
ትንታነ ዜና
መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ናይ ሾመንተ ዓመት ሽቶ ተተሒዙሉ ምልኣተ ህዝቢ ብምልዕዓል ካብ ጣብያ ክሳብ ውረዳ ካብ ወረዳ ክሳብ ዞባን ክልልን በቢብርኩ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናተገበረ ምፅንሑ ዝዝከር ‘ዩ። ዝሓለፉ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር እንታይ ከምዝመስልን ጎና ጎኒ ምድላው መጀመሪ ተኸላ ፈልስን ሃገር ለኸ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ሓደ መዓልትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምኽክር ምክያዱ ይፍለጥ።
እዚ ብብርኪ ሃገር ትኹረት ተዋሂብዎ ዝትግበር ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተሰሪሑ ስራሕቲ ኣብ ልምዓት ደኒ፣ ምክልኻል ፍግረ መሬት፣ ብለውጢ ነባሪ ኣየር ዘይቕየር ኢኮኖሚ፣ ኣብ ህልውና ተፋሰሳት፣ ምዕባይ ሃፍቲ ማይን ኣብ መሰል ካልኦትን እንታይ ውፅኢት ተረኺብዎ? ንዝቅፅልስ እንታይ ክስርሑ ተተለሙ ክስራሕ ኣለዎን እንታይ ይስራሕን ከ ኣሎ ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕርሻ ሚኒስቴርን ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን እንታይ ይብሉ?
መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ኣብ ልምዓት ደኒን ኢኮኖሚ ዓወታት ካብ ዝርከቦም ብተወሳኺ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ደገ እናተሓፀበ ዝኸይድ መጠን ሓመድ ብጣዕሚ ምቕናስ ምኽኣሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ይሕብሩ።
ፀብፃብ ግዜኢ ከምዝሕብሮ፤ ኣብዚ ናይ ክልተ ምዕራፋት ዝተኻየደ ጎስጓስ ተኸላ ፈልሲ ዝተተሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ኣብ ዘኽእል ኣፈፃፅማ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ‘ውን ንጥሙር ግብርናን ዓይነተ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎም ፈልስታት ንምትካል ልዑል ትኹረት ዝተወሃብዎ ‘ዩ።
ሓምላዋይ ኣሰር ብለውጢ ነባሪ ኣየር ዘይቕየር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝለዓለ ግደ እናበርከተ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፍልሲ ንምትካል ምትላሙን ብምሕባር፤ ብፍላይ በቢኽልሉ ብዝተዳለዉ ፈልስታት ልክዕ ብግቡእ ጉድጓድ ብምድላው ብኽነት ፈልስታት ምክልኻል ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።
መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ህልውና ተፋሰሳት ንምሕላውን ሃፍቲ ማይ ንመዕባይን ዓይነተኛ መሳርሒ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝርከብ ዝገልፁ ድማ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፤ ንሩባታት ኣባይ ኣዋሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላዩ ተፋሰሳት ስነምሕዳር ከባቢ ካብ ምሕላው ሓሊፎም መጠን ዝናብ ንክመሓየሽ ልዑል ግደ እናተፃወተ ምዃኑ ይዛረቡ።
ናይ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ኣቦ ወንበር ቴክኒክ ኮሚቴ ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ ዕውት ተግባር ክፍፀም ምኽኣሉ ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ኣብ ምክልኻል ምሽርሻር ሓመድ፣ ምምሕያሽ ፅርየት ማይ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣቕርቦት ማይን ኢነርጂን ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዝተረኸቦ ብፅንዓት ምርግጋፁ ‘ዮም ዝሕብሩ።
ከምኡ ‘ውን ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ እያሱ ኤልያስ (ፕ/ር) ክሳብ ሕዚ ብብርኪ ሃገር ካብ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ውሽጢ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ምፅዳቆም ብምሕባር፤ ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ ዝትከሉ ፈልሲታት ኩሎም ክፀድቑ ከምዝስራሕ ‘ዮም ዝሕብሩ።
ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ንሚዲያ ኮርፖሬሽን ፋና ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ምግባሮምን ካብ ዝትተኽሉ ፈልሲታት 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፈልሲ ፍራምረ ምዃኖም ገሊፆም ‘ዮም።
ብብርኪ ክልል ትግራይ ዘሎ እንተሪኢና ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 2016/17 ዓ/ም ልዕሊ 30 ሚሊየን ፈልሲ ተተኺሎም ካብዚ እቲ 70 ነጥቢ 07 ሚእታዊ ናይ ክንክን ስራሕቲ ኮስኳስ፣ ማይ ምስታይን ሓለዋን ከምዝተኻየደሎምን ካብቲ ዝተተኸለ ፍልሲ ድማ 86 ነጥቢ 78 ሚእታዊ ከምዝፀደቀ ኣብቲ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮን ደኒን ዝኾኑ ኣይተ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት ይግልፁ።
ኣይተ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብዚ ዓመት ዝትከሉ ናብ 71 ሚልየንን 6 ሚእቲ ሽሕን ፈልሲ ንምፍላስ ዝተተለመ እንትኾን ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብ 214 ጣብያታት ፈልሲ ናብ 35 ሚልየንን 678 ሽሕን 425 ፈልሲ ተዳሊዎም ኣለዉ ይብሉ።
ከም ገለፃ ኣይተ ተስፋይ፤ እቶም ዝትከሉ ዓይነታት ፈልስታት ናይ ውሽጢ ዓዲን ናይ ደገን ዓሌታት ዘለውዎም ኮይኖም፤ ፍልስታት ፍራምረ፣ ንቀለብ እንስሳትን ንፅባቀ ከተማን ዝኾኑ ብሓፈሻ ኩሉ ዓይነት ዘጠቓለለ ፈልሲታት ንምትኻል ምድላው ይግበር ከምዘሎን ነዚ ፈልሲ መትከሊ ዝኸውን ስራሕቲ ቦታ መረፃን ምኽላልን እናተወገኑ ከምዝኾኑ፤ ብርኪ ምፅዳቕ ፈልስታት ሓፍ ንምባል ድማ ስራሕቲ ጠሊ ዓቐብቲ እናተሰርሐሉን ከምኡ ‘ውን ናይ ጉድጓድ ኳዕቲ ንክመቻቸው መደብ ተታሒዙ ይሰራሕ ከምዘሎ ‘ዮም ዝገልፁ።
ጎናጎኒ ምድላው ፈልሲ ሓደጋ ብርሰት ሃፍቲ ተፍጥሮ ንምክልኻል ምስ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓን ኣተሓባበርትን ከምኡ ‘ውን ህዝብን ብምዃን ስራሕቲ ምርድዳእ እናተገበረ ከም ዘሎ ‘ውን ኣይተ ተስፋይ ወሲኾም ብምሕባር፤ ብልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝርባሕ፣ ብብርሰቱ ‘ውን ዝጉዳእ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ምዃኑ እቲ ህዝቢ ነናይ ባዕሉ ሃፍቲ ክሕልውን ካብ ውልቀ ተበለፅቲ ‘ውን ክከላኸል ኣለዎ ክብሉ ይዛረቡ፡፡
ብሓፈሻ ብብረኪ ሃገርን ክልላትን ትኹረት ተዋሂብዎ ዝትግበር ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ልምዓት ደኒ፣ ምክልኻል ምሽርሻር ሓመድ፣ ኣብ ህልውና ተፋሰሳት፣ ምዕባይ ሃፍቲ ማይን ኣብ መሰል ካልኦትን ዘተባብዕ ውፅኢት ክርከቦ ከምዝጀመረን ንዝቕፅል ካብዚ ብዝበለፀ ንምሕራሕ ተተሊሙ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይግበር ምህላው ‘ዩ ካብቲ ዝገለፅዎ ምርዳእ ዝክኣል።
ኣብረሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም