
ጠዓሞት ዜና
ምትሕብባር ኢትዮ– እስራኤል
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጌድዮን ሳር ዘትዮም፡፡እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኦም ከምዝበልዎ፣ኣብ ዝሓለፈ ሰኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምስ ዘካየዱ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጌድዮን ሳር ርክብ ኢትዮ-እስራኤል ዕውት ዘተ ኣካይድና ኢሎም፡፡ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሃገራት ብመሰረት ታሪኽ ዝተሃነፀ ነዊሕ ዘበን ዝፀንሐ ርክብ ሎሚ እውን ቐፂሉ ክብሉ ብምግላፅ÷ ሎሚ ምትሕብባርና ብኢኮኖሚ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ማሕበራዊን ካልኦት ዓውዲታት ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኢሎም፡፡
ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ተኣኪቡ
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ባጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ግብርና ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2017 ዓ.ም እንተካይድ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፣ ኣብዚ ባጀት ዓመት 30 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ብምሽፋን ልዕል 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምእካብ ከምዝተተለመ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝሓለፊ ትሽዓተ ኣዋርሕ 31 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ምሽፋን ብምግላፅ፣ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኩንታል ፍሪያት ምእካቡ ገሊፆም።1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ቶን ቡን ምፍራዩ ብምግላፅ፣ 300 ሺሕ ኩንታል ቡን ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ሓቢሮም።
974 ተምሃሮ በሙያ ኣቬዩሽን ተመሪቖም
ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሙያ ኣቪዬሽን ዘሰልጠኖም 974 ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ ተተካኢ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ካሴ ይማምን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ተረኺቦም።
እቶም ተመረቕቲ ኢትዮጵያ ሓዎሱ ካብ ቻይናን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
7 ሺሕን 900 ኣቢያተ ትምህርቲ ተሃኒፆም
ብጎስጓስ ትምህርቲ ንወለዶ ልዕሊ 7 ሺሕን 900 ኣቢያ ትምህርቲ ህንፀቶም ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ፕሮግራማት ትምህርቲ መመሓየሺ ፅሬትን ዳዊት ኣዘነ ከምዝበሉዎ፣ ብብርኪ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝርከቡ 50 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርቲ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ትሕቲ ደረጃ ኢዮም።
ብጎስጓስ ትምህርቲ ንወለዶ ልዕሊ 7 ሺሕን 900 ቅድመ ስሩዕ፣ 1ይ ብርኪን 2ይ ብርኪን ሓደሽቲ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተሃነፁ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንኣብሪሆም፡፡
ብተመሳሳሊ 29 ሺሕን 900 ኣቢያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ሕድሳትን ፅገናን ከምዝተገበረ እቶም ሓላፊ አረዲኦም፡፡“ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑ ኣቢያተ ትምህርቲ መመሓየሺን ፅሬቱ ዝሓለወ ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ” ኢሎም፡፡ ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ንፍታሕ ካብ መሰረቱ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ‘ውን አገንዚቦም፡፡
ፅኑዕ መሰረት ርክብ ኢትዮ–ኮሪያ
ኢትዮጵያ ንናፅነት ኮሪያ ዝኸፈለቶ መስዋእትነት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ‘ዩ ክብሉ ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ጁንግ ካንግ ገሊፆም።መበል 74 ክብረ በዓል ዘመትቲ ኮሪያ ኣብ ፓርክ ዝኽሪ ዘመትትቲ ኮሪያ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተኸቢሩ።
ኣምባሳደር ጁንግ ካንግ፣ ቅድሚ 74 ዓመታት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሰላምን ነፃነትን ኮሪያ መስዋእትነት ከፊሎም ‘ዮም ኢሎም።እቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ሪፐብሊክ ኮሪያ ናብ ዝነበረቶ ንክትምለስ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘላቶ ምዕባለ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ኮሪያ ንዝነበራ ተሳትፎ መንግስቲን ህዝብን ሪፐብሊክ ኮሪያ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ከምዘለዎም ገሊፆም።ኢትዮጵያ ንነፃነት ኮሪያ ዝኸፈለቶ መስዋእትነት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ‘ዩ እውን ኢሎም።
ልምዓት ኮሪደር ንምሕዳስ ሓድጊታት ከተማ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሓድጊታት ብምሕዳስ ከም ብሓዱሽ ክፋለጡ ምግባር ከምዘኽኣሉ ከንቲባ ምምሐዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቅድም ክብል ሓድግነቶም ዘይተፈለዩን ዘይፍለጡን ሓድጊታት ብምፍላይን ብምሕዳስን ንቱሪስት መስሕብ ክፍቲ ከምዝኾኑ ‘ውን ኣፍሊጠን።
ኣብ ከባቢታት ፒያሳ፣ ኣራት ኪሎ፣ ቸርችል ጎዳናን ማዘጋጃ ቤትን ዝርከቡ ሓድጊታት ከምዝተፀገኑን ንበፃሕቲ ክፍቲ ከምዝተገበሩን እተን ከንቲባ ከም ኣብነት ኣልዒለን።
165 ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም
ብበዓል ሃፍቲ ሃለቃ ምጎስ ንጉሰ ካብ ሃገራት ሆላንድን ዴንማርክን ዝመፃ 165 ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ናብ ትግራይ ኣትየን።
እተን ኣላሕም መዓልታዊ ካብ 40 ክሳብ 50 ሊትሮ ፀባ ዝሕለባ እንተኾና ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ተወሰኽቲ 330 ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ከምዝኣትዋ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ሃለቃ ሞጎስ ቢዝነስ ጉሩፕ ኣይተ ንጉስ ኣባይ ገሊፆም።
ካብ ዘመናዊ ናይ ፀባን ውፅኢት ፀባን ምርባሕ ኣላሕም ልዕሊ 1100 ብቀዋምን ግዜያውን ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠርን ካብቲ ፋብሪካ ድማ 500 ወገናት ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም