
ኣካል እቶም ሸውዓተ ዓበይቲ ውድድራት ማራቶን (ቶኪዮ፣ ለንደን፣ ሲድኒ፣ በርሊን፣ ቺካጎን ኒውዮርክን) ዝኾነ ማራቶን ቦስተን ሎማዓንቲ ክካየድ ‘ዪ። ኣብቲ ንመበል 129 ግዜ ዝሳለጥ ኣብዚ ውድድር ልዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ክሳተፉ ‘ዮም። ናይቲ ርሕቐት ናይ ዓለምና ኸዋኽብቲ ኣትሌታት እንትወዳደሩ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ‘ውን ክስዕሩ ‘ዮም ዝብል ግምት ረኺቦም።
ካብቲ ናይ ወትሩ ዝተፈለየ ንሕንሕ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ኣብዚ ውድድር ብ42 ኪሎሜትር ቕልጡፍ ሰዓት ከመዝግቡ ዝኸኣሉ ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ከምዝሳተፉ ንማሕበር ኣትሌቲክስ ቦስተን ብምፅራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂቦም። ኣብቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ዝግበር ንሕንሕ ማራቶን ትሕቲ 2:09 ሰዓት ጥራሕ ዝዛዘሙ ዒስራን ክልተን ኣትሌታት ንምስዓር ክነሓንሑ ‘ዮም። ካብዚኣቶም ውሽጢ እቶም ዓሰርተ ሰለስተ ዝኣኽሉ ነቲ ርሕቐት ትሕቲ 2:07 ብዝኾነ ሰዓት ዝዛዘሙ ‘’ዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ውድድር ‘ውን ነቲ ርሕቐት ትሕቲ 2:23 ሰዓት ክዛዝማ ዝኸኣላ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣትሌታት ተሳተፍቲ ምዃነን ተሓቢሩ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ‘ውን ዓሚ ነቲ ውድድር ዝተዓወቱ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሲሳይ ለማን ኬንያዊት ኣትሌት ሄለን ኦቢሪን ይርከቡ።
ሻምፒዮን እቲ ውድድር ሲሳይ ለማ ዓሚ ንመወዳድርቱ ብፍፁም ላዕለዋይነት እንትረትዕ 2:06:17 ሰዓት ‘ዩ ነይሩ ዘመዝገበ። ኣብቲ ውድድር ኻልኣይ ኾይኑ ዝዛዘመ ኣትሌት ምስቲ በዓል ዓወት ሲሳይ ናይ ኣርብዓ ሰከንድ ኣፈላላይ ‘ዩ ነይሩዎ። ኣብ ማራቶን 2:01:48 ዝኾነ ቕልጡፍ ሰዓት ዘለዎ ሲሳይ ለማ ናይ ዓሚ ላዕለዋይነቱ ሎሚዓመት ‘ውን ኣብ ጎደናታት ቦስተን ንምድጋም ናብ ውድድር ምምላሱ ተፀብፂቡ።
እዚ ዘደንቕ ናይ ማራቶን ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንኢትዮጵያ ንምውካል ቐዳማይ ተመራፂ እንተነበረ ‘ውን ኣብ ፓሪስ ምስበፅሐ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ገሊፁ ከም መሐለውታ ኾይኑ ናብቲ ቦታ ንዘምርሐ ኣትሌት ታምራት ቶላ ንኽወዳደር ነቲ ዕድል ኣሕሊፉ ምሃቡ ዝዝከር ‘ዩ። በዚ ‘ውን ታምራት ቶላ ኣብቲ ኦሎምፒክ ብሕታዊ ወርቂ ንምጥላቕ በቒዑ ‘ዩ።
ኣብ ቦስተን ናይ ሲሳይ መነሓንሕቲ ክኾኑ ‘ዮም ተባሂሎም ትፅቢት ዝግበረሎም ኬንያውያን ኣትሌታት ‘ዮም። ናይቲ ውድድር ኽልተ ግዜ ሰዓራይ ኢቫንስ ቺቤት ዓሚ ሳልሳይ ኾይኑ ዝዛዘመ ኣትሌት እንትኸውን ሎሚዓመት ‘ውን ብርቱዕ ተወዳዳራይ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።
እቲ ኻልእ ኬንያዊ ኣትሌት ጆን ኮሪር ኣብ ማራቶን 2:02:44 ናይ ዝኾነ ቕልጡፍ ሰዓት ወናኒ እንትኸውን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋታይ ማራቶን ቺካጎ ‘ውን ‘ዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ቦስተን ዓብዪ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ተነሓናሕቲ ኸቢድ ሚዛን እቲ ሓደ ንክኸውን ገይርዎ። ኣብ መፃረዪ ውድድር ኣሜሪካውያን ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ብዘሎ ደረጃ ካብ መንጎ ዝዛዘሙ ኣትሌታት ቕልጡፍ ሰዓት ምምዝጋብ ዝኸኣሉ ኣርባዕቲኦም ኣትሌታት ኣብቲ ናይ ሎሚ ማራቶን ቦስተን ተወዳደርቲ ምዃኖም እቲ ውድድር ቐሊል ከምዘይኸውን ኣንፈት ዝሃበ ‘ዩ።
ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ቕድሚ ኣዋርሕ ብማራቶን ናይ ነሓስ ሜዳልያ ተዓዋቲት ዝነበረት ኬንያዊት ኮኾብ ነዊሕ ርሕቐት ኣትሌት ሄለን ኦቢሪ ሎሚ ኣብ ማራቶን ቦስተን ትወዳደር ዝተፈለየ ታሪኽ ንምፅሓፍ ‘ውን ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ውድድራት ማራቶን ቦስተን ብዓወት ዝፈፀመት ኦቢሪ ሎሚዓመት ሃትሪክ ንምስራሕ ተዳሊዋ ኣላ። ነዚ ክተሳኽዕ እንተኽኢላ ‘ውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1999 ናብዚ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውድድራት ማራቶን ቦስተን ምስዓር ዝኸኣለት ኣትሌት ብምዃን ድሙቕ ታሪኽ ንምፅሓፍ ትበቅዕ።
ኣብ ማራቶን ቦስተን ካብ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝተሳገረ ታሪኽ ኣርባዕተ ኣትሌታት ሰለስተ ውድድራት ብተኸታታሊ ናይ ምስዓር ታሪኽ ዘለዎም እንትኸውን ኦቢሪ መበል ሓምሸይቲ ኣትሌት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዋ። ካብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ክሳብ ዋና ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፣ ካብ ኦሎምፒክ ክሳብ ሻምፒዮናታት ሃገር ኣቋራጭ ዓለም ብምስዓር ብሕታዊት ኣትሌት ዝኾነት ኦቢሪ ሎሚ ኣብ ቦስተን ሃትሪክ ንምስራሕ ናይ ኽልተ ከዋኽብቲ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብርቱዕ ንሕንሕ ይፅበያ።
በዓልቲ ዓወት ማራቶን ሻምፒዮና ዓለም ቡዳፔስት 2023 ኣማኔ በሪሶ ናይ ኦቢሪ ዓወት ንምዕፃው ዓቕሚ፣ ልምድን ብቕዓትን ዘለዋ ኮኾብ ‘ያ። ተዓዋቲት ማራቶን ለንደን 2022 ያለምዘርፍ የኋላ ‘ውን ናይቲ ንሕንሕ ግንባር ቐደም ግምት ሰዓራይነት ካብ ዝወሃቦም እታ ሓንቲ ‘ያ።
እታ ፃዕራም ኣትሌት ማራቶን ኣማኔ ኣብ 2023 ኣብዚ ናይ ቦስተን ማራቶን ብኦቢሪ ዝተሰዓረት ብንእሽተይ ‘ዩ ነይሩ። ነቲ ሕራነ ሎሚዓመት ኣብዚ ናይ ቦስተን ማራቶን ብዓወት ክትዋፃእ ‘ያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ኣብ ማራቶን ቫሌንሲያ 2022 ዘመዝገበቶ 2:14:58 ዝኾነ ናይቲ ርሕቐት ቕልጡፍ ሰዓታ ‘ውን በቲ ርሕቐት ናይ ዓለምና ሓምሻይ ቕልጡፍ ሰዓት ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም