ውፅኢት ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ምምዕባል ዘተባብዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብምርካብ ኣብ ዘሕለፍዎ ምልእኽቲ፣ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዲዱስትሪታት 46 ሚኢታዊ ከመዝነበረ ኣዘኻኺሮም።ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመተን ፈረቓን 61 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ድማ ኣረጋጊፆም። ኣብ ፅባሕ ለውጢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምዕባል ኣብ ዝተመረፁ ሴክተራት ጭቡጥ ወፅኢት ንክርከብ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ልዑል ግደ ምፅዋቱ ገሊፆም።

ዘይተቐየረ ኢኮኖሚ ዝፀንዐ ሃገር ደው ከብልል ኣይኽእልን በዝብል መትከል ኢኮኖሚ ንምንቅስቓስ ዕላማ ካብ ዝተገበረሎም ሴክተራት ሓደ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለዉ ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ድማ ዓው ምፍራይ ናይ ኢኮኖሚ ዓንዲ ንምግባር ናይ 10 ዓመት ትልሚ ምዕባለ ናብ ስራሕ መእታዉ ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ካብ ወሽጢ ዓዲ ሓሊፉ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽእል ዓውዲ ግብርና ንምህናፅ ዓሊሙ ነቲ ዓውዲ ጠመተ ብምሃብ ናብ ስራሕ ከመዝተኣተወ ተዛሪቦም። እቲ ዓውዲ ንምጥንኻር ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ናይ ገብርና ዓውዲ ምዝማን ዝኽእሉ ብዙሓት ማሽናት አንተፍሪ ምፅንሑን በዚ ድማ እቲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ብዙሓት ማሽናት ምግጥጣምን ምፍራይን ምኽኣሉ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ተእትዎ ፍሪያት ሸቐጥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም። ዘይተቐየረ ኢኮኖሚ ዝፀንዐት ሃገር ደው ከብል ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምቕያር ግድን ‘ዩ፤ እዚ ዓወት ብዘይፈተና ዝተረኸበ ኣይኾነን ኢሎም፡፡

ኣብ ቐፃሊ ዝገጥሙ ፈተናታት ብፍታሕ ተኮር ምህዞ ብምቕራፍ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዘድሊ ጠቒሶም፣ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝተጀመረ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ዘተባብዕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢሎም፡፡ ፕሬዝዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፣ክፍተታት ኣሰራርሓ ብምቕራፍ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ሓደ ቢሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምቕራብ ምኽኣሉ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተኻየደ ዝርከብ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ 2017 ምስ ጎብነዩ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ብምዕባይ ንፅባሕ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነን ድሌት ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምውሳኽ ልዑል ሃገራዊ ዕቤት ምምሕያሽ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብቲ ኤክስፖ ዝቐረቡ ካብ ቆርበት ዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብብርኪ ዓለም መለክዒ ፅሬት ደረጃኦም ዘማልኡ ከምዝኾኑ ከምዝተዓዘቡ ተዛሪቦም።

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓለም ለኸ ደረጃኦም ዝሓለዉ ፍርያታት ምፍራይ ካብ ምኽኣሉ ንላዕሊ ንኢትዮጵያ ማእኸል ዕዳጋ ንምግባር ዘስፍሑ ከምዝኾኑ ‘ውን ኣብሪሆም፡፡ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ብምዕባይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ፅባሕ ዝሐሸ ንምፍራይ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብቲ ኤክስፖ ዝተርኣየ ምንቕቓሕ ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ከምዝውስኽ ብምሕባር፤ “እቶም ፍርያታት ኢትዮጵያ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋን ኢንዱስትሪ ተስፋ ፅባሕ እታ ሃገር ከምዝኾነ ዘርኢ ‘ዩ” ኢሎም።

ብትካላውን ዝተዋደደን ኣሰራርሓ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ምምሕያሽ ብዝብል ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬክሽን ኣዲስ ኣብ ተኻየደ ዘተ ፕሬዝዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፤ ክፍተታት ኣሰራርሓ ብምቕራፍ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ሓደ ቢሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምቕራብ ተኻኢሉ ኢሎም። እዚ ‘ውን ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ግዜ እንትነፃፀር 12 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ንኣፍራዪ ኢንዱስትሪ እናቕረቦ ዝርከብ ልቓሕ ብትሑት ወለድ እንትኸውን ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት 43 ቢሊዮን ብር ልቓሕ ንኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ምቕራብ ተኻኢሉ፤ ብመንፅር ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ግዜ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዕብየት ኣርእዩ ኢሎም።  

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You