
ኣዲስ ኣበባ፡- ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድጋፍን ተቐባልነትን ንኽረክብ ቐፃልነት ዘለዎ ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ኣስራሕቲ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ጌታሁን ሑሴን ኣፍሊጦም። እቲ ስራሕ ተሳትፎ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝሓትት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኢንጂነር ጌታሁን ሑሴን ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ህልውና ህዝቢ ሃገርና ምዃኑ ሕብረተሰብ ዓለም ብኣግባቡ ተገንዚቡ ድጋፍ ንኽህቦ ንምግባር ጥንኩርን ቐፃልነት ዘለዎን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ምስራሕ ይሓትት።
መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ወናኒት በሪ ባሕሪ ንምግባር ዝጀመሮ ጎስጓስ ዝበረታታዕ ምዃኑ ዝገለፁ ኢንጂነር ጌታሁን፤ ብፍላይ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታታት ብምጥቃስን ብመንፅር ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዋ ቁፅሪ ህዝብን፤ ብመንፅር እናዓበየ ዘሎ ኢኮኖሚኣን ናይ ዓርሳ ኣፍደገ ባሕሪ ምህላዉ ኽንደየናይ ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንመንግስቲ ጥራሕ ዝግደፍ ከይኮነስ ልክዕ ከም ግድብ ህዳሰ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝነቅሐ ተሳትፎ ዝሓትት፤ መዋቅር ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን በቢዘለውዎ ኾይኖም ክሰርሕዎ ዝግባእ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
‹‹ኤርትራ ክትግንፀል ከላ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣይሃባን ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ኣብ ሥልጣን ዝነበሩ ሓይልታት ህዝቢ እታ ሃገር ብምዕፋን ዘፈፀምዎ በደል ‘ዩ›› ዝበሉ ኢንጅነር ጌታሁን፤ ካብኡ ናብዚ ‘ውን እንተኾነ ኣብ ከይዲ ህዘቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምውህሃድ ብምምፃእ ናይ ሓባር ተረባሒ ዝኽወነሉ መንገዲ ምፍጣር ብዘይምኽኣሉ ኣረዲኦም።
‹‹ፈተውቲ ስልጣንን ኣነ እንተሞይተ ሰርዶ ኣይውቀል በሃልቲ ሓይልታት ብባህልን ብቋንቋን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ንምክፍፋል ፃዕሪ እናገበሩ ነይሮም›› ዝበሉ ኢንጅነር ጌታሁን፤ ዓብይ ሓሳብ ሒዝካ ንሓባር ብልፅግና ምስራሕ ንክሊቲኡ ህዝብታት ሃገራት ዝረብሕ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
እዞም ሓይልታት ዘሰጉሙ ዝነበሩ ፖሊሲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሓድነት ዕንቅፋት ኮይኑ ዘይምስምዕማዕ ንክፍጠር ዝዓለመ ከምዝነበረ ገሊፆም።
‹‹ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ካልኦት ሃገራት ፅዕንቶ ስለዝወድቃ ዕብየተን ብፈተናታት ዝተመልአ ‘ዩ። ብወደብ ካልኦት ሃገራት ተጠቂምካ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ዝግበር ፃዕሪ ብዙሕ ፈቀቅ ዘብል ኣይኮነን›› ዝበሉ ኢንጅነር ጌታሁን፤ እዚ ሓቂ ፍፁም ሰላማዊን ናይ ሓባር ተረባሕነት ማዕኸል ዝገበረ መልከዑ ንዓለም መንግስታት ምቅራብ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም። ወሲኾም ‘ውን ጎናጎኒ ድልየት ኢትዮጵያን ብምግላፅን ብምፍላጥን ጎረባብቲ ሃገራት ንክሕግዙና ምስራሕ የድሊ ኢሎም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም