“ብሩህ ኣእምሮታት፣ ብኽእለት ዝበቕዑ ዜጋታት”

ኣዲስ ኣበባ:– ናይዚ ዘበን ወለዶ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ድኽነትን ድሕረትን ብምስዓር ተምሳሌት ብልፅግና ኣፍሪካ ዝኾነት ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነት ከምዘለዎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስቴር ክእለትን ዘዳለዎ መበል 4ይ ሃገር ለኸ ውድድር ኽእለት “ብሩህ ኣእምሮታት፣ ብኽእለት ዝበቕዑ ዜጋታት” ብዝብል ቴማ ኣብ ኢንስትትዮት ቴክኒክን ሙያን ፌዴሪኢ ይካየድ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ ነቲ ውድድር ክእለት ብዕሊ ኣብ ዝኸፈትሉ ከምዝተዛረብዎ፤ 27 ሚያዝያ መግለፂ መንነትናን ጅግንነትና ዘርአይናሉን ዕለት ‘ዩ። እዚ ውድድር ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ምክያዱ እቲ መዓልቲ ድርብ ረብሓ ንክህልዎ ይገብር።

ትዮጵያ ንወራሪ ሓይሊ መኪታ ሉኣላዊነታ ዝሓለወት ሃገር ምዃና ብምግላፅ፤ እዚ ወለዶ ሉኣላዊነት ሃገር ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ ተምሳሌት ኣፍሪካ ናይ ምግባር ድርብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ተዛሪቦም። መበገሲ ዘፈር ኢንዱስትሪ ውፅኢታት ቴክኒክን ሞያን ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ውድርር ዝተበታተነ ዓቅሚ ሃገራዊ ንኽድመር ይገብር ኢሎም።

ሃፍቲ ሃገር ብኣግባቡ ንምጥቃም ክእለት ወሳኒ ብምዃኑ መንግስቲ ነቲ ዘፈር ንምዕባይ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።  ምጥንካር፣ ዓቕሚ ምህናፅ፣ ተቓላዕነት ምቕናስ፣ ፈተውቲ ምብዛሕ ዓብዪ ተግባርና ክኸውን ከምዝግባእ ካብ ኣቦታትና ዝተማሃርናዮ ክብርታት ‘ዩ፤ እቲ ናይ ሓባር ልምዲ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእስሳርና

ጉዕዞ ለውጢ ሃገራት ዝውሰን ብበዝሒ ሃፍቲ ዘይኮነስ ብኣጠቓቕማ ሃፍቲ ምዃኑ ብምሕባር፣ሃፍቲ ሃገር ብግቡእ ንምጥቓም ድማ ክእለት ወሳኒ ኢሎም፡፡ ፈጠራን ክእለትን ልምዓት መድሓኒት ኢትዮጵያ ምዃኑ መንግስቲ ተገንዚቡ ሃገራዊ ዓቕሚ ብምድማርን ዓርሱ ዝኽኣለ ትካል ብምውዳብ ናብ ስራሕ ምእታው ገሊፆም፡፡

ኣብነት ብቴክኒክን ሞያን ስርዓት ስልጠና ሕርሻ ዘበናዊ ዝገብሩ፣ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝበለፀ ዝተመሓየሸ ውፅኢት ስሉጥን ዝገብሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታት እናፈጠሩ ብቑዓት ሰብ ሞያታት እናፈረዩ ይርከቡ ኢሎም።መናእሰይ ብፈጠራን ምርምር ሃገርን ናብ ብልፅግና ክሰጋገሩ ምብርትታዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትር ስራሕን ኽእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብወገነን፤ መበል 4ይ ሃገር ለኸ ውድድር ኽእለት ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ክእለት፣ ቴክኖሎጅን ተግባራዊ መፅናዕትን ምርምርን ዘድሀበ ‘ዩ ኢለን። እቲ ውድድር ብብርኪ ኮሌጅ፣ ክላስተርን ክልልን እናተሳለጠ ዝፀንሐ እንትኸውን ሕዚ ብብርኪ ሃገር ለኸ ሰዓርቲ ክፍለይሉ ‘ዮም።

እቲ ውድድር ኣብ 22 ዘፈራት ምድሃቡ ገሊፀን፤ ብኣርባዕተ ብርክታት ማለት ‘ውን ብብርኪ ኮሌጅ፣ ክላስተር፣ ክልልን ሃገር ለኸን ልዕሊ 100 ሽሕ ተሳተፍትን ተመልከትን ነቲ ውድድር ኣድሚቖምዎ። ኣብቲ ውድድር ዝርከቡ ቴክኖሎጅታት ናብ መሬት ንምውራድ ዝተፈላለዩ ድጋፋት በቲ ሚኒስቴር ከምዝግበር ሓቢረን፤ በዚ ‘ውን እቶም ምህዞታት ናብ ዕዳጋ ዝሰጋገሩሉ ኹነታት ናይ ምምችቻው ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ ኢለን።

እቲ ውድድር ካብ ክእለት ንላዕሊ ‘ዩ እንትንብል ናብ ብዝሃ ምህርቲ ዝተሰጋገሩ ቴክኖሎጂታት ዝተረኸብሉን ፀገም ብዙሓት ዝፈትሑ ቴክኖሎጅታት ብምዃኖምን ‘ዪ ክብላ ‘ውን ተዛሪበን። ኣብቲ መድረኽ ውፅኢት ክእለትን ሙያን ዝኾኑ ስራሕቲ ዝቐረቡ እንትኾን፣እቲ ውድድር ክሳብ 02 ጉንበት 2017 ዓ.ም ተኻይዱ ክዛዘም’ዩ፡፡

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You