
ኣዲስ ኣበባ፡– ብብርኪ ትግራይ ወፍሪ ምሃብ ዝተዋደደ ክታባት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ብዕሊ ትማሊ ምጅማሩ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ክኢላ ከታበት ኣይተ ኣዋሽ ሓድጉ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝበልዎ፤ ብብርኪ ትግራይ ንዝግበር ወፍሪ ምሃብ ዝተዋደደ ክታባት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ዝተፈላላዩ ምድላዋት እናተገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ዕላዊሊ ምጅማር ስነ ስርዓት ክታበት ኣብ ከተማ መቐለ ጥዕና ጣብያ ካሰች ተሳሊጡ።
እቲ ወፍሪ ዕውት ንክኸውን ምስ ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣቅርቦት እታወታት ክታበታት ብምድላውን ምልዕዓላት ብምገባር እናተሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣዋሽ፤ ትማሊ ድማ ምጅማር እቲ ክታበት መሰረት ብምግባር እቲ ማሕበረሰብ ደቁ ንከኸትብ መልእኽቲ ጎስጓስ ተመሓሊፉ ኢሎም። እዚ ወፍሪ ዝተዋደደ ዝተበሃለሉ ምኽንያት ካብ ወፍሪ ክትባት ንፍዮ ብተወሳኺ 5 ኣግልጋሎታት ብሓደ ኣዋዲድና ንምሃብ ኢና ንሰርሕ ዘለና ምዃኑ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።
እዚኦም ኣገልግሎታት ድማ ክታበት ንፍዮ፣ ምዕዳል ቫይታሚን ኤን ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኹን፣ንህፃናት ፀገም ጥዕናን ሕፅረት ምግቢ ዘለዎም ምፍላይን ምሕካምን ንኣዴታት ኣብ ሕማም ፌስቱላን ሓበሬታ ምሃብን ካልኦት ፀገማት ምንፃርን ዝበሉ ኣግልግሎታት ምዃኖም ኣብሪሆም። ኣብዚ ከምሕፅረት ዝርኣይ ሕፅረት ጎስጓስ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣዋሽ፤ ምኽንያቱ ናብ ሕድ ሕድ ጣቢያ ዘባፅሐ እኹል ጎስጓስ ተገይሩ ‘ዩ ንምባል ዝኸብድ ብምዃኑ ‘ዩ ኢሎም። ኣብ ኣቅርቦት እታወታት ግና ብዝሓተትዎ መሰረት እኹል እታወታት ካብ ፌደራል ከምዝቀረበሎም ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ ዜና ወፍሪ መከላኸሊ ክታበት ሕማም ንፍዮ ኣብ 81 ወረዳታት ትግራይ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ንዝዕድሚኦም 890 ሽሕ ህፃናት ከም ዝወሃብ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ኣፍሊጦም። ሕማም ንፍዮ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ኣስገደ፣ ክተማ ሽረ እንዳስላሴን ፤ ሰየምቲ ኣድያቦን ካልኦትን ለበዳ ኾይኑ ስለዘሎ ኩሉ ህፃን ኣብዚ ወፍሪ ሕብረተሰብ ህፃናት ንክኽተቡ ፃዕሩ ከሐይል ምፅውዖም ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።
ተወካሊ ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ሽፈራው ጌታቸው እዚ ወፍሪ መከላኸሊ ክታበት ሕማም ንፍዮ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር 40 ዓመት ዝፀንሐ ኮይኑ ብዙሓት ህፃናት ክድሕኑ ሓጊዙ ‘ዩ ኢሎም። ሎሚ ለበዳ ሕማማት ይባዛሕ ኣለው ዝበሉ ዶክተር ሽፈራው ሎሚ ብሃገር ደረጃ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ቅድሚ ሐዚ ዝተኸተበን ዘይተኸተበን ኩሎም ህፃናት ክኽተቡ ኣለዎም ኢሎም። ኣብቲ ወፍሪ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ ዉዳበታት፣ ዝተፈላለዩ መድረግቲ ኣካላትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ንተፈፃምነቱ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ‘ውን ኣረጋጊፆም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም