማረ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ‘ውን ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ኣፍደገ ባሕሪ ክትኾነሉ ትኽእል ኩነታት ናይ ምፍላይ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብዚ ዙርያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ምስ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈርን ምኽክር እናተገበረ ምዃኑ ሓቢሮም። በዚ ‘ውን ንፖሊሲን ንዲፕሎማሲን እታዎት ዝኾኑ መረዳእታታት ናይ ምድላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።
እቶም ምሁራን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ንማይ ኣባይ ብፍትሓዊ መልክዑ ተጠቃምነተይ ይረጋገፅ ካብ ምባል ብተወሳኺ ንበይነይ ክጥቀም ትብል ግብፂ ኣባይ ኣካፍሉኒ ንቐይሕ ባሕሪ ግን ኣይትንክኡ ዝብል ኢፍትሓዊ ኣካይዳ ኣየዋፅእን። የግዳስ ኣብ ኽልቲኦም ማያዊ ኣካላት ፍትሓዊ ተጠቃምነት ንኽረጋገፅ ክትሰርሕ ኣለዋ ‘ዮም ኢሎም። ብኣንፃሩ ኢትዮጵያ ኣብ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ብመትከል ፍትሓዊ ተጠቃምነት፣ ሓባራዊ ምርድዳእን ሓቢርካ ምዕባይን ክቃነይ ይግባእ ኢላ እናሰርሐት ምዃና ሓቢሮም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም