”ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንሱ ብዝደልያ ፖለቲካ ንምግዛእ ወይ ንምፍራስ ዝዓለመ ኣካይዳ እዩ ዝኸድ ዘሎ‘’- ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል

 ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ዝተወለዱ እንትኾኑ ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ከተማ ኣላማጣ እዮም ተማሂሮም። ድሕሪ 12ክፍሊ ምውዳእ ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም እዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ወፂኦም ዝነበሩ እንትኾኑ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ስርዓት ይፀልእዎ ስለ ዝነበሩ ምስቲ ሓዱሽ ለውጢ ብምስላፍ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተንቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታን ምልሻ ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንምውፃእ መምርሒ ምስ ኣውረደ ጁንታ ህወሓት ጉድኣት ከየብፀሐሎም ብምስጋእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ተገይሩ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ። እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ትግራይ የጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ኣመልኪትና ምስ ኮማንድር ገብረመስቀል ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ሓላፍነት ፀጥታ ምኽባር እናሃለዉ የጋጥሙ ዝነበሩ ዕንቕፋታት ብውሱን መልክዑ ተዝገልፁልና?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ኣብ ዝተመደብክሉ ደጉዓ ተንቤን ወረዳ ከተማ ሃገረሰላም ብዙሕ ፀገማት የጋጥመና ነይሩ እዩ። ሓዱሽ ለውጢ ክመፅእ እንተሎ ከምዝፍለጥ ኩሉ ሰቲ ሰምሃል ክኾን ኣይኽእልን፤ ናይ ምርግጋዕ ስራሕቲ ኣብ ንሰርሐሉ ዝነበርና ህዝቢ ትግራይ ኵናት ይኣኽለካ እዩ፤ ጠበንጃኹም መልሱ እናበልና ንምርግጋዕ ንሰርሕ ነይርና ኢና። ህዝቢ ተረጋጊዑ ናብርኡ ክመርሕ፣ ንበረኻ ዝሃደመ ‘ውን ናብ ስርሑ ክምለስ፣ ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓት ክፅገኑን ሰላም ክሰፍንን ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምንባብ ብዙሕ ስራሕቲ ንሰርሕ ነይርና ኢና።

ይኹን’ምበር ተረጋጊዕና ከይንሰርሕ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ኩሉ በቲ ጁንታ ክትትል ይግበረሉ ነይሩ እዩ። ከቢድ ናይ ሂወት ስግኣት ነይሩና ፤ ኣብ መሓውር መንግስቲ ኮይኖም ነቲ ጁንታ ብስውር ዝተሓባበሩን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ዘቕብሉን ነይሮም እዮም። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሰርሕ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ተቐቲሉ እዩ።

ከምዝፍለጥ ስርዓት ጁንታ ከፋፋሊ ፖለቲካ እዩ። በዚ ከፋፋሊ ፖለቲክኡ ገይሩ ንህዝቢ ትግራይ ፅዒንዎ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበረ ሕማቕ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ክወፅእ ኣይከኣለን። ሕዚ ‘ውን ሕብረተሰብ ካብዚ ኣተሓሳስባ ጁንታ ኣይወፀን ይፀልአና ነይሩ እዩ። ጁንታ ንዓና ንምቕታል፣ ንምጭዋይ ወይ ሓደጋ ንምብፃሕ ሰለልቲ የዋፍረልና ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ሕዚ ዝመፀ ዘይኮና ናይ ቐደሙ ባህሪ እዩ።

ቑፅሮም ዘይናዓቑ ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ጁንታ ተቐቲሎም፤ ገሊኦም ድማ ተጨውዮም ተሪፎም እዮም። ካብ ሕብረተሰብ ውሽጢ ንስለያ ብዘዋፈሮም ገይሩ ሓበሬታ ብምርካብ ኣብ ንንቐሳቐሰሉ እዋን ተፃናትዮም ብምፅናሕ ብዙሕ ሓደጋ የብፅሑልና ነይሮም እዮም። ክሳብ ንመፅእ ከባቢ ሓምሳ ተቐቲሎም ነይሮም እዮም፤ ሕዚ ድማ ክሳብ ሓደ ሚኢትን ሓምሳን በፂሑ እዩ ዝበሃል።

ንህዝቢ ዝሰርሕ ሰብ፣ ኵናት ይኣክል ኢሉ ንዝሰበኸ ኣካል እናተኻታተልካ ምቕታል እዩ ስርሑ ገይሩ ነይሩ። ትግራይ ናብ ንቡር ትመለስ፣ መሰረተ ልምዓት ይፀገን ንዝብል ኣመሓዳሪ እናተኻታተልካ ኣብ ምጭዋይ እዩ ኣትኵሩ ይሰርሕ ነይሩ። እዚ ተግባር እዚ ብጣዕሚ ዘሐዝን እዩ።

ብሓፂሩ ብዙሓት መሰናኽላት ይበፅሑና ነይሮም እዮም፤ ብፍላይ ካብ ሕብረተሰብ ንምንፃልን ወይ ኣብ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ከይህልወና ባንዳታት፣ ፀረ ህዝቢ ትግራይ፣ ሸይጥቲ ዓዲ፣ ከሓድቲ፣ ተለኣአኽቲ ወዘተ ብምባል ዝተፈላለዩ ሽማት ይልጥፉልና ነይሮም። ሕዚ ‘ውን ጁንታ መንግስቲ በይናዊ ኵናት ጠጠው ምባል ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ብስፍሓት ይጥቐመሉ ኣሎ እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበርኩም ኣባላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፃኹም ዝግበረልኩም ዘሎ መንግስታዊ ምትሕብባር እንታይ ይመስል?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- መንግስቲ ፌዴራል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፃና ብኣብዝሓ ፅቡቕ ምትሕብባር ገይሩልና እዩ። ንዕለታዊ ዝኾኑ ነገራት እናማለአልና እዩ፤ መንግስቲ ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ እናገበረልና እዩ

 ዘሎ። ኮይኑ ግና መነባብሮ ስለዝኸበደ እኹል እዩ ምባል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ነገር ኸቢሩ እዩ ዝኒሀ። ምስ ሙሉእ ቤተሰብና ስለዝመፃእና መነባብሮ ከቢዱና እዩ ዘሎ።ይኹን’ምብር እዚ ንኹሉ እዩ ንዓና ጥራሕ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎ ሓበሬታታት የማላኽቱ ኣለዉ ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝኾን ዘሎ ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- እዚ ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ጁንታ ህወሓት ካብ መንግስትነት ናብ ሽፍትነት ዝተቐየረ ሓይሊ ምዃኑ እዩ ዘሪአካ። ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ‘ውን እዚ ሓይሊ እዚ ግብረ ራዕዲ ኢሉ ሰይምዎ እዩ። እዚ ዝተሰየመሉ ምኽንያት ካብ ተግባራቱ ተበጊሱ እዩ።

እዚ ሕዚ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን እናተስፋሕፈሐ መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ጁንታ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ እዩ። ዓለምለኸ ሕግታት ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ። ኣብ ትግራይ እንተሪእና ህፃናት ብውትድርና እናመልመለ ናብ ሓዊ ይጠብሶም ኣሎ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ዓሌት ምፅናት እዩ። ኣብ ትግራይ ዝፍፅሞ ዝነበረ እዩ ሕዚ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ከምኒ ዓፋር ዝፍፅሞ ዘሎ፤ እዚ ተግባር እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን ካብ ቐደም ኣትሒዙ ሒዝዎ ዝመፀ መግለፂ ባህሪኡ እዩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ኣነ ብዝፀዓንክዋ ፖለቲካ እንተዘይተገዚኣ ዋላ ትፍረስ ናይ ዝብል ምንቕስቓስ እዩ ዝገብር ዘሎ። ህወሓት ብትምክሕቲ ተላዒሉ ምስ ሃገራት ምዕራባውያን ተሻሪኹ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ኩነታት እዚ ተረዲኡ ብሓደ ተላዒሉ ይምክቶ ኣሎ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ክኣቱ ገይሩ ሕዚ ድማ ካልኣይ ተመሊሱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ፀገም ንምኽታት እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ወዲቑ ዘሎ፤ መጓዓዝያ፣ መብራህቲ፣ ሕክምና፣ ትምህርቲ ብሓፈሻ ካልኦት መንግስታዊ ግልጋሎታት ጠጠው እየን ኢለን ዘለዋ። ሕማቅ ተልእኽኡ ኣሐይሉ እዩ ዝቕፅለሉ ዘሎ። ናይ ብሄር ብሄረሰብ ተፈጥራዊ ኣፋላላይ ንፖለቲካዊ ፅሊእት እዩ ኣውዒልዎ። ኣብ መንጎ ብሄራት ምጥርጣር ክፍጠር ብምግባር ሓድነት ከይህሉ እዩ እናሰርሐ መፂኡ። ሕዚ ‘ውን ነዚ ይቕፅለሉ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ከይሓትት፣ ከይምጉት እናዓፈነ ምምፅኡ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ዕሸላት ደቁ ናብ ኩናት ኣሰልፍ እናበለ ኣብ ዘይምልከቶም ሓዊ የእትዎም ኣሎ። ህፃናት ብሓሸሽ ክዕውኑ እናገበረ ብዘይ ውኒኦም ኣብ ግንባር ክስለፉ እናገበረ የፅንቶም ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ ብሓፂሩ ብጣዕሚ ሕማቕ ተግባር ስለ ዝኾነ ክኹነን እዩ ዘለዎ። አዚ ሓይሊ እዚ ብናይ ምዕራባውያን ገንዘብ እዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ። እዚ ሓይሊ እዚ ምዕፋን ህዝቢ ትግራይ ከይኣኽሎ ንኻልኦት ክልላት ህዝቢ ‘ውን እዩ ክዕፍን ዝደሊ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- እዚ ተግባር እዚ ብኸመይ ክስተኻኸል ይኽእል ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- እዚ ተግባር እዚ ክስተኻኸል ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ ብሕብረትን ብንቕሓትን ክምክቶ እንተሎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ጁንታ እዚ ክፍለ ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ክፅላእ፣ ክስደድ፣ ብኵናት ክሃልቕ ገይርዎ እዩ።

 ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ኩነታት እዚ ክወድቕ ዝገበረኒ መን እዩ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። እዚ ኵናት እዚ መን እዩ ጀሚርዎ ኢሉ ክሓትትን ክፈልጥን ኣለዎ።

መንግስቲ ፌዴራል ናብዚ ኲናት ከይእቶ ብዙሕ ለሚኑ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ናብ መቐለ ሰዲዱ ዕርቒ ለሚኑ እዩ። ኮይኑ ግና ጁንታ ነዚ ሓሊፉ እዚ ሰሜን ናብ ምጥቓዕ እዩ ኣትዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ምኽንያታዊ ብዝኾነ መገዲ ተረዲኡ ኣንፃር እዚ ጁንታ እዚ ክለዓል ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ትግራይ እዩ ዘሀልቕ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ሕቶ እዚ ሓቲቱ መልሲ ክረክብ ይግበኦ።

ባንዳ እናበልካ ህዝቢ ትግራይ ምቕታል እንታይ ማለት እዩ? ብስሩኸ መን እዩ ባንዳ? ግዝያዊ ምምሕዳር እኮ ናይ ህዝቢ ስራሕ እዩ ይሰርሕ ነይሩ ግና ክቕተል ተገይሩ። መን እዩ ዝቐትል ዘሎ እንተይልና ጁንታ እዩ ዝቐትል ዘሎ። ስለዚ ዝቐተለ ድዩ ባንዳ ወይስ ዝተቐተለ እዩ? ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ብንቕሓት ሓታትን መጓትን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ፀገም እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑ ፀገማት ዝፈጥር ዘሎ ኣካል ፈልዩ ክፈልጥን ክርዳእን ኣለዎ። ጁንታ እኮ ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ዘቕርብ ዝነበረ ኣካል እዩ ባንዳ ኢሉ ይቐትሎ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ፀገማትን ዝፈጥር ዘሎ ኣካል ፈልዩ ክፈልጥ ኣለዎ፤ ብልፅግና’ውን ፀገም እንተልዎ ክሓትት ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ፈላጥ፣ ሙሁር፣ መስተውዐሊ ህዝቢ እዩ። ንመራሕቱ ከምህር ይኽእል እዩ። ንምንታይ እዮም ደቑ ዝሃልቑ ዘለዉ ክሓትት ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ምሕታት ኣይጀመረን ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ዝወፀ ሃገራዊ ፃውዒት ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህዝቢ ኢትዮጵያ ባህርያትን ተግባርን ጁንታ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ተረዲእዎ እዩ። እንታይነት እቲ ጁንታ ህዝቢ ይርደኦ ኣሎ እዩ፤ ምስ ሃገራት

 ምዕራባውያን ብምሽራኽ ሃገርና ንድሕሪት ንምምላስ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፤ አትዮጵያ ከትፈርስ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

እዚ ፃውዒት እዚ ትኽክለኛ ፃውዒት እዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሃገርካ ትፈርስ ኣላ፣ ትድፈር ኣላ ተለዓል ምባሉ እዋኑ ዝሓለወ ፃውዒት እዩ። እኳ ደኣስ ንእሽተይ ዘንጊዑ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። መንግስቲ ትዕግስቲ ኣብዚሑ እዩ ነይሩ። ብፃውዒት መንግስቲ መሰረት ህዝቢ ይሓብር ኣሎ እዩ፤ በዚ መሰረት ድማ ውፅኢት ከምዝመፅእ ተስፋ እገብር። ሕፅር ብዝበለ ግና እቲ ዝቐረበ ፃውዒት ብጣዕሚ ኣድላይን ትኽክልን እዩ።

ወጋሕታ፡- ንሃገራዊ ፃውዒትመንግስቲ ፌዴራል ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ካብ ህዝቢ ትግራይ ትፅቢት ዝግበር መጀመርያ ካብ ሓይሊ ጁንታ ክፍለ ኣለዎ፤ ጁንታ ማለት ገበን ዝፈፀመ ማለት ስለ ዝኾ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ገበነኛ ኣካል ፈፂሙ ክርሕቕ ኣለዎ። ጁንታ ህወሓት ናይ ሃገር ገንዘብ ዝዘረፈ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ጁንታ ህወሓት ሃገር የፍርስ ዝነበረን ሕዚ ‘ውን ሃገር እናፍረሰ ምህላዉ ክርዳእ ኣለዎ። እዚ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ክብል ኣለዎ። መንግስቲ ኣቅሪብዎ ዝኒሀ ሃገራዊ ፃውዒት ምኽንያታዊ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ህዝቢ ተሓባባሪ ክኾን ይግበኦ።

ህዝቢ ትግራይ ነዚ ፃውዒት እዚ ክቕበሎ ኣለዎ፤ ምኽንያቱ እዚ ፃውዒት እዚ ሃገር ናይ ምድሓን ፃውዒት እዩ። ጁንታ ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕሞ ኣይኽእልን። ሰላማዊ ሰብ ዝቐትል ሓይሊ ንህዝቢ ብዝኾነ መለክዒ ክጠቕም ኣይኽእልን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብደንቢ ሓሲቡን ኣስተንቲኑን ዘዋፀኦ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ከም ካልኦት ክልላት ሓራ ንኽወፅእ ምስ ኣሕዋቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክተሓባባር ኣለዎ።

 ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓትን ሸኔን ብሓባር እናተቓለሱ ምዃኖም ክልቲኦም ወገን ግልፂ ገይሮም እዮም። እዚ ጥምረት እዚ ከመይ ተመልኪተሞ? ሃገርና ናበይ ክወስዳ ይኽእል?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኦነግ ሸኔ ተልእኾ ጁንታ ህወሓት ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓይሊ እዩ። ህወሓት ዘቐመጦ ሓይሊ እዩ። ክልቲኦም ድማ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ እዮም። ኦነግ ሸኔ ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ ከባቢ ብጎዘሞን ገጀራን ሰብ ዝቐትል ዝነበረ ሓይሊ እዩ። ንሃገር ዝጠቕም ኣይኮነን።

እዞም ክልተ ሓይልታት እዚኦም ብሓደ እናሰርሑ ፀኒሖም እዮም፤ ሕዚ ዋላ ብግልፂ ይዛረቡ’ምበር ሓዱሽ ኣይኮነን። ሃገር ንምፍራስ ውዕል ፈፂሞም ይንቐሳቐሱ ኣለዉ። ነዚኦም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋገኦም ክህቦም ኣለዎ። እናተኻታተለ ኣብ ልዕሊኦም ዘየናሕሲ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

ሕዚ ግልፂ ገይሮሞ ዘለዉ ጁንታ ህወሓት ከፈራርሕ ስለዝደለየ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ሕማቕ ኣዋድቓ እዩ ክወድቕ። ጁንታ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ጅግና እየ እናበለ ይጉረን ኣሎ እዩ። እዚ ጉራ እዚ ካበይ ከምዝምፀኦ ኣይፍለጥን። ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ተጎሪኑ ኣይፈለጥን፤ ለባም ህዝቢ እዩ። ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኮይኑ ሃገር ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ። ጁንታ ህወሓት ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝገልፅ ኣይኮነን። ብሓፂሩ ግና ውዕል ጥምረት ክልቲኦም ሓይልታት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፤ ፅባሕ ዝፈረስ ውዕል እዩ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ህዝባዊ መሰረት የብሎምን።

ወጋሕታ፡- ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ወፃኢ ከመይ ይምልከትዎ?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኢድ ኣእታውንት ሓይልታት ወፃኢ ጁንታ ህወሓት መሰረት ገይሮም እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ። ጁንታ ናቶም ተለኣኣኺ እዩ። ብፍላይ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ትኽክል ኣይኮነን። እዚ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ርክብ እዩ። ጁንታ ህወሓት ንፍሉጣት ሚድያታት ዓለም ብዝሰረቖ ገንዘብ ገይሩ እዩ ዝጠውዮም ዘሎ። መንግስቲ ኣብ

 ዝነበረሉ እዋን ‘ውን ናቶም ተሓሽካሪ እዩ ነይሩ።

ጁንታ ህወሓት ምስ ምዕራባውያን ኮይኑ ሃገር ንምጥፋእ እናሸረኸ እዩ ዘሎ። ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ እትድፈር ዓዲ ኣይኮነትን። ስለዚ ምዕራባውያን ኢዶም ተዝእክቡ እዩ ዘዋፀኦም። ኢትዮጵያ መስዋእቲ ፈሪሓ እትምብርከኽ ሃገር ኣይኮነትን። ብሰላም ብፍቕሪ እያ ትኣምን። መንግስቲ ንናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ስርዓት ክሕዙ ከምዝገብር ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ትግራይ ወይ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተልይዎም ዕድል ክህቦም?

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- መጀመርያ ንህዝቢ ትግራይ መልእኽቲ ከመሓላለፍ እደሊ፣ቐዳማይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ክፍለ ኣለዎ። ካልኣይ ንምንታይ እዮም ተጋሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ነይርኩም እናተባህለ ኣባላት ብልፅግና ዝኾኑን ዘይኮኑን ዝቕተሉ ዘለዉ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ክሓትት ክኽእል ኣለዎ። ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ዝሃለቑ ኣሻሓት ዕሸላት ንምንታይ ሃሊቖም ኢሉ ክሓትት ይግባእ። ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብጉጅለ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ኣይኽእልን።

ካሊእ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እየ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝደሊ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኹሉ ትግራዋይ ከም ጁንታ ክሓስቦ የብሉን። ጁንታን ህዝቢ ትግራይን ፈልዩ ክፈልጥ ኣለዎ። ብሽም ትግርኛ ተዛራቢ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ክሪኦ የብሉን። ንፁሕ ትግራዋይ ግፍዒ ክበፅሖ የብሉን። ትግራዋይ ብመንነቱ ተሸቚሪሩ ክነብር ኣይግበኦን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጁንታን ህዝቢ ትግራይን ፈልዩ ብምፍላጥ ሕውነቱ ከጠናኽር ኣለዎ። መንግስቲ ‘ውን ኣብ ንፁሃት ተጋሩ ግፍዒ ከይፍፀም ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ እየ ከመሓላልፍ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቕንየለይ።

ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

Recommended For You