ኢትዮጵያ ቕልጡፍ ዕብየት ካብ ዘመዝግባ 10 ሃገራት ኣፍሪካ ቐዳምነት ተሰሪዓ

ኣዲስ ኣበባ፦ ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ ካብተን ቕልጡፍ ዕብየት ዘመዝግባ 10 ሃገራት ኣፍሪካ ቐዳምነት ትስራዕ ምዃና ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ብዝወሰድኦ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ብዘለዎን ዓቕሚ ሃፍቲ ተፈጥሮን በዝሒ መንእሰይን ምኽንያት ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት እናርኣያ ከምዝኾና ኣመላኺቱ፡፡

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ዘውፅኦ መረዳእታ 10 ሃገራት ኣፍሪካ ብምንፅር ዓመታዊ ኣፋፃፅማ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ዕብየት ኣፍሪካ እናመርሓ እየን። ካብዚአን ኢትዮጵያ ብ8.1 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ትርከብ።

እዚ ዕብየት ብስራሕ መሰረተ ልምዓት፣ ኢንቨስትመንት፣ ኣፍራይነት ሕርሻን መሰረታዊ ግልጋሎታትን ከምዝተረኸበ ዘመላኸተ ምዃኑ ዘመላኸተ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ፣ ልዕሊ 108 ሚልዮን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ዋላ እኳ ስክፍታታት ዕዳን ናህሪ ዋጋታት እንተሃለዋ ብመንግስቲ ዝምራሕ ልምዓታዊ ስራሕቲ ንምቕፃል ቆሪፃ ዝተለዓለት ከምዝኾነት ኣፍሊጡ።

ሰኔጋል 6 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ብምምዝጋብ ካብተን ተስፋ ዘለወን ሃገራት ምዃና ብምጥቋም፤ ብምኽንያት ኣብ ቀረባ እዋን ዝጅመር ምህርቲ ነዳድን ጋዝን ቁጠባ ሰኔጋል ብ8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ክዓቢ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፁ።

ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብ6 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ፣ ኡጋንዳ ብ6 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ከምዘመዝገባ ብምምልኻት፤ ብኣገልግሎታትን ምህርቲ ወርቅን ዝምራሕ ኢኮኖሚ ኡጋንዳ ኣብ 2024 ዝቕባበ ዋጋ ናብ 3 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክወርድ ከምተገብረ ጠቚሙ።

ኮትዲቫር ናይ ካሼውን ካካዎን መቐነባበሪ ኢንዱስትሪታት ብምስፋሕ ቁጠባኣ ብ6 ሚኢታዊ ከምዘዕበየት ኣፍሊጡ። እቲ ዕብየት ክሳብ 2025 ዓ.ም.ፈ ናብ 6 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ክዓቢ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ኣመላኺቱ።

ጋና ብህንፃ፣ መኣድን ብምውፃእን ብዘፈራት ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ኣብዘመዝገበቶ ዕቤት፣ 5 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኣመዝጊባ እያ፤ ካብቲ ኣጋጢምዋ ካብዝነበረ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ምሕያዋ ኣፍሊጡ።

ታንዛንያ 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ብምምዝጋብ ኢኮኖሚኣ ርጉእን ኮይኑ ቐፂሉ ኣሎ። ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ኬንያ እውን ፅቡቕ ብምንባሩ 4.5 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኬንያ ብኣቕርቦትን ብትሑት ናሕሪ ዋጋታት ምኽንያት ኢኮኖሚኣ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘርኣየ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብታ ኣህጉር ቁልፊ ማእከል ቴክኖሎጂን ንግድን ኮይና ምቕፃላ ኣመላኺቱ።

ኣንጎላ ብ4 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ብምምዝጋብ ካብ ምህርቲ ነዳዲ ቁጠባኣ ሓሊፉ ኢኮኖሚኣ ከትዝውር ከምዝኸኣለት ዝገለፀ እቲ መረዳእታ፤ ማሊ 4 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኣመዝጊባ እያ። ቁጠባ ማሊ ብመዋቕራዊ ፀገማት እኳ እንተተገደበ ካብተን ተስፋ ዘለወን ሃገራት ምዃና ሓቢሩ።

ሃፍቲ ማዕድናትን ቀፃልነት ዘለዎ ኣተገባብራ ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣብ መላእ ኣህጉር ዕብየት እናምፀአ ከምዝርከብ ብምምልኻት፤ ናህሪ ዋጋታት፣ ልዑል ዕዳ፣ ፅልዋ ሳዕቤናት ለውጢ ነባሪ ኣየርን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ሕዚ እውን ነቲ ዓውዲ ብድሆታት ከምዝኾኑ ኣመላኺቱ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You