
ኣዲስ ኣበባ፡-ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ዘለዋ ሓባራዊ ተጠቃምነት ንምስኻዕ ዲፕሎማሲን ሰላማዊ መገድን እናተጠቀመት ምዃና ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣብ መበል ሳልሳይ ምይይጥ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን መደረ ዝገበሩ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፍር በድሩ ከምዝገለፅዎ፤ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ጂኦፖለቲካን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ‘ዮም።
ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ንግዳዊ ርክብ እቲ ዞባ፣ ምትእስሳር ባህልን እምነትን ዘጠናኽሩ፤ ኢኮኖሚያውን ሓባራውን ተጠቃምነት ዘረጋግፁ ‘ዮም ኢሎም። ጉዳይ ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎን ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ምላሽ ንምርካብ ይሰራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።እዚ ድማ ምትሕብባር ንምዕባይን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ንምህናፅን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ሰላምን ፀጥታን ብልፅግናን ንምስፋን ዝዓለመ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ከም ስትራተጂካዊ ጉዳያት ‘ያ እትርእዮም ዝበሉ ኣይተ ጃፍር፣ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን መበገሲ ዲፕሎማሲን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ‘ምበር ምንጪ ጎንፂ ክኸውን የብሉን ኢሎም። ብተወሳኺ ጉዳይ አፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መትከላት ዝተመስረተ፣ ሃናፂ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ግልፂን፣ ልኡላውነት ዘኽብር ምዃኑ ‘ውን ገሊፆም።
ስግረ-ዶባዊ ስግኣታት፣ዘይተፈትሐ ጎንፂታት፣ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ሽኩት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ዘጋጥሞም ብድሆታት ምዃኖም ኣመልኪቶም፤ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍን ምርድዳእን ዘለዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ‘ውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እቲ ናይ ምኽኻር መድረኽ ቁጠባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ከም ሽፍትነት ባሕሪ ዝኣመሰሉ ኣተሓሳሳቢ ጉዳያት ንምፍታሕን ከምዝሕግዝ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀጣና ምስ ዘለዋ ሃገራት ብምትሕብባር ሓባራዊ ረብሓ ንምርግጋፅን ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምሕላው ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ሚኒስቴር ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ይመር መኮነን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ጉዳያት ጉዳያት ንምፍታሕ ድልዱል ዝምድና ትሃንፅ ከምዘላ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ኣብ ባሕሪ ሽፍትነትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ምክልኻል ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዋ ‘ውን ኣመልኪቶም።
ናይዚ ምትሕብባር ቁልፊ ትኹረት ከም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣፅዋር፣ ኣኽራርነት፣ ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ንጥፈታት ዝኣመሰሉ ሓባራዊ ስግኣታት ንምምካት ከምዝኸውን፤ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ኤደንን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ርክብ ዲፕሎማስያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓባራዊ ዕጫ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ኤደንን ቀይሕ ባሕርን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዛ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ልምዓትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ብትግሃት ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።
እቲ ቀጣና ካብ ዘይምርግጋእ ንላዕሊ ድልድል ብልፅግና ንክኸውን ካብ ጎንፂ ናይ ዘተን ሓድነትን ከባቢ ንክኸውን ኩሉ ግዜ እቲ ዝበለፀ ክመረፅ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ንዝበፅሑ መጥቃዕትታት ስዒቡ ስግኣት ትራንስፖርት ባሕሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ው.ሕ.መ) ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ከምዝተዛረብዎ፤ ኣብ ቐይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ኣብ ልዕሊ መርከባት ንግዲ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም እናሃወኹ ‘ዮም።በዚ ‘ውን ንዓለም ለኻዊ ድሕንነት ጠቓሚ ዝኾነ ትራንስፖርት ባሕሪ ስግኣቱ እናወሰኸ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ድሕንነት ባሕሪ እንተዘይሃልዩ ዓለምለኻዊ ድሕንነት ክህልው ኣይኽእልን ዝበሉ ጉቴሬዝ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቦታታት ባሕሪ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ስግኣታትን ድንገተኛ ሓደጋታትን ኣንፀላሊዉዎም ኣብ ስግኣት ምዃኖም ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዶባት ዙርያ ዘለዉ ዕንቅፋታት፣ ኣብ ባሕሪ ሃፍትታት ተፈጥሮ ምፅንቃቕ፣ ውጥረታት ጂኦፖለቲካ እናጋደደ ናይ ንሕንሕ፣ ጎንፅን ገበንን ምድግጋም እናወሰኸ ምምፅኡ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተዛሪቦም።
ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም