መሰረት ካልኣይ ወለዶ ሓርበኝነት

ሓተታ- ዜና

ኢትዮጵያ ካብቶም ተኽብሮም ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት እቲ ሓደ መዓልቲ ሓርበኛታት ‘ዩ፡፡ መዓልቲ ሓርበኛታትን በቢ ዓመቱ 27 ሚያዝያ ኣራት ኪሎ ሓውልቲ ዓወት ዝኽበር እንትኸውን እዚ በዓል እዚ ኢትዮጵያ ድሕሪ ካልኣይ ወራር ጣልያን ኣብ 1933 ናፅነታ ዳግማይ ዝረኸበትሉ ‘ዩ፡፡

ስለዚ እዚ በቢ ዓመቱ 27 ሚያዝያ ዝኽበር ነዚ ንምዝከካር ኮይኑ ሎሚ ዘበን ንመበል 84 ግዜ ፕረዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ፣ ወለዲ ሓርበኛታት፣ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሃገር፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብዝተረኸብሉ ተኸቢሩ ውዒሉ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ፕረዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መዓልቲ ሓርበኛታት (መዓልቲ ዓወት) ነቲ ኣብ ኣፍሪካ ሰንደልደል ዝብል ዝነበረ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስዓሩ ዳግማይ ንዓለም ዘርኣናሉ ቃልሲ መዘከርታ ‘ዩ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ሓሳብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከምዝተሳዕረን ንዓለም ዳግማይ ዘርኣናሉ ቃልሲ መዘከርታ ‘ዩ፤ መዓልቲ ዓወት ምኽባር ንሕሉፍ ዘዛኻኽርን ተስፋ ፅባሕን ዘጉልህ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት እንመሃሮ ንሃገራዊ ናፅነትና ዘለና ቕንዕና፣ ልኡላውነትና ንምሕላው ዘለና ቆራፅነት ከምኡ’ውን ንበዓልና እንህቦ ልዑል ክብሪ ምዃኑ የማላኽቱ ይብሉ።

ከም ገለፃ እቶም ፕረዚደንት፣ ሰላምን ሓርነትን ምድላይ ዓለምለኻዊ ክብርታት እኳ እንተኾነ፣ ንኢትዮጵያውያን ግን ሰላምን ሓርነትን ካብ ግዳማዊ ሓይልታት እንመሃሮ ወይ ብፀጋ ዝተዓደለና ዘይኮነስ፣ ብናይ ባዕልና ቃልሲ እነረጋግፆ ምዃኑ ዘርኢ በዓል ‘ዩ ይብሉ።

ምጥንካር፣ ዓቕሚ ምህናፅ፣ ተቓላዕነት ምቕናስ፣ ፈተውቲ ምብዛሕ ዓብዪ ተግባርና ክኸውን ከምዝግባእ ካብ ኣቦታትና ዝተማሃርናዮ ክብርታት ‘ዩ፤ እቲ ናይ ሓባር ልምዲ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእስሳርና ብትዕቢትን ትምክሕትን ከይዳኸም ፀኒዕና ደው ክንብል ኣለና፤ ብዕብየትን ምዕባለን ሃገርና ዝቖረሮም ኣካላት ሃገርና ጠንካራ ቕልፅማ ኣርእያቶም እያ ክብሉ ይገልፁ-እቶም ፕረዝደንት።

ናዕቢ፣ ዓመፅ፣ ፅንፈኝነት እንተዘይተስተኻኺሉ፣ ናይ መወዳእታ ህይወት ምጥፋእን ሃገር ንድሕሪት ምጉታትን ምዃኑ ብምዝካር፤ መንገዲ ሰላምን ፍቕርን ምዕባለን ናይ ለባማትን ንፉዓትን ‘ዩ። ልምዓት ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍን ንምጥንኻርን ኩላትና ንሰላም ቕኑዓት ከንኸውን ኣለና ክብሉ ይገልፁ። በዚ ናይ ዓወት በዓል ዝዝከር ናይ ሰላምን ዕቤትን ዓወት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ግስጋሰ ኢትዮጵያ ደው ምባል ወይ ምዕንቃፍ ዝፍቀድ ተግባር ኣይክኸውንን ‘ዩ። ስለዚ ንድሌትን ሓሳብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዳፋእን ዘደናጉይን፣ ክሓስብን ክርዳእን ከምዘለዎ የመልክቱ።

ቐዳሞት ኣዴታትናን ኣቦታትናን ንናፅነት ሂወቶም ሰዊኦም ሃገር ኣውሪሶምና ‘ዮም። በዚ ድማ ንሕበን። እዞም ቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈልዎ ዋጋ ሎሚ ቕንዕ ኢልና ብናፅነትን ብኹርዓትን ክንኸይድ ኣኽኢሎምና ‘ዮም፡፡ እንተኾነ ብሰንኪ ድኽነትናን ድሕረትናን ናፅነትና ምሉእ ክኸውን ኣይከኣለን። ሎሚ ኢትዮጵያ ምሉእ ናፅነታ ንምርግጋፅ ካልኣይ ወለዶ ሓርበኛታት የድልያ።

ካልኣይ ወለዶ ሓርበኛታት ንኢትዮጵያ ናብ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ብምብፃሕ ናፅነታ ሙሉእ ዝገብሩ ‘ዮም። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማስያዊን ዓውድታት ኣብ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ ሓርበኛታት ‘ዮም ዝብሉ ድማ ነዚ በዓል ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ዘመን እዚ ናይ ሓርበኛነት ዕጥቒ ፍልጠት፣ ክእለትን ዲሲፒሊንን ‘ዩ። እቲ ወነ ፍቕሪ ሃገር፣ ቆራፅነት፣ ንፅህና ‘ዩ። እቲ ዕላማ ድማ ብልፅግና ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ዓባይ ንምግባር ክልቲኦም ዓይነት ሓርበኛታት የድልዩ። እዚ ዘመን ብዝበለፀ ካልኣይ ዓይነት ሓርበኛታት ይጠልብ። እዛ መዓልቲ እዚኣ መዘኻኸሪ ቀዳማይ ሓርበኛታት፣ ንካልኣይ ሓርበኛታት ድማ ዓቢዪ መሰረት ጥንካረ ክኸውን ተስፋይ ልዑል ‘ዩ ይብሉ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ህንፀት ክፍሊ ስነ-ልቦና ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን፣ ሃገራውነት ካብ ፍቕሪ ሃገር ዝነቅል ስምዒት ምዃኑ ብምግላፅ፤እቲ መዓልቲ መስዋእቲ ቀዳሞት ኣቦታትና ኣዴታት ዝዝክር ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ንሳቶም ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ሎሚ ክብረታን ልዑላውነታን ዝተዓቀበት ሃገር ተረኪብና። ሓይልታት ምክልኻል ካብ ዝሓለፉ ኢትዮጵያውያን ክብርን ልኡላውነትን ሃገር ብምውራስ ናፅነታ ዝተዓቐበት ሃገር ናብ መፃኢ ወለዶታት ንምስግጋር ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ እውን ኣመላኺቶም።

ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂሩት ካሳው (ዶ/ር)፤ ሓርበኛታትና ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዓባይ ሃገር ኣርኪቦምና ‘ዮም ክብላ ብምግላፅ፤ እቲ ኣዳባባይ ንመፃኢ ወለዶታት ሓወልቲ ዓወት ሓርበኛታት ክመሃረሉ ብዝኽእል ምልምዑ ጠቚመን። ፕረዚደንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳኒኤል ጆቴ መስፍን ብወገኖም፤ እቲ በዓል እንትኽበር ንናይ ቀደም ወረርቲ ንምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ ወለዶታት ንመፃኢ ከም ህዝቢ ዓቢዪ ሓላፍነቶም

ታሪኽ እቶም ሓርበኛታት ንወለዶታት ብመፃሕፍትን ብኻልእ መገድታትን ንምስናድ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎን ብምጥቋም፤ እቲ ዓወት ኣብተን ሓሙሽተ ዓመታት ፀገም ናይታ ሃገር ሰብ ውዕለታ ንምዝካር ቀዋሚ ቅርሲ ‘ዩ፡፡ ስለዝኾነ ቀፃሊ ወለዶ ነዚ ቅርሲ ብኸመይ ከምዝጥቀመሉን ንልምዓት ንምውዓል ክሓስብ ከምዘለዎ ጠቚሞም ‘ዮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You