ዓለምለኸ ወርክሾፕ ጂኦፖርክታትን ጂኦቱሪዝምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ዓለምለኸ “ጂኦፓርክታትን ጂኦቱሪዝምን ንዘላቒ ለምዓት ዘለዎም ግደ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሰናዳእ ወርክ ሾፕ ካብ 4 ክሳብ 5 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ‘ዩ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፣ እቲ ወርክሾፕ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጂኦፓርክታትን ጂኦቱሪዝምን ዘለዎም ግንዛበ ክብ ብምባልን ዓቕሞም ብምጥንኻርን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ግሎባል ፕሮጀክትታት ጂኦፓርክስ ንምጅማር ዘኽአል ምንቕቓሕ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ዩኔስኮ ክሳብ ሐዚ ኣብ 50 ሃገራት 229 ዓለም ለኸ ጂኦፓርክታት ብምምዝጋብ ፈሊዩ ሓለዋ ይገብር ከምዘሎ ‘ውን ገሊፀን። ካብ መንጎ እዚኣቶም ኣብ ኣፍሪካ ተመዝጊቦም ዘለዉ ክልተ ጥራሕ ከምዝኾኑ ሓቢረን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ወርክሾፕ ካብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ታንዛኒያ፣ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 100 መዳርግቲ ኣካላት ከምዝሳተፍሉ ኣብሪሀን።

ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ሪታ ቢሶናውት (ዶ/ር) ብግደአን፣እቶም ተሳተፍቲ ጂኦ-ፓርክታት ከመይ ምጥያሽን መትእንጋድን ከምዝኽእሉ፣ ዘምድና ጂኦፓርክታትን ጂኦቱሪዝምን ብዝምልከት ስልጠናታት ከምዝወሃቡ ገሊፀን።

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You