
ሽፋን ደኒ ትግራይ ክሳብ 3 ሚእታዊ ወሪዱ ዝነበረ ቅድሚ እቲ ኵናት ህዝቢን መንግስትን ላዕልን ታሕትን ኢሉ ብዝገበሮ ፃዕሪ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ትሑት ብርኪ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ከምዘብፅሐ ዝፍልጥ ‘ዩ። ካብ 3 ናብ 16.8 ሚኢታዊ ንክበፅሕ ‘ውን ተገይሩ ነይሩ ‘ዩ።
እዚ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ከበድቲ እዋናት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከይተረፈ ‘ውን ኣብቲ ናይ ምልማዕ ስራሕቲ እቲ ዝዓበየ እጃም ኣበርክቶ እናገበረ መፂኡ ‘ዩ ። በቲ ዘልምዖ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝርባሕ እቲ ህዝቢ ኮይኑ እዚ ሃፍቲ እንተበሪሱ ‘ውን ብኡ ልክዕ ዝጉዳእ ‘ውን እቲ ህዝቢ ባዕሉ ‘ዩ።
ስለዚ እቲ ህዝቢ ነናይ ባዕሉ ሃፍቲ ክሕልውን ካብ ውልቀ ተበለፅቲ ክከላኸልን ኣለዎ። ብቀፃልነት ‘ውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ክዕቀብን ከልምዕን ኣለዎ ዝብሉ ናይዚ ዓምዲ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮን ደንን ኣይተ ተስፋይ ተኽለ ሃይማኖት ‘ዮም።
ኣይተ ተስፋይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝሎ፣ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተገበረ ተኸላ ፈልሲ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝፀደቀ፣ ንዝቅፅል ክረምቲ ዝገበር ተኸላ ፈልሲ ዘሎ ምድላዋትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓለዋ ሓፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝግበሩ ዘለው ምንቅስቃሳት እንታይ ከምዝመስልን ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ዛዕባታትን ዘልዐልዋ ሓሳባትን ምልእኽትን ከምዚ ዝስዕብ ዝቀርብ ይኸውን፡-
ወጋሕታ፡- ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ድሕሪ በቲ ዝተፈጠረ ኵናት ዝበፅሖ ጉድኣት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብምንታይ ኩነታት ኣሎ? ነዚ ዝተጎድኣ ተፈጥሮ ንምሕዋይ ዝተገበረ ፃዕርታት እንታይ ይመስል?
ኣይተ ተስፋይ ፡– ከምቲ ኩሉ ግዘ እንብሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ በቲ ኵናት ከቢድ ማህሰይቲ በፂሕዎ ‘ዩ። ከምቲ ኣብ ካሊእ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብ ሃፍቲ ተፍጥሮ ‘ውን በቲ ኵናትን ምስቲ ኵናት ዝተተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዘሰክፍ መልክዕ ጉድኣት ከምዝበፅሖ እናተዛረብናዮ ዝመፃእናዮ ‘ዩ። ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ድማ ነቲ ዝጠፍኣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምምላስን ካብኡ ንላዕሊ ‘ውን ንምኻድ በቲ ክልል መንግስትን ብመላእ ተሳትፎ ሕብረተሰብን ዝግበር ፃዕርታትን ኣለዉ ‘ዮም።
ካብቶም ዝተገበሩ ፃዕርታት ንላዕሊ ትፅቢት ዝገበር እንተኾነ ‘ውን እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢት ዝተባብዑ ‘ዮም ኢልና ኢና ንወስድ። ሐዚ ‘ውን ብዝተፈላላዩ ምንቅስቃሳት ብዝግበር ፃዕሪ ማለት ‘ውን ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምክያድ ፈልስታት ብምትካልን ብምኽላልን ሃፍቲ ተፈጥሮ ንክሓዊን ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ዝግበሩ ፃዕርታት እናቀፀለ ‘ዩ ዝርከብ።
ነዚ ንምሕዋይ መጀመርያ ክግበር ካብ ዝነበሮ ሓደ ከም መንግስቲ፣ ከም ሰብ ሞያ፣ ከም ህዝቢ እንታይ ክንገብር ኣለና ኣብ ዝብል ሰፊሕ ናይ ምርድዳእ መደረኽ ምድላው ‘ዩ። መድረኻት ብምድላው ‘ውን ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሰፍሕ ሃሰያ ዝበፅሖ ይኹን ‘ምበር ቅድሚ እቲ ሃሰያ ምብፃሑ ‘ውን እንተኾነ እቲ ለሚዑ ዝነበረ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፃዕሪ ናይቲ ህዝቢ ‘ዩ ነይሩ።
ስለዚ ሐዚ ‘ውን ብርሰት ብምክልኻል ደው ንክብል ብምግባር፤ ስራሕቲ ልምዓት ብስፍሓት ክንኸይድ ኣለና ኣብ ዝብልን እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ክንክን ብምግባር ንክፀድቁን ናብ ዝዓበየ ብርኪ ንክበፅሑ ምስቲ ህዝቢ ምርድዳእ ብምፍጣርን ብዝተሰርሑ ስራሕትን ሐዚ ፅቡቃት ለውጥታት እናተረአዩ ዝርከብሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ምስቲ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ተተሓሒዙ ብፍላይ እቲ ኣብ ሓደ ሓደ ኣብ ዝገበሩ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዕደና መዓድን ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ብርሰት ሓደጋታት ነይሮም ‘ዮም። ኣብዚ እዋን ዚ ግና ብግዝያዊ መንግስቲ እቲ ክልል ደው ንክብል ብዝተፀሓፈ ደብዳበ መሰረት ደው ክብል ዝተገበረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ቀፃልነት ንክህልዎ ድማ ናይ ምርድዳእ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና ንርከብ ዘለና።
ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተኸላ ፈልሲ ከምኡ ‘ውን ኣብ ክንክን፣ ሓለዋን ኣጠቃቅማን ደኒን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስል ?
ኣይተ ተስፋይ ፡- ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ኩነታት እናሃለወት ‘ውን ከይተረፈ ከባቢኡ ካብ ምሕዋይን ካብ ምልማዕን ዓዲ ዝወዓለሉ እዋን ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ኵናት ‘ውን እቲ ስራሕቲ ልምዓት ኣጠናኺሩ ዝቀፀለሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 2016/17 ዓ/ም ልዕሊ 30 ሚሊየን ፈልሲ ተተኺሎም ካብዚ እቲ 70 ነጥቢ 07 ሚእታዊ ናይ ክንክን ስራሕቲ ኮስኳስ፣ ማይ ምስታይን ሓለዋን ተኻይደሎም ‘ዩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ቀዳማይ ቆፀራ ማለት ‘ውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዝተገበረ ናይ ፅደቀት ፈልሲ ቆፀራ ካብቲ ዝተተኸለ ፈልሲ 86 ነጥቢ 78 ሚእታዊ ፀዲቁ ‘ዩ። እዚ መጠን ዘለዎ ፈልሲ ንክፀድቅ ምኽንያት ዝኾነ ድማ፤ ሓደ እቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ተኸላ ፈልሲ ዝርአዮ ተሳትፎን ከምኡ ‘ውን ኣብ ምንክብካብን ሓለዋን ዝገበሮ ተሳትፎ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ናይ ክረምቲ ኩነታት ‘ውን ፅቡቅ ብምንባሩ ነዚ ዕድል ንክፍጠር ሓደ ሓጋዚ ዝነበረሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።
ካብዚ መበገሲ ገይርና እቲ ዝነበረ ‘ውን ገምጊምና ኣብ ዝቅፅል 2017/16 ዓ/ም ኣብ ዝገበር ተኸላ ‘ውን ዝሐሸ ተኸላ ንምግባር ኣብ ምድላው ንርከብ ኣለና። በዚ መሰረት ኣብዚ ዓመት ንዝግበር ተኸላ ናይ ፈልሲ ምፍላስን ናይ ቦታ ምድላውን ኣብ ምግባር ኢና ንረከብ ዘለና።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዓመት 2017 ዓ/ም ዝግበር ዘሎ ምድላዋት እንታይ ይመስል? ክንደይ ዝኣክል ብዝሕን ዓይነትን ፈልስታት ተተሊሙ ንምትካል ምድላው ይግበር ኣሎ?
ኣይተ ተስፋይ ፡- ኣብዚ ዓመት ኣብ 214 ጣብያታት ፈልሲ ናብ 71 ሚልየንን 6 ሚእቲ ሽሕን ፍልሲ ክነፍልስ መደብ ሒዝና ንሰርሕ ኣለና። እቲ ዘሎ ሰላም ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ነዚ ዝተለምናዮ ንምዕዋት ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን በጀትን ክርከብ ‘ዩ። ዝተረፉ ግዝኣዊ ሓድነት ትግራይ መሊኡ ናብ ንቡር ክምለስ ‘ዩ።
ነዚ ዝኸውን እታወታት ‘ውን ክርከብ ‘ዩ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ‘ዩ ክንድዚ ቁፅሪ ዘለዎ ፈልሲ ክንተክል ኢና ኢልና ተሊምና። ይኹን ‘ምበር እቶም ኣብዝሓ ትልምታትና በቲ ዝሓሰብናዮም ብርኪ መሊኦም ኣይከዱን ዘለው። ነዚ ፈልሲ ተኸላ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ካብ ክልል ዝተመደበልና በጀት የለን። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ብዝኸኣልናዮ ዓቅሚ ካብ ዝተፈላላዩ ፕሮግራማትን ብዘረኸብናዮ ድጋፍን ክሳብ ሐዚ ናብ 35 ሚልየንን 678 ሽሕን 425 ፈልሲ ኣዳሊና ኣለና። እዚ ድማ ናይቲ ትልምና 49 ነጥቢ 83 ሚእታዊ ፈልሲ ‘ዩ ኣዳሊናዮ ዘለና።
ነዚ ፈልሲ መትኸሊ ዝኸውን ቦታ ናይ ምምራፅን ምኽላልን ስራሕቲ እናተወገኑ ‘ዮም ዘለው። እቲ ዝትከለሎም ቦታት ናይ ምፅዳቅ ብርኪ ሓፍ ንምባል ድማ ስራሕቲ ጠሊ ዓቀብቲ እናተሰረሐሉን ከምኡ ‘ውን ናይ ጉድጓድ ኳዕቲ ንክምቻቸው ኢና መደብ ሒዝና ንሰርሕ ዘለና። ጎናጎኒ እዚ ድማ ሓደጋ ብርሰት ተፍጥሮ ሓፍቲ ንምክልኻል ምስ ካብ ታሕቲ ክሳብ ዘሎ ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓን ኣተሓባበርትን ከምኡ ‘ውን ህዝብን ብምዃን ስራሕቲ ምርድዳእ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ።
ዓይነታት እቶም ዝትከሉ ፈልስታት ብዝምልከት ናይ ውሽጢ ዓዲ ዓሌታት ኣለዉ ናይ ደገ ዓሌታት ኣለው። ከምኡ ‘ውን ፈልስታት ፍራምረ፣ ንቀለብ እንስሳት ዝወዕሉን ንፅባቀ ከተማ ዝኾኑን ብሓፈሻ ኩሉ ዓይነት ዘጠቃለለ ፈልሲታት ንምትኻል ዩ ዝዳለው ዘሎ።
ወጋሕታ፡- ምስ ብርሰት ደንን ሃፍቲ ተፈጥሮን ተተሓሒዙ ብፍላይ ምስ ዘይሕጋዊ ዕደና ዝበፅሕ ብርሰት ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ሙሉእ ንሙሉእ ደው ኢሉ ድዩ? በቲ ቅድሚ ሐዚ ዝተገበረ ዘይሕጋዊ ዕደና ምኽንያት ኣብቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝበፅሐ ዕንወት ብትኽክል ይፍለጥ ዶ እንታይ ይምስል?
ኣይተ ተስፋይ ፡- እዚ ነክፃረይ መደብ ተተሓዙ፤ ነዚ ዘፃሪ ኮሚቴ ‘ውን ተጣይሹ ዘሎ ኮይኑ፤ ክሳብ እቲ ምፅራይ ብዕሊ ክሳብ ተጀሚሩ ዝወዳእ ድማ ብምኽትል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀጥታ ሓላፊን (ናይ ሎሚ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ) ጀነራል ታደሰ ወረደ ደው ንክብል ደብዳቤ ተፃሒፉ ክሳብ ታሕቲ ደው ኢሉ ከምዘሎ ‘ዩ ዘለኒ ሓበሬታ። ብዝበለፀ እቲ ኩነታት ምስ ተመቻቸየ ድማ ናይ ምፅራይን ኦዲት ምግባርን ዝካየድ ‘ዩ ዝኸውን።
ክሳብ ሐዚ ዝበፅሐ ዕንወት ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ክንደዚ ጉድኣት በፂሑ ንምባል ዘኽእል እኹል መረዳእታ የብልናን። ስለዚ ምስ ተሓጋገዝቲ ኣካላት ኮይንካ ክግበር ዝግበኦ ፅንዓት ‘ዩ። እዚ ንምፅናዕ ‘ውን ኣብ ምድላው ኢና ንርከብ።
ወጋሕታ፡- እቲ ዝተጎድኣ ከባቢታት ተፈጥሮ ብምሕዋይን ብምክንኻን እቲ ሕብረተሰብ ካብቲ ዝሓወየ ከባቢ ተረባሒ ንክኸውን ዝተገበረ ፃዕሪ ኣሎ ዶ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ተስፋይ ፡- ኣብዚ ዝሕሰብን ምርድዳእን ዝግበር ዘሎ፤ ሕጋውያንን ዘይሕጋውያን ናይ ምፍላይን ክስራሕ ‘ዩ። እቶም ዘይሕጋውያን ኣብዚ ዝሳተፉ ካብ ተግባሮም ንክቁጠቡን ብሕጊ ‘ውን ዝሕተቱሉ መንገዲ ክመቻቸ ‘ዩ።
እቶም ሕጋውያን ዝተብሃሉ ድማ እቲ ኢንቨስትመንት ሕጊ ብዝፈቅዶ መሰረት ኣብ ምሕዋይን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ክገብርዎ ዝግብኦም ኣበርክትኦም ንክዋፅኡ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝበል ትልሚ እነውፅአሉ ጉዳይ ክኸውን ‘ዩ። ሐዚ ግና ሕጋዊ ይኹን ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ጠጠው ይበል ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ኹነታት ምስ ተፃረየ ድማ ናብ ናይ ምሕዋይን ምልማዕን ስራሕቲ እንኣትወሉ ኩነታት ክህልው ‘ዩ።
ካብ ናይ ዕደና ወፃኢ ዘሎ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ዕቀባ ሓመድን ማይን ይሰርሕ ኣሎ። ብርስት ሃፍቲ ተፈጥሮ ይከላኸል ኣሎ ። ካብ እንስሳት ንክክእ ወፃኢ ክኾኑ ዝግብኦም መሬታት ይኽልል ኣሎ።
ኣብዚ ጉዳይ ይዝቲ ‘ውን ‘ዩ ዘሎ። ኣብቲ ናይ ማእድን ፀገም ዘይብሉ ዝበሃሉ ከባቢታት ግና መናእሰያት ብማሕበር ብሕጊ ተወዲቦም ጎቦታት ኣልሚዖም ኣብ ምርባሕ ንህቢን እንስሳትን ተሳቲፎም ይሰርሑ ኣለው ‘ዮም። እቲ መዓድናት ዘለዎም ከባቢታት ግና መጀመርያ ምፅርይ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ‘ዩ ዘሎ።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዘይተልዓለ ክሓልፍ ኣለዎ ዝትብልዎ ሃሳብ መልእኽቲ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክበኩም?
ኣይተ ተስፋይ ፡- ከምቲ ኩሉ ግዘ እንሕልፎ መልእኽቲ፤ ህዝብና ኣብቲ ከቢድን ዝዓበየን ዝነበረ ፀገማቱ ኮይኑ ‘ውን ኣብቲ ናይ ምልማዕ ስራሕቲ እቲ ዝዓበየ እጃም ነሃቱ ‘ዩ ነይሩ። ላዕልን ታሕትን ኢሉ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ትሑት ብርኪ ናብ ዝሐሸ ብርኩ ከምዘብፅሐ ዝፍልጥ ‘ዩ።
በቲ ዘልምዖ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝርባሕ እቲ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ሃፍቲ እንተበሪሱ ‘ውን ብኡ ልክዕ ዝጉዳእ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ነናይ ባዕሉ ሃፍቲ ክሕልውን ካብ ውልቀ ተበለፅቲ ክከላኸልን ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ብቀፃልነት ሃፍቲ ተፈጥሮ ክዕቀብን ንውልቀ ጠለቡ ዝኸውን ‘ውን ኣብ ገደንኡ ከልምዕን ኣለዎ።
ብተወሳኺ እቲ ህዝቢ ካብ ናይ ሓባር ብርሰት ክከላኸልን ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝግበሩ ናይ ልምዓት ምንቅስቃስ ከምቲ ናይ ከሉ ግዘ ተሳትፍኡ ኣበርቲዑ ከቀፅልን ‘የ ፃውዒተይ ዘቅርብ። እቲ ኣመራርሓ ‘ውን ነዚ ንቅድሚት ንምውሳድ ብተዋፋይነት ክምርሕ፣ እቲ በዓል ሞያ እኹል ሞያዊ ሓገዝ ክህበሉ ‘የ በዚ ኣጋጣሚ መልእኽተይ ከሕልፍ ዝደሊ።
ከምኡ ‘ውን ተሓባበርትናን መዳርግቲ ኣካላትናን ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝርከቡን ካልኦት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ዝንኣድ ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ደማ ከይተሰላቸው ኣበርቲዖም ክኸዱሉን ኣብ ባይታ ዝረገፀ ስራሕቲ ንከቀፅሉሉየ ፃውዒተይ ዘቅርብ።
ወጋሕታ፡- ንዝሃኑና ሓበሬታ ኣዚና ነመስግን።
ኣይተ ተስፋይ፡- ኣነ ‘ውን ሐሳበይ ንምግላፅ
ስለዝዓደምኩምኒ ኣዝየ ‘የ ዘመስግን፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም