
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ምዝዛም ህንፀት ግድብ ኣባይን ምጅማር ኣገልግሎት ተርባይናትን ሓዊሱ 6 ነጥቢ 8 ጊጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ከምዝተኸኣለ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ፒኤችዲ) ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ግድብ ኣባይ ሓዊሱ ሽዱሽተ ነጥቢ ሸሞንተ ጊጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ከምዝኸኣለ ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀት ግድብ ኣባይ እናተዛዘመ ብምዃኑ ናይ ማይ ምሓዝ ዓቕሙ ከምዝወሰኸ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ እቶም ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ተርባይናት ተዛዚሞም ናብ ስራሕ ምስ ዝኣትዉ ልዕሊ ሽዱሽተ ጊጋዋትን ፈረቓን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ንምርባሕ ዓሳ ሓዊሱ ንብዙሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ይፈጥር ከምዘሎ ‘ውን ጠቒሶም። ግድብ ኣባይ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ፕሮጀክት ጥራሕ ዘይኮነስ ምልክት ሓድነት ‘ውን ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኩሉ ዜጋ ብባዕሉ ፃዕሪ ዝሃነፆ ታሪኻዊ ግድብ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ሓደጋ እናስዐበ ካብ ሃገር ዝወፀሉ ዝነበረ ኩነታት ተቐይሩ ሐዚ ሃገር እናልመዐ ክውሕዝ ምግባሩ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ህንፀት እቲ ግድብ ናብ ምዝዛም ስለዝቐረበ ካብ ሐዚ ትኹረትና ሕብረተሰብ ከመይ ተጠቃምነቱ የረጋግፅ ዝብል ክኸውን ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ነዚ ድማ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምውህሃድ ከምዝስራሕ ገሊፆም። ብመሰረት ትንበያ ኢንስቲትዩት ሜትዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ልዕሊ ንቡር ዝናብ ክዘንብ ትፅቢት ከምዝግበር ዘመላኽት ምዃኑ ብምዝካር፤ ዝናብ ነቲ ግድብ ጠቓሚ ‘ኳ እንተኾነ መዓዝን ኣበይን ከምዝዘንብ ብምፍላይ ቅድሚ ሓደጋ ምፍጣሩ ኣድላዪ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ኣስሚረምሉ።
በዝሒ ዝናብ ከም ሓደጋ ምርኣይ ልሙድ ‘ኳ እንተኾነ ናብ ፅቡቕ ዕድል ተቐይሩ ንልምዓት ክውዕል ሕብረተሰብ ኣብ ጥቓ መንበሪ ቦታታት መዕቖሪ ጎዳጉዲ ብምኹዓት ግቡእ ምድላው ክገብር ይግባእ ኢሎም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም