
ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ዘለዎ ብምክፋልን ክኸውን ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 446 ዓመተ ሂጅራ በዓል ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ኣብፀሐኩም ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
በዓል ኣል ኣድሓ ናይ ምትሕስሳብ በዓል ‘ዩ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼክ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፤ ህዝበ ሙስሊሙ ነቲ በዓል እንተኽብር ወገናቱ ተሓሳቢ ብምግባርን ዘለዎ ብምክፋልን ክኸውን ከምዝግባእ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣረዲኦም።
ብመሰረት ትምህርቲ እስልምና መዓልቲ ዓረፋ ካብ ካልኦት ዕለታት ዋግኣ ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምሕባር መላእ ህዝበ ሙስሊም ብፆምን ብዱዓን (ብፀሎት) ንኸሕልፉ ምዒዶም።
ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት፣ ዝሓመሙ፣ ዝተኣሰሩን ካብ መረበቶም ዝተፈናቀሉን
ኣብቲ ዕለት ብሕታዊነት ከይስምዖም ብዘይ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ብምጥያቕ ነቲ በዓል ንኸሕልፉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ኢትዮጵያ ዝተፈላዩ ሰዓብቲ እምነት ንብዙሕ ዘበናት ተፋቲዎምን ተኸባቢሮምን ዝነበሩላ ሃገር ከም ምዃና እቲ ምእመን ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ሓድነቱን ሕውነቱን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ነቲ በዓል ከሕልፎ ከምዘለዎ ፃውዒት ኣቅሪቦም።
ብተወሳኺ ምሕራድ ንዘይክእሉ ዓቅመ ደካማታትን መዕበይ ንዘይብሎምን ህፃናት ከምኡ ‘ውን ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ኩሉ ዓቕሚ ብዝፈቀዶ መሰረት ብምሕጋዝ ንክኽበር ወሲኾም ፃውዒት ኣቅሪቦም።
ብተመሳሳሊ ሓፈሻዊ ቤትፍርዲ ሸሪዓ ፌዴራል ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 446 ዓመተ ሂጅራ በዓል ኣል ኣድሓ ኣብፀሐኩም ዝብል ሰናይ ትምኒት መግለፂ ኣብ ዘሕለፈሉ፤ ናይ ሎሚ በዓል ኣል ኣድሓ ናይ ዙልሒፋ ወርሒ ዝተረኣየትሉ ሰሉስ ለይቲ ስለዝኾነ እቲ በዓል ዓርቢ 29 ተኸቢሩ ክውዕል ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ነዚ በዓል ምክንያት ብምግባር ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ብምሕጋዝ ነቲ በዓል ንክኽበር ብሽም ኣላህ ንፅውዕ ክብል ‘ውን መልኽቱ ኣሕሊፉ።
ኣብርሃ ሃጎስ
ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም