ሓደ ዓመት ፅባሕ’ዩ!

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣቕፂሩ ኣሎ። ኣብዘን ክልተ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ካልኦት ስራሕቲ ተሰርሖም’ዮም፡፡ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ብዝተፈጠረ ምትፍናንን ብፍላይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕማማቱ ከይትግብር ዝግበር ብዝነበረ ምትዕንቓፍ፣ምድንጓይን ምጉታትን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ተፈፂሙ ትግራይ ብዝተመረፀ ምምሕዳር እትመሓደሩ ዕድል ኣይረኸበትን፡፡

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ንኽልተ ዓመት ተጣይሹ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዛዚሙ ኣሎ፡፡ንዚ ሲዒቡ ድማ ንቐፃሊ ሓደ ዕመት ዕድመ ስልጣኑ ተናወሑ ሓዱሽ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ተሸይሙ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ፡፡

እዚ ብሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዝደንትነት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመ ስልጣኑ ሓደ ዓመት ‘ዩ፡ ፡እዚ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ዝፀምኦ ሰላምን ልምዓትን ጋህዲ ክገብር፤ ከም ኻልኦት ኣሕዋቱ ወፂኡ ናይ ምእታው ድሌት ከሳኽዕ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ኣብ ስነ ስርዓት ሹመት ሓዱሽ ፕረዝደንት ዝኣተውዎ በዓል 8 ነጥቢ ሰነድ ቃል ኪዳን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክፍፅምወን ትፅቢት ይግባር፡፡ንዚ ድማ ስራሖም ብሓላፍነት፣ብትግሃትን ብተኣማንነትን ክሰርሑ ይግባእ።

ኣብ ቀፃሊ ሓደ ዓመት ክሰርሖ ተቖፂሮም ዝተውሃቡ ስራሕቲ እቲ ቀዳማይ ክይዲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ፣ኣብ ጅማሮ ዘሎ ንኽዛዘምን ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ‘ውን ብቕልጡፍ ንኽትግበር ምግባር’ዩ፡፡እዚ ተግባር እቲ ኣብ መዑቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ሕማቕ ኹነታት ዘሎ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስን ህዝቢ ካብ ከርፋሕ ናብራ ምንጋፍ ስለዝኾ ኣዚዩ ብቕልጡፍ ክትግባር ዘለዎ ዋኒን’ዩ፡፡ቅድሚ ሐዚ ንፖለቲካዊ ትርፊ ተባሂሉ ብህዝቢ ጠላዕ ምፅዋት ኣይግባእን፡፡

መንእሰይ ትግራይ ናብ ስራሑን ምሁሮኡን ክምለስ ኣለዎ፡፡ኣብ ዳግመ ሕወየትን ልምዓትን ንጡፍ ተሳታፊ ክኸውን ይግባእ፡፡እዚ ንክኸውን ድማ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን ስራሕቲ ክስራሑ ይግባእ፡፡በዚ መሰረት ድማ ነበር ዕጡቓት መሰሎምን ክግበር ዝግብኦ እናተገበረሎም ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ ኣለዎም፡፡እዚ ተግባር ‘ውን ቅድሚ ሐዚ ከምዝነበሮ ንፖለቲካ ጠላዕ ምጥቃም ግቡእ ኣይኸውንን፡፡

ኣብ ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር፣ድሕንነት ህዝቢ ምሕላውን ንሰላምን ፀጥታ ጠንቂ ዝኾኑ ተግባር ብሕጋዊ መገዲ ስርዓት ምትሓዝ የድሊ፡፡ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ክኣቲ ኣለዎ፡፡ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ጠጠው ክብሉ ይግባእ፡፡ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ምጥቃም ከሚካልን ኣብ ህዝቢ ከቢድ ፀገም እናብፀሐ ስለዝርከብ ስርዓት ክትሕዝ ይግባእ፡፡እዚውን ፕረዝደንት ግዝያዊ ም ምሕዳር ክትግብርዎ ዝግባእ ገዛዕዩ’ዩ

ስሩዓት ስራሕቲ ልምዓት፣ መንግስታዊን ማሕበራዊን ግልጋሎታት፣ ከምኡ ‘ውን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንኽቀላጠፉ ምግባር፤ካብ ሕገ መንግስታዊን ሕጋዊ ስርዓትን፣ ካብ ሉኣላዊነት ሃገርን ስምምዕነት ፕሪቶርያን ወፃእ ዝኾኑ ርክባትን ምንቅስቓሳትን ጠጠው ክብሉ ምግባር ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ይደሊ፤ሕጊን ሉዓላዊነት ሃገሩ የኽብር…ስለዝኾነ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሰላምን ልምዓት፣ምኽባር ሕግን ሕገመንግስትን መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ክሰርሕ ትፅቢት ይግባር፡፡

ድሕሪ ሓደ ዓመት ከም ሃገር’ውን መረፃ ዝካየደሉ እዋን’ዩ፡፡ስለዚህ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብዝመረፆ መራሕ ንክመሓደር ክመርፅ ኣለዎ፡፡ንዚ ድማ አቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘላቶ ዕድመ ሓደ ዓመት እቲ ክልል ንዴሞክራሲያዊ መረፃ ድሉው ክኸውን ምግባር፤ ኣብቲ ክልል ሲቪክን ፖለቲካዊን መሰላት ተግባራዊ ዝኾኑሉ፣ ብዝሃ ፖለቲካ ዘተኣናግድ ዴሞክራሲያዊ ባይታ ክፍጠር ክሰርሕ ኣለዎ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዝተመረፀ መንግስቲ ክምራሕ ዝኽእለሉ ኹነታት ክፍጠር ኣለዎ፡፡

ከም ሃገር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናመኸረ ይርከብ፡፡ህዝቢ ትግራይ ድማ ከም ኢትዮጵያዊን ኣካል ፌደሬሽን ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተዋሳእቲ ፖለቲካን ኣብ ከይዲ ሃገራዊም ምኽክር ንኽሳተፉ ምዕሩይ ሃዋህው ብምፍጣር ተሳታፊ ክኸውን ኣለዎ፡፡

ምንቅስቓሳት መንግስታዊ ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል’ውን ምትእስሳርን ሰናይ ርክብን ህዝቢታት እታ ሃገር ዘጠናኽሩ፣ ሕጊን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ዘኽብሩ ከምዝኾኑ ምርግጋፅ ካብ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ካብኔኦምን ትፅቢት ዝግበር ስራሕቲ ሓደ ዓመት’ዩ፡፡ስለዚ ሓደ ዓመት ነዊሕ ኣይኾነን ፅባሕ ማለት’ዩ፡፡ስለዚ ግዜ ከይባኸነ እቶም ፕረዝደንት ዝፈረምዎ ቃልኪዳንን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ክፈፅሙ ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You