
ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ‹‹ማሕበር ልምዓት ትግራይ›› ዘካየዶ ጉባኤ ኣባላት ቦርድ መረፃ ኣመራርሓ ስራሕ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ፌደራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ገሊፁ፡፡
እዚ ዝተገለፀ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣባላት ቦርድ መረፃ ኣመራርሓ ስራሕ ንምቕያር ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ስዒቡ ኮይኑ፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ንመምርሕታትን ኣሰራርሓን በዓል መዚ ዝተፃረረ ‘ዩ ክብል እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡ ንቐፃሊ እቲ በዓል መዚ ብቀረባ ድጋፍ ኣብ ዝገብረሉ ኩነታት ጉባኤ ተኻይዱ ኣባላት ቦርድ መረፃ ኣመራርሓ ስራሕ ክሳብ ዝካየድ ነባራት መራሕቲ እቲ ቦርድ በቲ በዓል መዚ ኣፍልጦ ዘለዎም ስለዝኾኑ ናይ ምምራሕን ምምሕዳርን ስራሕ ከሳልጡ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ማልት ዘካየዶ ጉባኤ መረፃ ከፋፋሊን ንሓድነት ማሕበር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን፣ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፅ ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ከይሰርሕ ዝገብር፤ ከምኡ ‘ውን እቲ ኣኼባ ካብ መተሓዳደሪ ደንቢ ማሕበር ወፃኢ ስለዝተኻየደ መረፃ ቦርድ መረፃ ኣመራርሓ ስራሕ ብሕጊ ኣፍልጦ ዘይወሃቦን ብበዓል መዚ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይሕጋዊ ፍፃመ ምዃኑ በዚ ነፍልጥ ክብል ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ገሊፁ።
ብተወሳኺ ምስ እዙይ ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት፣ ፋይናንሳዊ ንጥፈታትን ካልኦት ውሳነታትን ብሕጊ ዘሕትቱ ከምዝኾኑ ዘተሓሳሰበ እቲ በዓል መዚ፤ ዕላማ ትካላት ግብረ ሰናይ ንህዝቢ ሰናይ ተግባር ንምፍፃም ስለዝኾነ ስርሐን ክግምገም፣ ቀፃሊ ኣንፈታት ክውሰን፣ መረፃ ብሙሉእ ድምፂ ክካየድ ከምዝግባእ ገሊፁ፡፡
መረፃ ቦርድ ማልት ብዘይተለምደ መንገዲ ኣባላት ዝተኸፋፈልሉ፣ ነቲ ማሕበር ስግኣት ዝፈጥር ኮይኑ ምክያዱ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ በዓል መዚ ሓባራዊ ምርድዳእን ዝፍጠረሉ፣ ሓድነት ማሕበር ዝጠናኸረሉ፣ ከምኡ ‘ውን እቲ ማሕበር ንመፃኢ ዘካይዶም ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ዓቕሚ ዝፍጠረሉ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፁ፡፡
ምስዚ ተኣሳሲሩ ዘጋጠመ ኩነታት እቲ ማሕበር ዝተኸፋፈለ ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ብዝግባእ ከረጋግፅ ከምዘይክእል ከምዝገበሮ ብምግንዛብ፣ እቲ በዓል መዚ እቲ መረፃ ካሊእ ግዜ ክካየድ ኣንፈት ብምቕማጥ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝካየዱ ተግባረት ኣፍልጦ ከምዘብሎም ኣፍሊጡ፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም