
ዜና ጠዓሞት
ቻይና ንምህርትታት ኣፍሪካ ካብ ቐረፅ ናፃ ክትገብር ‘ያ
ቻይና ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪካ ተእትዎም ምህርትታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ቐረፅ ናፃ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣብ ኣኼባ ቻይና-ኣፍሪካ ኣፍሊጣ።
ቕድሚ ሕዚ ካብ ቐረፅ ናፃ ዕድል ተጠቀምቲ ዝነበራ 33 ሃገራት ኣፍሪካ ጥራሕ ምንባረን ዝፍለጥ ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝልእኽኦም ምህርትታት ወሰኽ ቐረፅ ከጋጥመን ይኽእል ‘ዩ ኣብ ዝተብሃለሉ ኣብዚ እዋን፤ ቻይና ነዚ ውሳነ ምሕላፋ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣማራፂ ዝህብ ዕድል ምዃኑ ተሓቢሩ።
ቐዋሚ ኤግዚቢሽን ሳይንስ ሙዝየም ብዕሊ ተኸፊቱ
እዚ ዘደንቕ ስራሕ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ለውጢ ነባሪ ኣየርን መልሲ ኢትዮጵያን፣ ግብርና፣ ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ ኤሮኖቲክስን ኣቪዬሽንን ዘድሀቡ ሓሙሽተ ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ ቐዋሚ ኤግዚቢሽን ሳይንስ ሙዝየም ብዕሊ ተኸፊቱ።
ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ቕርፂ ህዋ ሉላዊ ኣዳራሽ ምርኢት ‘ውን ዕላዊ ኾይኑ። ኣብቲ 1000 ሜትር ስኩየር ሜትርን 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ ኣዳራሽ ነዚ ዘመን ብዝብጀው 4k ቴክኖሎጂ ዲጂታል መርአዪ ምስሊ ዝተገጠመሉ’ዩ። እቲ ምስለ-ህዋ ልዑል ፅርየት ዘለዎ ኣዝዮም ዘደምሙ ምስልታት ብምቕራብ ናይ ህዋ ዓለም ኣቕሪቡ የርእይ።
እቲ ፍልጠት ንምድህሳስ፣ ንምምሃርን ንምልዕዓልን ምችው ዝኾነ ሳይንስ ሙዝየም ንዑደተኛታት ኽፍቲ ኾይኑ።
65 ሚኢታዊ ካብ ዋና መስመር ኤሌክትሪክ ተጠቃማይ ንክኸውን ይስራሕ ኣሎ
35 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ኦፍ ግሪድ፤ 65 ሚኢታዊ ህዝቢ ድማ ካብ ዋና መስመራት ኤሌክትሪክ ተጠቃማይ ንክኸውን እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጅን ዶ/ር ኢንጅነር ሱልጣን ወሊ ገሊፆም።
ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ተኻየደ መድረኽ ‹‹መሰረተ ልምዓት ስለኢትዮጵያ ›› ከምዝገለፅዎ፤ ዋላ ‘ኳ ልዑል ዝኾነ ወፃኢ መሰረተ ልምዓት እንተሓተተ ኢትዮጵያ ብኦፍግሪድ 35 ሚኢታዊ ህዝባ ንምብፃሕ እናሰርሐ ትርከብ።ብኻልእ ወገን መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ምብፃሕ ኣብ ዝኽእለሎም ከባቢታት 65 ሚኢታዊ ህዝቢ ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ልዕሊ 32 ሚሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ድሒኑ
ኣብ ዓሰርተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ውሽጢ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ውፅኢታት ምህርቲ ደኒ ብምህርቲ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ 32 ነጥቢ 86 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኸኣለ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤት ዕዮ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዴስክ ኣጠቓቕማ ውፅኢታት ደኒ ኣይተ ፀጋ መንገሻ ንትፕኢ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓሰርተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ውሽጢ ብብርኪ ሃገር ለኸ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ውፅኢታት ደኒ ብናይ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ተሰሪሑ።በዚ ‘ውን ካብ ወፃኢ ዝኣትው 3 ነጥቢ 75 ሚሊየን ቶን ውፅኢታት ደኒ ብምህርቲ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ 32 ነጥቢ 86 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ ኢሎም።
ብ4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዘህነፆም ፕሮጀክታት መሪቖም
ዩኒቨርሲቲ ጎንደር 4 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዘህነፆም 22 ፕሮጀክታት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን መሪቖም ከፊቶም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ÷ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሃገራዊን ትካላዊን ራኢ ኣብ ምዕዋት ጎደና ከምዝርከብ ኣልዒሎም። እቲ ዩኒቨርሲቲ 70 ዓመታት ዕዙዝ ናይ ምምሃርን ምእተ ዓመት ኣገልግሎትን ጉዕዞኡ ኣብ ዝዝክረሉ ዕለት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተመሪቆም።
ካብ ሞንጎ እቶም ፕሮጀክታት ማእኸል ሕክምና ጨረር መንሽሮ፣ መፍረዪ ሕክምና ፕላንት ኦክስጅን፣ መፍረዪ ሰብ ስራሕ እግሪ፣ ቤተ ፈተነ ቅድመ ሕክምና፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ከምዝርከቡዎም ተዛሪቦም። እቶም ፕሮጀክታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ኣፍሪካ ዝበለፁ ናይ ምርምር ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ንምዃን ዝሓዞ ትልሚ ንኸዕውት፣ ኣገልግሎቱ ብዝበለፀ እናዘመነን እናበረኸን ኣብ ህንፀት ወለዶን ሃገር ኣሰሩ ንኸንብር ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘለዎም ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ኽረምቲ ብወለንታዊ ግልጋሎት 2 ሺሕን 500 ገዛውቲ ክህነፁ’ዮም
ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ እዋን ክረምቲ ብስራሕቲ ግልጋሎት ግብረ ሰናይ 2 ሺሕ 500 ገዛውቲ ንምህናፅ ተሊምና ክብሉ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ምምሕዳር እታ ከተማ መክፈቲ መርሃ ግብሪ ግልጋሎት ወለንታዊነት ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኦ፤ ግልጋሎት ወለንታዊነት ባህሊ ኮይኑ ክቕፅል ዘለዎ ሰናይ ተግባር ‘ዩ። ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ሰብሃፍቲን ብምትሕብባር ስራሕቲ ወለንታዊነት ተጠናኺም ምቕፃሎም ሓቢረን።
18 ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ንምትግባር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብምሕባር፤ ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ንምህናፅ ምትላሙ ተገሊፁ።
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም