
ኣዲስ ኣበባ ፡- ንፓርቲታት ተቃዋሚ ገይሩ ካብ ምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ገይሩ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብትኹረት ተሰሪሑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ምስ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ዝገበርዎ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ዘበን ዝፀንሐ ውድባት ተቓወምቲ ጌርካ ካብ ምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ጌርካ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብትሪ ሰሪሕና ኢና ኢሎም።
እዚ ኣተሓሳስባ ስግግር ንሰላማዊ ውድድር ባህሊን ንመፃኢ ኢትዮጵያ ተስፋን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ዝተጣየሸ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ፖለቲካዊ ምህዳር ምኽፋት ኣብ 2010 ዓ.ም ዝተወሰነ ቑልፊ ውሳነ ከምዝኾነ ‘ውን ገሊፆም። ከም ገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ቅዋም ተተሓዙ ‘ውን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመዝገቡ ውድባት ተኸታታሊ መድረኸ እናተኻየደ ፀኒሑ ‘ዩ።
ሎሚ ኣብዚ ሰሙን እናከየድናዮም ካብ ዘለው ዘተታት ዝምልከቶም ኣካላት ኣካልዝኾነ ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ዘተ ኣካይድና ክብሉ ገሊፆም። እቲ ዘተ ተወከልቲ ከካብ ዝመፅእሉ ከባቢ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምስማዕ እታወት ንምውሳድ ዝዓለመ ምዃኑ ‘ውን ኣረዲኦም ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላላዩ ክፋል ማሕበረሰባት ንኣብነት ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራን፣ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብን ከምኡ ‘ውን ተወከልቲ ነጋዶን ዝተታት ዘካየዱ ምዃኖም ዝዝከር ‘ዩ፡፡
ምስቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝካየድ ዘተ ቐፃላይ እንትኾን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ማሕበረሰብ ክፍታ’ውንት ዘተታት ከካይዱ’ዮም፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም