ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሕርሻ ኽረምቲ 26 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ክልል ትግራይ ሕርሻ ክረምቲ(ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም) 26 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ንጋዜጣ ፕላስ ትግርኛ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝመፅእ ኽረምቲ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 26 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሕርሻ ኽረምቲ 13 ሚሊዮን ኩንታል ከምዝተረኸበ ሓቢሮም፤ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም ነዚ ብምምሕያሽ መፍረያይነት ንምዕባይን ኣብ ዝመፅእ ኽረምቲ ምህርቲ ንምድንፋዕን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም። በዚ ‘ውን ሓረስቶት ሕርሽኦም ከለሳልሱን ጠሊ ክዕቅቡን እናተገበረ ከምዝርከብ ኣይተ ሚኪኤለ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ እቶም ዳይሬክተር፤ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 ዓ.ም ብመንግስቲ ፌደራል ሓደ ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ምምዳቡን ዛጊድ 250 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ናብ ሓረስቶት ክዝርጋሕ እናገበርና ንርከብ ኢሎም። ምስ ዋጋ ድኹዒ ሓመድ ተተሓሒዙ ካብቲ ናይ ዓሚ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር፤ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልትታት ግና ለውጢ ዋጋ ክህልው ስለዝኽእል ሓረስቶት ቐልጢፎም ነቲ ዘሎ ድኹዒ ሓመድ ካብ በቢኸባቢኦም ንኽገዝኡ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

ነቲ ዘመን ምህርቲ ቐረብ እታዎታት ሕርሻ ናብ ሓረስቶት ተበፃሒ ክኸውን ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፤ ዛጊድ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ተዘርጊሑ። ካብዚ ብተወሳኺ ‘ውን ሓረስቶት ኣብ ኢዶም ዘሎ ምሩፅ ዘርኢ ብኣግባቡ ሕዞም ክጥቀምሉ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም። ብሰንኪ እቲ ነበረ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ማሕበራዊ እሴታቱ ከምዝሰኣነ ዘመላኸቱ ኣይተ ሚኪኤለ፤ ንምሕራስ ይጥቀመሎም ዝነበሩ ኣብዑር ምስኣኑ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕርሻ ዘፍርየሎም ፋብሪካታት ከምዝዓነዉ ተዛሪቦም።

ምስዚ ተተሓሒዙ መዓልታዊ ኽራይ ፅምዲ ኣብዑር ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ብምዃኑ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ነቲ ዝገጠመ ፀገም ናብ ዕድል ብምቕያር ሓረስቶት ተጠቀምቲ ትራክተራት ዝኾኑሉ ዕድል እናፈጠርና ንርከብ ኢሎም። ከባቢ 185 ዝኾና ትራክተራት ኣተኣታቲና ኣለና ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ናብ ማሕበራትን ዝተወደቡ መናእሰይን ኸምኡ’ውን ሓረስቶት ክዝርግሓ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።69 ዝኾና ትራክተራት ‘ውን ኣብ ኢድ መንግስቲ ኾይነን ብህይወት ሕርሻ መካናይዜሽን ኣቢለን ግልጋሎት ንክህባ ይግበር ምህላዉ ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ናይ ማሕበራትን ውልቀን ሓዊስካ ናብ 300 ዝኾና ትራክተራት ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ግልጋሎት ክህባ ይግበር ምህላዉ ኣመላኺቶም። ሕርሻ እቲ ክልል ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሮ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባርን ነቲ ዝተተለመ ስራሕ ንምስኻዕን ምስ ቀረብ እታዎታትን ተተሓሒዙ ድኹዒ ሓመድን ምሩፅ ዘርእን ብሰፊሑ ናብ ሓረስቶት እናተዘርግሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሕርሻ ንምዝማን ‘ውን ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ‘ውን መንግስቲ ፌደራል ነቲ ክልል ዝገበሮ ሓገዝ ቐሊል ዝበሃል ከምዘይኾነ ብምሕባር፤ ሓረስቶት እቲ ክልል ፍርያትን መፍረያይነት ንምዕባይ ዘተፈጠሩሎም ዕድላት ተጠቒሞም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You