ኣብ ትግራይ ተበፃሒነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ:- እናዓበየ ዝመፅአ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእንጋድ ዘኽእል ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናሰርሐ ምዃኑ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሪጅን መቐለ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት 175 ነጥቢ 92 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ትሑት መስመር ውሽጢ ንውሽጢ ከምኡ ‘ውን 135 ነጥቢ 14 ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ ማእኸላይ መስመር ከምዝተገበረ ንፋና ዲጂታል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዓዲግራት ፋፂ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ፍረወይኒ፣ ሓውዜን ውቕሮ፣ ኣጉላዕን ኣፅቢን፤ ንመንደር መስፋሕፍሒ፣ ንልምዓት መስኖ፣ ንስራሕቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምኡ ‘ውን ንዝተፈላለዩ ተግባራት ማኑፋክቸሪንግን ህንፀት ማእኸላት ዕዳጋ ቱሪዝምን ኣገልግሎት ዝህቡ 198 ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ትራንስፎርመራት ተኸላ ከምዝተወገነ ገሊፁ፡፡

እቲ ስራሕቲ መስፋሕፍሒ ኣብቶም ከባቢታት ኣብ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ማሕበራትን ፈጠርቲ ስራሕ ኢንተርፕራይዛትን ከምኡ ‘ውን ሓደሽቲ ኣፍረይቲ ትካላትን ሓደሽቲ ዓማዊልን ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብርክት ዝበሉ ልምዓት መስኖ፣ማይ ከርሰ ምድሪ፣ምስፍሕፋሕ መንበሪ ኣባይቲ፣ዝተፈላለዩ ኢንቨስትመንትን ህዝባዊ ግልጋሎታትን ምሃብ ዘኽእል 21 ነጥቢ 34 ኪሎ ሜትሮ ማእኸላይ መስመር፣59 ነጥቢ 47 ኪሎሜትሮ ታሕተዋል መስርመር ምዝርጋሕ ከምኡ’ውን ተኸላ 201 ትራንስፎርመር ኣብ ከባቢታት ከተማታት ዞባ ደቡባዊን ደቡብ ምብራቕን ንምክንዋን እናተሰርሐ ከምዝርገብ ተገሊፁ ክብል ኤፍ ኤም ኢ ፀብፂቡ፡፡

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You