
አዲስ አበባ፡- ግደ መምህራን ተምሃሮ ብምምሃር ጥራሕ ዝውሰን ዘይኮነስ፤ ሃገራዊ ሰላም ኣብ ምስፋን፣ ምህርትን መፍረያይነት ንምዕባይን ዝተጀመረ ሃገራዊ ዘተ ሽትኡ ንምብፃሕ ኣድላይ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ድኻም መምህራን ብደመወዝ ዝልካዕ ዋጋ ከምዘይብሎም ‘ውን ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተወፃፅኡ መምህራን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ከምዝብልዎ፤ መንግስቲ ንሰላም ብዝሃቦ ልዑል ትኹረት ሚኒስቴር ሰላም ካብ ምምስራት ጀሚሮም ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ። ሰላማዊ መንገዲ ምርጫኦም ንዝገበሩ ኩሎም እቲ በሪ ኩሉ ግዘ ኽፉት ከምዝኾነ ‘ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወሲኾም ገሊፆም።
መምህራን ወለዶ ናይ ምፍራይ ሃገራዊ ተልእኾ ሒዞም ዝሰርሕዎ ስራሕ ድኻሞም ብመሃያ ዝግመት ዋጋ የብሎምን ብምባል፤ ንመምህራን ጥራሕ ብፍሉይ ኩነታት ወሰኽ መሃያ እንተገብራና ‘ውን እቲ ዘሎ ፀገም ኣይፍታሕን። ይኹን ‘ምበር መምህራን ዘልዕሉዎም ሕቶታት ብከይዲ ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓቢሮም።
መምህራን ንህንፀት ሃገር ኣድላይቲ ከምዝኾኑ ንኣምን ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፤ ነዚ ድማ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ንመምህራን ኣፍልጦ ከምዝተውሃበ ኣዘኻኺሮም። ዋና ልኡኽቶ መምህራን ወለዶ ንምፍጣር ምስራሕን ምድካምን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብመሃያ ክትመን ዘይኽእል ክቡር ዋጋ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም። ሕዚ ዘለናሉ ዘበን ብዕቱብ ምርዳእ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነቲ ዘበን እንተዘይተረዲእናዮ ድማ ትውልዲ ክቕፅል ክንገብር ኣይንኽእልን ኢሎም።
ዝተረከብናያ ሃገር ዕዳ ፣ ድኽነት፣ ፀገም ዘለዋን ሓድድነታ ዝተዳኸመትን ‘ያ፤ እዚ ደጋጊምና እንተተዛረብና ለውጢ የብሉን፤ ካብዚ ንምውፃእ ራኢን ትግሃትን የድሊ ኢሎም። መምህራን ዘሎ ፀገምን ዕድል ብደምቢ ክርድኡ ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፤ ነዚ ድማ ናይ ባዕሎም ሓገዝ ንኽገብሩን ንደቅና ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምውራስ ክሰርሑን ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ድህረ ሓቂ ዘበን መምህራን ሓቂን ፍልጠትን ኣብ ምፅራይ መሰረት ክኾኑ ከምዝግባእ ብምግላፅ፣ ነዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ግቡእ ትምህርቲ ምውሳድ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ሕቶ መምህራን ምስ ሰራሕተኛታት ካልኦት ዘፈራት እታ ሃገር ብምትእስሳር ብማዕቐፍ ፖሊሲ ኣብ ከይዲ ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕ ‘ውን ኣረጋጊፆም።
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም