“መንግስቲ ንሕቶታትና ብቕልጡፍ መልሲ ክህበና ይግባእ” – ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ  “ንሕቶ ሰራሕተኛታት ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ኣሎ” – ሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ነቶም ዘልዓልናዮም ሕቶታት ህፁፅ መልሲ ይሃበና ክብል ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ሓቲቱ፡፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን ብወገኑ ንሕቶታት ሰራሕተኛታት ምላሽ ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣይተ ካሳሁን ፎሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተገብረ ዘተ ሕቶና ተቐባልነት ረኺቡ ናብ ዝምልከቶም ሚኒስተራት ተሰጋጊሩ ኣሎ። ዝተወሰኑ ሕቶታት እኳ እንተተመለሱ መሰረታውን ወሰንቲን ሕቶታት ከምዘይተመለሱ ሓቢሮም።

“ዋላ’ኳ ኣብ 2017 ኣብ ሓባራዊ ትልሚ ስራሕ ተኻቲቱ ሓደ ግዜ ተዘራሪብናሉ እንተነበረ ህፁፅነት እቲ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ቦርድ ኣብ ቀረባ እዋን ክጣየሽ ኣትሪርና ንሓትት” ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ሰራሕተኛታት ብናፅነት ናይ ምውዳብ መሰል ብዝምልከት ንዝለዓልናዮ ሕቶ ብዝተዋህበ ኣንፈት ተዋዲድና ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ካሳሁን፤ ልክዕ ኣብ ናይ ምውዳብ ትኹረት ዝተዋሃቦ ዝተወደቡ ማሕበራት ኣብ ዘይቕበሉን ናይ ማሕበራት ኣባላት ኢ- ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ዝወስዱ ኣስራሕቲ መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዖም።

ኣብ ትካላት ስራሕ ቦታ ድሕንነትን ጥዕናን ብዝምልከት ብግቡእ ቑፅፅር ስራሕ ምግባር ብዘይምኽኣል ብዙሓት ዜጋታት መዓልታዊ ኣካላዊ ጉድኣትን ህይወት ምጥፋእን ከምዘጋጥሞም ብምጥቃስ፤ ብመሰረት ሕጊ ሓላፍነት ዝተዋሃቦም ኣካላት ግቡእ ስራሕ ክሰርሑ ፀዊዖም።

ኣብ ሚኒስትሪ ስራሕን ክእለትን ዲኤታ ሚኒስትር ዘፈር ጉዳያት ስራሕን ዕዮን ኣይተ ዳኒኤል ተሬሳ ኣብዚ ጉዳይ ንትፕኢ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፤ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብርክት ዝበሉ ሪፎርምታት እናካየደ ይርከብ፡፡

ደሞዝ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ መንገዲ እዮም ዝቕመጡ፤ እቲ ቀዳማይ ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብምምኽኻር ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ብዝግበር ስምምዕ ‘ዩ።

እቲ ሳልሳይ መንገዲ ድማ ከም ሃገር ዝተሓተ ደሞዝ ምቕማጥ ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ደረጃን ባህርን እቲ ስራሕ መሰረት ነየናይ ስራሕ ክንደይ ክኽፈል ከም ዘለዎ ንምፍላጥን ንምውሳንን ብዙሓት መፅናዕትታት ክካየድ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መፅናዕቲ ከካይድ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣዋጅ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ከም ዝተቐመጠ ገለልተኛ ቦርድ ደሞዝ ክቐውም ከም ዘለዎ ገሊፆም።

እዚ ገለልተና ቦርድ ደሞዝ ንምቛም ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ዲኤታ ሚኒስትር፤ ረቂቕ ደንቢ ምምስራት እቲ ቦርድ ተዳልዩ ምስ ማሕበራት ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ናይ መጀመርታ ዙርያ ዘተ ተኻይዱ ኣሎ። እቲ ሰነድ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘድሊ ኣሰራርሓታት ሓሊፉ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ቀሪቡ ንኽፀድቕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እቲ ደንቢ ፀዲቑ ቦርድ ዋላ እንተተጣየሸ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ዝተሓተ ደሞዝ ንምውሳን ክስርሑ ዝግበኦም ብዙሓት ቀፃልነት ዘለዎም ዕማማት ከምዘለዉ እውን ኣመልኪቶም።

ዝተሓተ ደሞዝ ዝውስን ዝተሓተ ስለ ዝኾነ ምውሳኑ ንባዕሉ ረብሓ ሰራሕተኛታት ንምሕላው ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን እምበር እንኮ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምጥቓስ፤ ኣብታ ሃገር ዝተሓተ ደሞዝ እንተተቐሚጡ እውን ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝግበር ክልተኣዊ ዘተ ቐፃልነት ከምዝህልዎ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ሰራሕተኛ ብናፅነት ክውደቡ መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ዳንኤል፤ ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝፍጠር ዘይምስምዕማዕ ኣብ ኣፍራይነት ልዑል ፅልዋ ኣለዎ። ቀንዲ ዕላማ ምውዳብ እተን ማሕበራት ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ክዛተያ ምግባር ምዃኑ ገሊፆም።

መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ሂቡ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ንኽውደቡ ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ምስ ኩሎም ወገናት ሓባራዊ ትልሚ ተነዲፉ ናብ ተግባር ተኣቲዩ ኣሎ። ካብቲ ዝተቐመጠ ሕጊ ወፃኢ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት እንተልዮም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣመልኪቶም።

ኣብ ስራሕ ቦታ ዝበፅሑ ጉድኣታት ንምንካይ ስራሕ ከምዝስራሕ ዝጠቐሱ ኣይተ ዳንኤል፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢንዱስትሪ ስርዓታት ድሕንነትን ጥዕናን ስራሕ እናተዘርገሐ ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ብኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ተውፃእፂኡ ብዝቐውም ኮሚቴ ኣቢሉ ፀገማት ዝፍታሐሉ ኩነታት እናተፈጠረ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብዚ መዳይ ዘሎ ሕፅረት ሰብ ሞያ ንምፍታሕ ኣብ ክልተ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ሞያ ድሕንነትን ጥዕናን ብደረጃ ዲግሪ ስልጠና እናሃቡ እዮም። ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ሓፀርቲ ስልጠናታት ዝወሰዱ ሰብ ሞያታት ስግኣት ኣብዘለዎም ኢንዱስትሪታት ተቖፂሮም ክሰርሑ እናተገበረ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት (ሜይዴይ) ብደረጃ ዓለምለኸ ንመበል 136 ግዜ፣ ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 50 ግዜ ሎሚ 23 ሚያዝያ 2017 ይኽበር ኣሎ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You