ዝኸፍአ ዋጋ ዘኽፍል ኵናት ከይመፅእ ኩሉ ዝምልከቶ ክከላኸልን ክቃለስን ከም ዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ዝኸፍአ ዋጋ ዘኽፍል ኵናት ከይመፅእ እቲ ህዝቢ ብፍላይ እቲ መንእሰይን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካልን ክከላኸልን ክቃለስን ከምዘለዎ ኣብ ቀረባ እዋን ግዝያዊ ሰርተፊኬት ዝረኸበ ፓርቲ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ኣባል ክልላዊ ላዕላዋይ ኮምቴ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።

ኣይተ ጠዓመ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ብናይ ደብረፅዮን ዝምራሕ ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ነበር ህወሓት ምስ ሻዕብያ ብምዃን ካብ ናይ ሃገራውን ዓለማውን ሕግታት ወፃኢ ፅምዶ ይፈጥር ኣሎ። እዚ ፅምዶ ከዓ ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብን ንሰላም ዘይኮነስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከቢድ ዕንወት ዝፈጥር ኵናት ንምምፃእ ‘ዩ።

ስለዚ እዚ ኵናት ደው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብዚ ኢዶም ኣእትዮም ክሰርሑ ፀዊዖም።

ክሳብ ሐዚ እቲ ኵናት ዘይተጀመረሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ኣዘዝቲ እቲ ዕጡቅ ነቲ ምንቅስቃስ ኵናት ተቃዊሞም ንገዝኦምን ናብ ሓራ መሬት ዝኸዱ ብምህላዎም ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ስለዚ ኣብቲ ዕጡቕ ዝህሊ እምቢታ ወይ ተቃውሞ ነቲ ዝግበር ኵናት ከትረፎ ከምዝኽእል ብምሕባር እምቢ ክብሉ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ እቶም ልዕሊ ኮር ዝብሃሉ ኣዘዝቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርኣይ ዘሎ ምንቅሰቀቃስ ተቃውሞ ብሓይሊ ንክዕምፅፁ ቶኽሲ ክኸፍቱ ይኽእሉ ‘ዮም ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ነዚ ዝከላኸል ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ስለዝህሊ ብኣውራጃዊ ናብ ሕድሕዳዊ ኵናት ክእተው ይክእል ‘ዩ ኢሎም።

ነዚ ስዒቡ ከምቲ ባዕልና ባዕልናን ኢና ነመሓድር፣ ዲፋክቶ ኮይንና ክንፀንሕ ኢና ካብ ዝብል ጀሚሩ ናብ ካሊእ ሰፊሕ ህዝባዊ ስምዒት ‘ውን ክኣቲ ይኽእል ‘ዩ ኢሎም።

ስለዚ እቲ ዝኸፍአ ዋጋ ዘኽፍል ኵናት ስለዝኾነ ኵናት ከይመፅእ እቲ ህዝቢ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ክቃወም ኣለዎ። መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ናብ ኵናት ከይእተው ሓላፍነት ወሲዱ ምስ ኣብ ትግራይ ሰላም ዝደልዩ ሓይልታት ብምትሕብባር እንተሰሪሑ ነቲ ኵናት ከትረፎ ከምዝኽእል ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You