
ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ዓለምለኸ ዝኾኑ ፖለቲካውን ኢኮኖምያውን መሰረት ዝገበሩ ትንተናታት ይሰርሕ እዩ። እዚ ገፅ ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሰፍሕ ዝበለ ትንተና ክንበብ ገይሩ እዩ። ጂኦ ፖለቲክስ “From Basma to Ethiopia – How C2FC is Using Lethal Journalism to Conduct Information Warfare and Lawfare against Ethiopia” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፀኦ ፅሑፍ ምዕራባውያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዝሓዝዎ ሕቡእ ኣጀንዳ አብ ኢትዮጵያ ድኹም መንግስቲ ንክህሉ ምግባር ወይም ለውጢ መንግስቲ ንምግባር ከምዝኾነ ኣስፊሩ እዩ።
ሶርያ ዝፈረሰት ምዕራባውያን ሃገራት ‹‹ባስማ›› ብዝብል ስያመ ብዘዳለውዎ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ዘመልክት እቲ ትንታነ ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ንኢትዮጵያ ድማ ትእዛዝ መውሃብን መቆፃፀሪ ማእኸል “Command and Control Fusion Center (C2FC)” ዝብል ፕሮጀክት ከምዝጀመሩ ኣመልኪቶም እዮም። እዚ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ናይ ምብትታን ብርኪ ዘብፅሕ ፕሮጀክት ከምዝኾነ’ውን ኣመልኪቶም እዮም።
ኣብ ሶርያ ዝተቐረፀ ባስማ ፕሮጀክት ድሕንነት ሓበሬታ ብዝግባእ ኣኪቡን ተንቲኑን ዘቕርብ እንትኾን ብረድኤት ስም ብምዕራባውያን ሃገራት ወሃብቲ ትካላት ምኽንያት ሶርያ ንምፍራስ ዝተተግበረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ፅሑፍ ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ኣመልኪቱ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ሶርያ ኸዚ ኣብ ዘላቶ ዝፈረሰት ሃገር ንክትኸውን ገይርዋ እዩ። ምዕራባውያን እዚ ፕሮጀክት ዝጀመርዎ ‹‹ብኹናት ዝተጎድኡ ሶርያውያን ሓገዝ እኽሊ ክረኽቡ ኣለዎም ›› ብዝብል ከምዝነበረ ዘመልከተ ፅሑፍ እቲ ጉዳይ እናዓበየ መፂኡ መንግስቲ ለውጢ የድሊ እዩ ናብ ዝብል ከምዝተሰጋገረ ኣልዒሉ እዩ።
ልክዕ ከም ባስማ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ወፍሪ ምኽፋቶም ዘመልከተ ትንታነ ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ፤ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኹናት ምስ ጀመረ ባዓል ስልጣናት ሕብረት ኣውሮፓ ብፈረንጂ ኖቨምበር 10/2020 መንግስቲ ኢትጵያ ክዳኸም በዘኽእል ኩነታት ዘተ ከምዝገበሩን ባዓል 7 ገፅ ሪፖርት ከምዘዳለዉ እቲ ፅሑፍ የብራህርህ እዩ። ባዓል 7 ገፅ ሪፖርት ሰነድ ኣባላት ሕብረት ብጥንቃቀ ዝተመረፁ ጉጅለታት ከምዝተውሃበ’ውን ተገሊፁ እዩ።
ትንተና ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ከምዘመልከቶ ብምዕራባውያን ብዛዕባ ቐፃሊ ዕድል ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝተገበረ ዘተ እቲ ሓደ ዓማፂ ጉጅለ ስልጣን ምሓዝ ዝኽእል እንተኾይኑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ድልው ዝኸውን እንተኾይኑ ክልላት ምግንፃል ዘኽእሉ ህዝበ ውሳኔ ንክገብሩ
ክፈቅድ ከምዝኽእል ዘተ ከምዝተገበረ ተጠቒሱ እዩ።
እዚ ንሕብረት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብሓደ ወገን ኢትዮጵያ ከም ዩጎዝላቭያ ዝተበታተነት ሃገር ንክትኾን ምችው ኩነታት ከምዝፈጥረሎም ፣ብኻልእ ወገን ድማ መወዳእታ ናይ ዩጎዝላቭያ ፕሬዝዳንት ስሎቮዳን ምሎሶቪች ከምዝገበርዎ ቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ብስም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ፅሑፍ የብርህ እዩ።
እቲ ፅሑፍ ከምዝገልፆ ኢትዮጵያ ምምሕዳራ ንምልሕላሕ ፍቓደኛ እንተኾይና ህወሓት ሓዊሱ ኹሉ ዘማእኸለ ብሄራዊ ዘተ ምግባር ከምዘድሊ እዚ ድማ ቐዳማይ ሚኒስተር ብዝሳተፈሉ ክካየድ ከምዝኽእል ብምዕራብውያን ከምዝተሓሰበ የረድእ። ብሄራዊ ዘተ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያ ዘይተማእኸለ ምምሕዳር ዘጠናኽር ሕገ መንግስታዊ ክለሳ ኣድላይነት ብዘካተተ መልክዑ ንክኾን ትልሚ ከምዝተድሓዘ ተገሊፁ እዩ።
ሕብረት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ኣብ ኢትዮጵያ ድልየቶም ንምስኻዕ ሽርሒ እናሰርሑ ቕልውላው ንምፍታሕ ከመይ ይኽእሉ ? ብምባል ዝሓትት ትንታነ ጂኦ ፖለቲክስ ምዕራባውያን ብኻልኦት ሃገራት መንግስቲ ኢድ ንምእታው እንትደልዩ ዝተፈላላዩ ፕሮጀክት ብምፍጣር ከምዝሰርሑ ይጥቁም እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐረፀ ትእዛዝ መውሃብን መቆፃፀርን ምእኸል “Command and Control Fusion Center (C2FC)” ፕሮጀክት ባዕሉ ዝኻኣለ ነፃነት ዘሎዎ ኣካል እንትኾን ዝሰርሖም ስራሕቲ ምምኻር፣ምምችቻው ፣ሓበሬታ ስርጭትን ስራሕቲ ኢንተሌጀንት ዝብል ከምዝርከብዎ ኣመልኪቱ እዩ።
ስርጭት ሓበሬታ (Information capacitance) ንዝኾነ ፕሮፖጋንዳ ስራሕ ቁልፊ ከምዝኾነ ዝሕብር እቲ ፅሑፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ቕልውላው መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹናትን ኣብ ኦሮምያ ስለዘለዉ ዕጥቋት ፀብፃብ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን መንግስቲ ብዘናኣኣሱን ናይ ትግራይን ኦሮምያን ዕጥቋት ብዝጠቅም መገዲ ዜናታት እናዳለዉ ብመራኸቢ ሓፋሽ ንክሰራጨው ከምዝግበር ተገሊፁ እዩ።
ዝተፈላለዩ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ (Fusion Cells) ተፈለጥቲ ኣካላት መራኸቢ ሓፋሽ ፣ጋዜጠኛታት ፣ምሁራን ዩኒቨርሲቲ ፣ምሁራን ሕጊ፣ተሟገቲ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ፣ውልቃዊ ትካላት ኢንተሊጀንስ፣ መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላትን ምዕራብ ዘመም ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት ርክብ ዘለዎም ተመራመርቲን ትካላት ምርምርን ከምዘጠቓልል እቲ ትንተና የመልክት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ እንኸፊቶም ተሟገቲ ዲሞክራሲ ተቐማጥነቶም ኣብ ኬንያ ፣ታንዛኒያ ፣ ኢትዮጵያ ፣ሶማልያ ፣ኡጋንዳ ፣ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ዝገበሩ ከምዝኾኑ ጂኦ ፖለቲክስ ኣመልኪቱ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ኢንተልጀንስ ተግባር ዝሰርሖ ኣክቲቪስትን ቀተልቲ ጋዜጠኛታትን (Lethal Journalism) ዘካተተ ከምዝኾነ ዘረደአ እቲ ፀብፃብ ናይቲ ግብራ ሓይሊ ኣባላት ኢትዮጵያዊ ዘምልከት ሓበሬታ ከምዝእክቡ ኣፍሊጡ እዩ። እዚኦም ሓበሬታታት ካብ ማህበራዊ ድሕረ ገፅ ፣ካብ ካድረ ህወሓት ፣ ካብ ኹናት ዝተጎድኡን ካብ ዳያስፖራ ትግራይን ከምዘረኽቡ’ውን ኣመልኪቱ እዩ።
ኣብዚ ጉጅለ ውሽጢ ዘለዉ ኣባላት ዝተፈላለዩ ፀገማት ብምፍጣር መሊሶም ብምግዋሕ ከምኡ’ውን ናይ መንግስቲ መራኸቢ ሓፋሻት ተኣማንት ንከይህልዎ ዝገብሩ ምድላዋት ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እቲ ፅሑፍ የረድእ እዩ። ኣብቲ ኣባላት ጉጅለ ዝተፈጠሩ ፀገማት ናብ መራኸቢ ሓፋሽ ቅድሚ ምውፅኦም ፅዕንቶ ፈጠርቲ ንክኾኑ ንምግባር ናብ ትእዛዝ መውሃብን መቆፃፀሪ ማእኸል “Command and Control Fusion Center (C2FC)” ከምዝበፅሑ ዘመለከተ እቲ ፅሑፍ ፣ ሬውተርስ ዝኣመሰሉ ብብርኪ ዓለም ለኸ ሰፋሕቲ ስርጭት ዘለዎም መራኸቢ ሓፋሻት ንክሰራጮ ከምዝግበር ኣብቲ ትንታነ ተብራህሪሁ እዩ።
መራኸቢ ሓፋሽ ኣመራርሓ ህወሓትን ሰራዊትን ሰናይ ስነ ምግባር ከምዘለዎም ፕሮፌሽናል ከምዝኾኑ ገይሮም እናሰራጨዉ ከምዘለዉን ናይ ህወሓት ሰራዊት መራሒ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳይ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ዘ ኤሌፋንት ዝባሃል መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ወርሒ ሓምለ ቃለ መሕተት ከምዝገበረ ዘመልከተ እቲ ፅሑፍ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ብምፅዋዕን ምግላፅ ገፅታ ሰራዊት ትግራይ ንምህናፅ ከምዝጠቐመሉ ኣመልኪቱ እዩ።
ምዕራባውያን መራኸቢ ሓፋሽ ዝተተለመ ትልሚ ንምስኻዕ ገና ካብ ጅማሮ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህወሓት ምስዓር ከምዘይኽእል ዘመልክት ፀብፃብ ካብ ምስርጫዎም ንላዕሊ እቲ ሰራዊት ጨካን ከምዝኾነን ንህዝቢ ትግራይ ንምውዳእ ኹናት ከምዝኸፈተን ህወሓት እዚ ንምክልኻል ከምዝተገደደ ብዘርኢ መልክዑ ብምፅብፃብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ህወሓት ንክድግፉ ብዝተወደበ ብዝተናበበ መልክዑ መልእኽቲ እናተሓላለፉ ከምዝፀንሑ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ እዩ።
ትንታኔ ጂኦ ፖለቲክስ ፕረስ ከምዘመልከቶ ምዕራባውያን ህወሓት ብምንጋስ መሊሶም ናብ ስልጣን ንምምፃእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድኻም ወይም ዝተፈላለዩ መገዲ ተጠቒሞም ለውጢ መንግስቲ ንምግባር ብኹሉ ኣንፈት ወፍሪ ኸፊቶም እዮም። ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ ብሃገር ሉኣላውነት ከምዘይትደራደር ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ኣሪኦም እዮም።
ብሃገር ለኸ መረፃ ህዝቢ ወፂኡ መራሒኡ ዝመረፀሉ መገዲ እቲ ሓደ መርኣያ እዩ። ኣብዚ ሰሙን ትንኮሳ ብምቅዋም እቲ ህዝቢ ምስ መከላከያ ሰራዊት ጎኒ ብምስላፍ ናይ ሃገር ሓድነት ከምዘጠናኽር ዘመሓላላፎ መልእኽቲ እቲ ካልእ መርኣያ እዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2023