“ኣብ ክልልና ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ሰላም ብምዕሳሉ ንሕብረተሰብ ተጠቃማይ ልምዓት ንምግባር እናሰራሕና ኢና” – መንገሻ ፈንታው(ዶ/ር) ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፡– ብሓይሊ ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻልን ብዝተገበረ ርብርብ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት እቲ ክልል ሰላም ክዓስል ምግባር ስለዝተኽኣለ ንሕብረተሰብ ተጠቃማይ ልምዓት ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ፈንታው(ዶ/ር) ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጥዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብመንግስቲ ፌዴራል ኾነ ብመንግስቲ እቲ ክልል ብሓባር ብዝግበሩ ምርብራባት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንፃራዊ ዝኾነ ሰላም ክዓስል ኽኢሉ። መብዛሕቲኦም ከባቢታት ናብ ዝነበርዎ ሰላም ተመሊሶም። ኣብ ከተማታት ሰላማዊ ምንቅስቓስ ዘሎ እንትኸውን፤ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንማሕበረሰብ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ኩሎም ዞባታትን ወረዳታትን ናይ ከባቢ ሚሊሻን ሓይሊ ምኽባር ሰላምን ብምውዳድ ብዝግበር ርብርብ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብቲ ክልል ሰላም ምዕሳል ምኽኣሉ “ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት ግብርናና ዝርግሐ ድኹዒ ሓመድ ብሰፊሑ ናብ ሓረስቶት ንኽበፅሕ ስለዝተገበረ ፍርያትን መፍረያይነትን ንኽዓቢ ምርብራብ እናተገበረሉ ዝርከብ ኩነታት ኣሎ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 8 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ንምምፃእ ተተሊሙ ካብዚ ውሽጢ እቲ ሰለስተ ነጥቢ 7 ሚሊዮን ወይ ድማ 43 ሚኢታዊ ዝኸውን ወደብ ዝበፅሐ ምዃኑ ተዛሪቦም። ዛጊድ ‘ውን ንሓረስቶት 3 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዝኸውን እናተኸፋፈለ ምዃኑ ኣረዲኦም። ሓይሊ ፀጥታ እቲ ክልልን ምክልኻል ሰራዊትን ብሓባር ብዝገበርዎ ጥምረት ፅንፈኛ ሓይሊ ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ብምሕላፍ ዝርግሐ ድኹዒ ናብ ሓረስቶት ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ መዳይ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ 9 ሽሕን 87 ተፋሰሳት ናይ ምልማዕ ስራሕቲ ተሰሪሑ፤ በዚ መንገዲ ብርክት ዝበሉ ጎቦታት ብልምዓት ተፋሰስ ንኽሽፈኑ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። “ብቐንዲ ቐንዲ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ድማ 366 ሽሕን 649 ሄክታር መሬት ንምስራሕ ተተሊሙ፤ ካብዚ ውሽጢ 336 ሽሕን 654 ምፍፃም ተኻኢሉ” ኢሎም። ኣብዚ ስራሕ ‘ውን 4 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ዝኸውን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምስታፉን እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ‘ውን ኩነታት ፀጥታ እቲ ክልል እናተመሓየሸ ብምምፅኡ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ‘ውን ሓደ ነጥቢ 62 ቢሊዮን ዝኸውን ፈልሲ ንተኸላ ከምዝተዳለወ ኣመላኺቶም፤ ካብዚ ውሽጢ 85 ሚኢታዊ ቆፀራ ተኻይዱ ሓደ ነጥቢ 32 ቢሊዮን ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ‘ውን ፈልሲ መትከሊ ጉድጓዳት ከምዝተኹዓቱን መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ተኸላ ከምዝሳተፍን ኣረዲኦም።

ኣብ መዳይ ልምዓት ዝራእቲ ሰፊሕ ስራሕቲ ጎስጓስ ኣብ ዞባታትን ከተማታትን እቲ ክልል ከምዝተሰርሐ ገሊፆም፤ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበለ መሬት ክልልና ንልምዓት ዝራእቲ ድሉው ተገይሩ፤ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ‘ውን ወሰንቲ ዝኾኑ ድጋፋት እታዎትን ቴክኖሎጅን እናተገበሩ ‘ዮም” ክብሉ ኣብሪሆም።

ከምገለፃ እቶም ሓላፊ፤ ኣብቲ ክልል ጥንኩር ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ስለዝተሰርሐ ዓቕሚ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ እናማዕበለ መፂኡ። ኣብ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ሎሚ ዓመት ሰፊሕ ኣድህቦ ተዋሂቡ ስለዝተሰርሐ ንመፈፀሚ ንሕብረተሰብ ዘድልዩ ማሕበራዊ ስራሕትን ስራሕቲ ልምዓትን ዝዋእል ዓቕሚ ፋይናንስ እናጎልበተ መፂኡ ኣሎ።

ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተመዝገበ ውፅኢት ኣዝዩ ዝበረታታዕ ዘይምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፤ “ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 07 ሚሊዮን ዝኾኑ ተምሃሮ ንምምዝጋብ ተተሊሙ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን በቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣፈፃፅማና ክንድቲ ዝድለ ኣይነበረን” ብምባል ተዛሪቦም። ዝተዓፀዉ ኣብያተ ትምህርቲ ንክኽፈቱ ሰፊሕ ርብርብ ተገይሩ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክቕፅል ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ሕዚ ‘ውን ዘድልዩ እታዎታት ምምላእ ዝግባእ ብምዃኑ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ብዝሓሸ ኩነታት ኩሎም ህፃናት እቲ ክልል ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንኽምለሱ ንምግባር ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ኣገንዚቦም። “ፅንፈኛ ሓይሊ ብርክት ንዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ካምፕ ገይሩ መፅሓፍቲ እናቃፀለ፤ ንብረታት እናዕነወ፤ መምህራን እናቐተለ፤ እናሳቐየ ልዑል ፀቕጢ እናብፅሐፀኒሑ ‘ዩ” ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ብዝተገበረ ዕቱብ ፃዕሪ ሰላም ብምዕሳሉ ንኣብያተ ትምህርቲ ማእኸላት ትምህርቲ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ምስ ብሄራዊ ፈተና ተተሓሒዙ ‘ውን 470 ኣብያተ ትምህርቲ 99 ሽሕን 880 ተምሃሮ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ከምዝፍትኑ ኣፍሊጦም። ሻምናይ ክፍሊ ድማ ኣብ 2 ሽሕን 642 ኣብያተ ትምህርቲ 148 ሽሕን 256 ተምሃሮ፤ ብሄራዊ ፈተና ሻድሻይ ክፍሊ ድማ ኣብ 3 ሽሕን 551 ኣብያተ ትምህርቲ 154 ሽሕን 260 ተምሃሮ ፈተና ክወስዱ ‘ዮም። ኣብዚ መዳይ መምህራን ንተፈተንቲ ተምሃሮ ናይ ምብቃዕን ብዝሓለፎም ትምህርቲ መከሓሓሲ ትምህርቲ ናይ ምሃብን ስራሕቲ ኣብ ትርፊ ሰዓቶም ‘ውን እናሰርሑ ምዃኖም ኣብሪሆም። እዚ ንክሳኻዕ መንግስቲ እቲ ክልልን ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልልን ልዑል ትኹረት ምሃቦም ኣገንዚቦም።

ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም። “ኣብዚ ዓመት 4 ሽሕን 229 ዝኾኑ ሓደሽቲ መምሀሪ፣ ናይ ምምሕዳር፣ ቤተ- መፅሓፍቲ፣ ቤተ-ፈተነን ናይ መምህራን መፅለሊ ክፍልታትን ሃኒፅና” ኢሎም። ብተወሳኺ 11 ሽሕን 538 ንዝኾኑ መምሀሪ፣ ናይ ምምሕዳር፣ ቤተ-መፅሓፍቲ፣ ቤተ-ፈተነን ናይ መምህራን መፅለሊ ክፍልታትን ፅገና ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ነዚ ‘ውን መንግስቲ እቲ ክልል ናብ 3 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ብር በጀት ምምዳቡ ተዛሪቦም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ‘ውን ሰለስተ ፍሉያት ሓደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ እናስርሐ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣፈፃፅምኦም 39 ሚኢታዊ ምብፅሑ ‘ውን ኣመላኺቶም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You