
ዜና ጠዓሞት
ሓምለዋይ ዓሻራ – ናብ ካልኦት ሃገራት
ኢትዮጵያ እናካየደቶ እትርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ናብ ካልኦት ሃገራት ብምስግጋር ዲፕሎማሲ ሓምለዋይ ዓሻራ ንምስፍሕፋሕ ንኽትፅዕር ተሓቲታ፡፡
ንዓውዲ ዲፕሎማሲ ሓምለዋይ ዓሻራ ተወሳኺ ዓቕሚ ካብ ዝፈጥሩ ዘፈራት ሓደ ከምዝኾነ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ዘለዋ ልምዲ ሓምለዋይ ዓሻራን ተሰማዕነታን ተቐባልነታን ብዝበለፀ ከምዘዕበዮ ብምሕባር፤ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ መሪሕነት ብምጥቃም ንህንፀት ምስሊ ንኽትጥቀመሉ ምዒዶም፡፡
ረብሓ ምህላው ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ
ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምህላዋ ንሰላም እቲ ከባቢ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ነበር ኣባላ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ፔቲ ኦፊሰር ወንድወሰን ኣሰፋ ገሊፆም፡፡
ፔቲ ኦፊሰር ወንድወሰን ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን መደብ “ኣንድ እድል” ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ቀዲሙ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ 35 ዓመታት ፃንሒቱ፤ ብወገን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ናይ ወፃኢ ወራሪ መጥቃዕቲ ከምዘየጋጠሞ ኣዘኻኺሮም፡፡ብምዃኑ ድማ ጉዳይ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንፀጥታን ድሕንነትን ወሳኒ ከምዝኾነ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብምቅስቓስ ሰላም እናኽበረት ከምዝፀንሐት ‘ውን ኣብሪሆም፡፡ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ባሕሪ ምርካባ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንሰላምን ድሕንነትን እቲ ከባቢ ዝህልዎ ረብሓ ዘተሓታትት ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡
መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ
ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ሃገር ለኸ ግልጋሎት ምዘናን ፈተናን ኣፍሊጡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ኣይተ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን፤ ብመርበብ ኢንተርኔት ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ኣብ ክልተ ዙር ከምዝፍተኑ ተዛሪቦም፡፡
እዙይ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ብመርበብ ኢንተርኔት ናይ ምፍታን ዓቕሚ ንምውሳኽ ዘለዎ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለም ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ሎሚ ዘበን 12 ክፍሊ ፈተና 608 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ከምዝወስዱ ብምሕባር፤ ፈተና ብወረቐት ዝወስዱ ተምሃሮ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዩኒቨርሲታት ከምዝፍተኑ ሓቢሮም።
ፈተና ብመርበብ ኢንቴርኔት ዝወስዱ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት፣ መንግስታውን ውልቃዊ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኮሌጃት ስልጠና ጥዕናን መምህራንን ከምኡ ‘ውን ኣብ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ብኮምፒዩተር ክፍተኑ ‘ዮም ኢሎም።
ልዕሊ 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዘበናዊ ድኹዒ
ልዕሊ 10 ሚሊየን 729 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ተጉዓዒዙ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንሓረስቶትን ሰበክ ሳግምን እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ኮርፖሬሽን ኮሙኒኬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያን መካየዲ ስራሕ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ጋሻው ኣይችሉህም ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፅዎ፤ 600 ሺሕ ኩንታል ዳፕ ዘበናዊ ድኹዒ ትማሊ ናብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ፡፡
ትካሎም ንፍርያት 2017/18 ዓ.ም ዘበን ካብ ወፃኢ ዝርከብ 24 ሚሊየን ኩንታል ድኹዒ ዘበናዊ ድኹዒ ውሽጢ ክሳብ ሎሚ ኣብ ወደብ ዝበፅሐ መጠን ልዕሊ 11 ነጥቢ 3 ሚሊየን ኩንታል ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ካብዚ ውሽጢ10 ሚሊየንን 729 ሺሕን 522 ኩንታልን ናብ ሃገር ተጓዒዙ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንሓረስቶትን ሰበክ ሳግምን እናተኸፋፈለ ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ 73 ሺሕ ኩንታል ዩርያን 550 ሺሕ ኩንታል ዲፕ ካብ 1ክሳብ 10 ጉንቦት 2017 ዓ.ም ናብ ወደብ ጅቡቲ ክኣቱ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ተጠቀምቲ ፋይዳ – ልዕሊ 2 ነጥቢ 3 ሚሊዮን
አብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ምልዕዓል ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ነበርቲ መለለይ መንነት ፋይዳ ተጠቀምቲ ምኹኖም ምክትል ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣይተ ጃንጥራር አባይ ገሊፆም ፡፡
ብሄራዊ መለለይ መንነት ግንዛበ ንምምሕያሽ ዕላማ ዝገበሮ 25 ሺሕ ሰባትን ልዕሊ 400 ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ዝተሳተፉ ናይ 5 ኪሎ ሜትር ውድድር ጉያ ጎዳና ኣብ ኣደባባይ እንትካየድ ፣ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ፣ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ዜጋ ሕጋዊ መለለዩ መንነት ፋይዳ ክህልዎ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም፡፡ክሳብ ሕዚ 14 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ረኺቦም ኢሎም፡፡
ልዕሊ 4 ሺሕ ኪሎ ግራም ወርቂ
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 4 ሺሕን 254 ኪሎ ግራም ፍርያት ወርቂ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ኣታዊ ምግባሩ ኤጀንሲ መዓድን ክልል ጋምቤላ ኣፍሊጡ።
1 ሺሕን 850 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኣታዊ ንምግባር ተሊሙ ከምዝነበረ ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኤልያስ ገዳሙ ኣፍሊጦም፡፡ይኹን ‘ምበር ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ወርቂ ብምንካይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ዝኣቱ መጠን ወርቂ ክውስኽ ምኽኣሉ ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ መዓድን ዝሃቦ ፍሉይ ጠመተ ውፅኢት ምምፅኡ ኣብሪሆም።ኣብቲ ክልል ኣብ ወረዳታት ዲማ፣ ኣቦቦ፣ ጋምቤላን መንገሺን ብስፍሓት ወርቂ ከምዝፈርየሎም ይፍለጥ፡፡
ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም