ግደ ኢንዳስትሪ ባህሊ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፣ እሴት፣ ክብርታትን ሓድግታትን

መንበሪት ብዙሓት ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ዝኾነት ሃገርና ዓይነተ ብዙሕ ኣደነቅቲ ባህልታት ዝተዓደለት ‘ያ። ብፍላይ ከም ትግራይ ዝበለት ማእኸል ዝተፈላላዩ ስልጣነታት ኮይና ዝሓለፈት ድማ ኣብ ዝተፈላላዩ ዘመናት ዘዋህለለቶም መግለፂ መንነት ዝኾኑ እሴታት ናይ ባህሊ ሃፍታም ንክትኸውን ከምዝገብራ ይግለፅ:: ወናኒት ብዙሕ ሃፍትታት ባህሊ እንተኾነት ‘ውን ባህልታት ኣብ ምዕቃብን ናብ ኩለመዳያዊ ረብሓታት ኣብ ምልዋጥን ብዙሕ ስራሕ ዘይሰረሐትን ነዚ ንምስራሕ ድማ ንፅባሕ ዝበሃል ዋኒን ከምዝይኮነን ዝምልከቶም ሰብ ሞያ እቲ ዓወዲ እናሓበሩ ይረከቡ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ባህሊ ምስራሕ ንፅባሕ ዘይብሃል ስራሕቲ ከምዝኾነ ዝኣመነ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዝሓለፉ ሰሙናት መደረኽ ብምድላው ኣብ ዘፈር ባህሊ ኢንዳስትሪ ምስ ዝነጥፉ ትካላት፣ ዉዳበታትን ማሕበራትን ካልኦት ዝምልከቶም መዳረግቲ ኣካላትን ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ባህሊ ዘድሃበ መድረኽ ምግባሩ ብዝተፈላላየ ሚድያታት ተፀብፂቡ ‘ዩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ እንታይነትን ኣድላይነትን ባህልን ኢንዳስትሪ ባህልን፣ ኢንዳስትሪ ባህሊ ኣብ ምዕቃብ መንነትን ሓድግን ኣብ ምንቕቃሕ ቁጠባን ማሕበረሰባዊ ተረባሕነት፣ ተሞክሮ ሃገራት ኣብ ኢንዳስትሪ ባህልን ንጠቕላላ ሃገራዊ ምህርቲ ኣብ ዓድታት ዘለዎ ኣበርክቶ፣ ኣድላይነት ናይ ሕጊ ማዕቀፋት ንዕብየት ባህሊ ኢንዳስትሪ፣ህልው ፈተናታት ኢንዳስትሪ ባህሊ ትግራይን ብቀፃሊ ክውሰዱ ዝግበኦም መፍትሕታትን ኣብ ዝበሉን ከምኡ ‘ውን ኣብ ስሉጥ ልምዓት ኢንዳስትሪ ባህሊ ትግራይ ንምዕባይ ከም ትግራይ ከምኡ ድማ ከም ዓለም ዘለው ፅቡቓት ዕድላትን ከመይ ክንጥቀመሎም ከምዝግባእ ኣብ ዝብሉ ዘተ ተሳሊጡ ‘ዩ::

ኣብቲ መድረኽ ከምዝተሓበረ፤ ኢንዳስትሪ ባህሊ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፣ እሴት፣ ክብርታትን ሓድግታትን ትግራይ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ። ኣብ ኢንዳስትሪ ባህሊ ተዘይተሰሪሑ ባህልና ብናይ ካልኦት ባህልታት ክውረር ዝኽእለሉ ዕድል ከምዘሎ ‘ውን ተመላኺቱ ‘ዩ።

ኢንዳስትሪ ባህሊ ድሕሪ ኲናት ከመይ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ክዝተየሉ ከምዘድሊ ዝገለፁ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር፤ እቲ ኢንዳስትሪ ማእኸሉ ጥበብን ምህዞን ዝገበረ፣ ብከባቢ ከይተሓፀረ ክዕምብብ ዝኽእል ኢንዳስትሪ ምዃኑን ኢንዳስትሪ ባህሊ ትግራይ ገዚፍ ማሕበራዊ ሓላፍነት ዘለዎ፣ ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ቁጠባ ዝፈጥር ኢንዳስትሪ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብቲ ኢንዳስትሪ ሰብ ሃፍቲ ክሳተፍሉ ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።

ነቲ ኢንዳስትሪ እንሪአሉ ኣመለኻኽታ መሊስካ ክርኣይ ከምዘለዎ ዝገልፁ ዶክተር ኣፅበሃ፤ ኣብ ቀፃሊ ነቲ ኢንዳስትሪ ብምድጋፍ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፣ እሴት፣ ክብርታትን ሓድግታትን ትግራይ ተቀራሪብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን የረድኡ።

“እንታይነትን ኣድላይነትን ኢንዳስትሪ ባህሊ” ዝብል ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክኢላ ኢንዳስትሪ ባህሊ ኣይተ ዳዊት ትካቦ ብወገኖም፤ ኢንዳስትሪ ባህሊ ኣብ ሕውየት በሰላ ስነ ልቦና ‘ውን ከምዝስረሐሉ ብምግላፅ፤ እቲ ኢንዳስትሪ ባህሊ ክስፍሕ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ህያው ኮይኑ ክነብር፣ ማሕበራዊ ርክባት ክዓቢ ዘኽእል ጉልበት ዘለዎ ምዃኑ ኣብሪሆም ‘ዮም።

ከም ገለፃ ኣይተ ዳዊት፤ እቲ ኢንዳስትሪ ብዝተፈላለዩ ቅርፅታት፣ ብፊልሚ ፣መፃሕፍቲ ፣ሕትመታት ድጅታልን መዛግብቲ ብማህደርነት ንቀፃሊ ወለዶ ዝመሓላለፈሉ ኮይኑ ብመዳይ ቁጠባ ‘ውን እቲ ኢንዳስትሪ ብንእሽተይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ዝከኣልን ሰብ ሓይሊ ብሰፊሑ ዝጥቀም ብምዃኑ ሰፋሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ‘ዩ።

እቲ ኢንዳስትሪ ብመንፅር ዘለዎ ሃፍቲ ክንድቲ ክንርበሐሉ ዝግባእ መነባብሮ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘለው ኣብ ምልዋጥን ማሕበራዊ ርክብ ኣብ ምጥንካርን ኣይተሰረሐሉን ዝብሉ ኣይተ ዳዊት፤ ማዕቐፍ ሕጊ፣ደገፍ ፋይናንስ፣መበረታትዒ ኢንቨስትመንት ኣብ ምቕራብ፣ እዋኑ ዝጠልቦ ስልጠናታት ኣብ ምሃቦን ክፍተታት ዕዳጋ ኣብ ምምላእን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክስራሕ ከምዘለዎ ‘ውን የመላኽቱ።

ኢንዳስትሪ ባህሊ ትግራይ እዋኑ ዝሓለወ ፍርያት ምቅራብ ዘይምኽኣሉ፣ ምስ ከባብያውን ዓለማውን ዕዳጋ ዘይምትእስሳሩ፣ትካላትን ሰብ ሃፍትን ብዘፍረይዎ ልክዕ ተረባሕቲ ዘይምዃኖምን ካልኦት ብድሆታትን ከምዘለውዎን ኣብ ኢንዳስትሪ ባህሊ ትግራይ ተዘይተሰረሑ ባህልና ብናይ ካልኦት ባህልታት ክውረር ልዑል ዕድል ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ዳዊት፣ ባህሊ ንምዕቃብ ብበዝሕን ፅሬቶም ዝሓለውን ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ምቅራብ ከምዘድሊ፣ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዝሳተፉ ትካላትን ማሕበራትን ‘ውን ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ኣሰራርሓ ክህሉ ምስራሕ ከምዝግባእን ኣመላኺቶም ‘ዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ወከልቲ ማሕበራት ኪነ ጥበብን ባህልን ብወገኖም፣ እቲ ኢንዳስትሪ ክዓቢ ዘለው ፀገማት ኣብ ብምፍታሕ ሓገዝ ተተገይሩ፤ እተን ማሕበራት ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፣ እሴት፣ ክብርታትን ሓድግታትን ትግራይ ዕዙዝ ግደ ከበርክታ ከምዝኽእላ ‘ዮም ዝገልፁ።

እንትጠቃለል፤ ብፍላይ ትግራይ ዋናኒት መግለፂ መንነት ዝኾኑ ብዙሓት ሃፍትታት ባህሊ እንተኾነት ‘ውን እዞም ባህልታታት ኣብ ምዕቃብን ናብ ኩለመዳያዊ ረብሓታት ኣብ ምልዋጥን ስራሕ ኣብ ምስራሕ ንፅባሕ ዝበሃል ዋኒን ስለዘይኮነ ኩሉም ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካልት ምዝታዮም ዝበረታታዕ ኮይኑ ሓሳባት ናብ ተግባር ንምውዓል ድማ ኩሎም ግድኦም ክዋፅኡ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You