ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ ሕጊ ዘኽብር ሕብረተሰብ ምፍጣር ወሳኒ’ዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት 1 ሽሕን 347 ወገናት ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ ሕጊ ዘኽብር ሕብረተሰብ ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡እዚ ዝተገለጸ “ህይወት ፣ ኣካልን ንብረትን ነድሕን “ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ምክልኻል ሓደጋታት ትራፊክን ግልጋሎት መጓዓዝያን ‘ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ፤ ትራንስፖርት ትግራይ ብምሕዋይ ቁጠባ ትግራይ ምሕዋይ ከምዝግባእ ገሊፆም።ሕብረተሰብና ኣብ ትራንስፖርት ዝረአ ፀገም ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፍፅም ከምዝግባእ ኣመላኺቶም። ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ ሕጊ ዘኽብር ሕብረተሰብ ምፍጣር ወሳኒ ከምዝኾነን ኣብ ትግራይ ብዝተፈላሉዩ ምኽንያታት መጠን ሓደጋ ትራፊክ ብልዑል ናህሪ ይዛይድ ከምዘሎ ብምሕባር ፣ ብምዃኑ ድማ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረት ልዑል ኪሳራ የጋጥም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ድማ ልክዕ ከም ኻልኦት ቢሮታት ብዙሕ ዕንወት ዝበፀሖ ቢሮ እንተኾነዃ ብዘለወዎ ውስን ዓቕሚ ፋሕጠርጠር ብምባል ዘሎ ፈታኒ ብምፅዎር በቢብርኩ ዘሎ ኣካል ተናቢቡ ዝሰርሐሉ ኩነታት ከም ዘሎ ሓቢሮም። ትራንስስፖርት ናይ ሓንቲ ዓዲ ድምፂን መሰረት ዓንዲ ሑቖ ሓንቲ ዓዲ ‘ዩ፤ ይኹን’ምበር ናይ ኣመለኻኽታ ስሕተት ዝወለዶ ኣብ ትራንስፖርት ዘለና ኣመላኻኽታ ትሑት ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ታደለ ፣ ከም ቢሮ ምስ መሓውሩ ዝሰርሖም ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ብምሕባር፣ ብዋናነት ግና ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስ ሕጊ ዘኽብር ሕብረተሰብ ምፍጣር ወሳኒ ‘ዩ ኢሎም።

ፀገም ነዳዲ ኣብ ግልጋሎት መጎዓዝያ ልዑል ዕንቅፋት ፈጢሩ ቀፂሉ ከምዘሎ ዘመላኸቱ ኣይተ ታደለ መንግስቱ፤ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፈታኒ ግዘ ከምዝነበረ፤ ተጓዓዝቲ ልዕሊ ዓቀን ዝፀዓንሉን ልዕሊ ታሪፍ ዝኸፍልሉን ኩነታት ከምዝተፈጠረን ገሊፆም። ኣይተ ታደለ ብተወሳኺ ኣብ መሰልጠኒ ማእኸላት ጥቡቕ ክትትልን ቁፅፅርን ክግበርን ስጉምቲ ክውሰድን ምዃኑ ዝገለፁ እንትኾን፤ኣብ ትራንስፖርት ዘጋጥሙ  ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ሕግታትና ብኣግባቡ ብምኽባር መስርሕን ኣሰራርሓን ብዝፈቕዶ መንገዲ ከምዝስራሕን ቴክኖሎጂ ብምትእትታው ዘለው ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ይስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

ሓደጋ ትራፊክን መንቀሊኡን ዝጠመተ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ዘቕረቡ መምህር ኣንዋር ሓረጎት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት 5 ሽሕን 511 ጠቅላላ ሓደጋ ትራፊክ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤በዞም ሓደጋታት ህይወት 1 ሽሕን 347 ከምዝሓለፈ፤ኣብ ልዕሊ 1 ሽሕን 909 ከቢድ ጉድኣትን ኣብ ልዕሊ 260 ወገናት ቀሊል ጉድኣትን ከምዝበፅሐን ገሊፆም።

ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ልዕሊ ገባር፣ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ልዑል ሓደጋ ከምዘብፅሐ ዝገለፁ መምህር ኣንዋር ፤ምኽንያት እዞም ሓደጋታት ልዕሊ ዓቐን ናህሪን ንእግረኛ ቅድምያ ዘይምሃብ ተጠቀስቲ ምዃኖም ገሊፆም። ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብወገኖም ኣብ ምሕደራ መናሃርያ ዝረኣዩ ፀገማት ስነ ምግባር ክፍትሑ፣ንፁር መምርሕን ኣሰራርሓን ተኸቲልካ ምስራሕ ከምዝግባእ፣ኣብ ምርግጋፅ ብቅዓት ማእኸላት መሰልጠንቲ ገናሕቲ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

እቶም ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ተኸታታሊ ናይ ግንዛበ መዕበይ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እንትኾን ፤ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ምክልኻል ተዋዲድካ ብምስራሕ ለዉጢ ክመፅእ ምስራሕ ከምዝግባር ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ዝረኸብናዩ ሓበሬታ የመለክት።

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You