
ዜና ጠዓሞት
ካብ ወርቂ 2 ነጥቢ 057 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ካብ ወርቂ 2 ነጥቢ 057 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ። ልዕሊ 29 ነጥቢ 396 ኪሎግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዝቐረበ ‘ውን ሚኒስቴር መዓድን ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ መዓድን ኣይተ ሚሊዮን ማቴዎስ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፤ ካብ ክልላት ናብ ብሄራዊ ባንኪ ዝቐረበ መጠን ወርቂ ክልል ትግራይ 12 ሽሕን 210 ኪሎግራም፣ ኦሮሚያ 6 ሽሕን 910 ኪሎግራም፣ ጋምቤላ 4 ሽሕን 590 ኪሎግራም፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ 3 ሽሕን 689 ኪሎግራም ኣቕሪቦም። ክልል ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ወርቂ ብምቕራብ ቐዳማይቲ’ ።
ን11 ሚሊየን ህፃናት ክታበት ንፍዮ ተዋሂቡ
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 11 ሚሊየን ህፃናት ክታበት ንፍዮ ከምዝተውሃቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።ብብርኪ ሃገር ንፍዮ ሓዊሱ በቢእዋኑ ዘጋጥሙ ለበዳታት ንምክልኻል ዘኽእል ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ይካየድ ኣሎ።
መራሒት ኣፈፃሚት ስራሕ እኖታት፣ ህፃናትን መናእሰይን ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ማሪያማዊት ኣስፋው በቲ ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት እወንታዊ ውፅኢት ይረአየሉ ከምዘሎ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፀን።
ቫይታሚን ኤ ሓዊሱ ንሕፅረት ምግቢ ዝተቓልዑ ህፃናት ምፍላይ፣ ካብ ዝተወለድሉ ጀሚሩ ምንም ክታበት ዘይወሰዱ ህፃናት ከምኡ’ውን ብምኽንያት ወሊድ ዝተጎድኣ ኣዴታት ምፍላይ፣ ክትትል ክታበት ብዘይምግባር ንሕማም ዝተቓልዑ ህፃናት ናይ ምፍላይ ስራሕ በቲ ወፍሪ ይፍፀም ከምዘሎ ተዛሪበን።
ምፍርራም ስምምዕነት ኢትዮጵያን ብራዚልን
ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሓባር ንምስራሕ ክልተኣዊ ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ ገሊፀን፡፡ኢትዮጵያ ተሞክሮኣ ዘካፈለትሉ ካልኣይ ጉባኤ ውሕስና ምግቢ፣ ጥሜት ምክልኻልን ልምዓት ገፀርን ብራዚል-ኣፍሪካ ኣብ ብራዚል ተኻይዱ ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ ብዝምልከት እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሓባር ንምስራሕን ዘለወን ርክብ ንምጥናኻርን ክልተኣዊ ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝስርሑ ስራሕቲ ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ብራዚል ኣብ ዝሰርሐቶም ዕዉታት ስራሕቲ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብብርኪ ዓለም ልዕለ ሓያል ክትከውን ከምዝኸኣለት ኣልዒሎም፡፡
ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊው
ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ 2017 ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተሰናደአ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
ሓምለዋይ ዓሻራ ዝተጎድአ መሬት ዳግም ንኽግርብ፣ ጠሊ መሬት ንኽውስኽ፣ መጠን ማያዊ ኣካላት ንኽውስኽ ከምዝገበረ ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮንን ገሊፀን፡፡
በቲ መርሃ ግብሪ 40 ሚኢታዊ ደኒን 60 ሚኢታዊ ፍረምረን፣ መኖ እንስሳ፣ ልሙዕነትን ጥዕናን ሓመድ ዝሕልዉ ፈልሲታት ብምትካል ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ዝተከሉ ፈልሲታት ተፋሰስ ሃገራት ብሓደጋ ውሕጅ ከይጥቀዓ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ ‘ውን ብሪሀን፡፡
1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ
ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ገሊፁ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ርክብ ህዝቢን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን እቲ ቤት ፅሕፈት ሰለሞን ዳኒኤል ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፣ ኣብ ዝተተሓዘ በጀት ዓመት ንህዳሰ ግድብ 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ሕብረተሰብ 1 ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር ምእካቡ ብምሕባር፤ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ ኢሎም።እቲ ግድብ ዕውት ናይ ምዝዛም ምዕራፍ ትርከብ ዝበሉ ኣይተ ሰለሞን፤ እዚ ፕሮጀክት ዛዚምና ሪባን ክንቆርፅ ተቃሪብና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝዛዘም ቦንድ ምግዛእን ውህብቶ ንምብርካትን፤ ናብ 8100 A ኢልካ ብምልኣኽ ማሕበረሰብ ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም