
ኣሰልጠንቲ ኣትሌቲክስ ደረጃ መውሃቢ ተግባራዊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ:: ናይቲ ፌዴሬሽን ምስ ኣሰልጠንቲ ኣትሌቲክስ ኣሰልጠንቲ ባዓል ሞያታትን ኣብ ስርዓት ኣሰራርሓን መመርሒ ተዛትዩ::
ኢትዮጵያ እትፍለጠሉ ስፖርት ኣትሌቲክስ ብዓለምኸ ብርኪ ዝምስገኑ በዓል ሞያታት ኣፍርያ ‘ያ:: ኾይኑ ግና ተፈለጥቲ ኣትሌታት ምፍራይ ዝኻኣሉ ባዓል ሞያ ኣሰልጠንቲ ኣብዝሓ ኣብ ልምዲ መሰረት ዝገበሩ ‘ዮም:: በዚ ድማ ምስ ዘመናውን ሳይንሳውን ዓለም ምርማድ ኣይካሉን ተባሂሎም ይውቀሱ ‘ዮም::
እቲ ፌደሬሽን ብወገኑ ኣሰልጠንቲ ኣትሌቲክስ ደረጃ መውሃቢ ዘዳለወ እንትኾን ፣ ኣድላይ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ደረጃ ከምኡ ‘ውን ስራሕ ልምዲ ኣቕሚጡ ‘ዩ:: እዚ ድማ 2014 ዓ.ም ዝተመሓየሸ ኾይኑ ግና ተግባራዊ ክኾን ኣይካኣለን:: በቢኽልተ ዓመት ዝሕደስ ‘ዩ ዝተብሃለ ናይ ኣሰልጠንቲ ብርኪ ሞያ መውሃቢ ዘተ እንትግበረሉ ድሕሪ ቶኪዮ ዓለም ቻምፒዮና ተግባራዊ ክኾን ከምዝግበእ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ::
ኣትሌታት ሓዊሱ ምስ በዓል ሞያታት ዘተ ኣብ ምግባር ዝርከብ ፌዴሬሽን ኣሌቲክስ ኢትዮጵያ ፤ምስ ኣሰልጠንትን በዓል ሞያታትን ኣብ ስርዓት ኣመራርሓ መመርሒ ዘተ ኣካይዶም ‘ዮም:: ብክለብን ብውልቆምን ዘሰልጥኑ ፍሉጣት ፣ነባራትን ሓደሽቲ መናእሰይን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣሰልጠንቲ ኣትሌቲክስ ደረጃ መውሃቢ ከምኡ ‘ውን ናይ ብሄራዊ ጉጅለ ኣትሌታትን ኣሰልጠንቲ መረፃ ቀሪቡ ‘ዩ::
እዚ መልዓሊ ዝገበረ ሓሳባት ብስፍሓት ተራእዮም ‘ዮም:: ቀዋሚ ዝኾነ ስርዓት ኣሰለጣጥና ተግባራዊ ብምግባር ተተካእቲ ብብዝሓትን ብፅርየትን ምፍራይ ዓላምኡ ዝገበረ ናይ ኣሰልጠንቲ ደረጃ መውሃቢ ትሕቲ 13 ዓመት ክሳብ ብሄራዊ ጉጅለ ኣድላይ መመዘኒ ብግልፂ ኣቕሚጡ ‘ዩ::
ኾይኑ ግና ብኣብዝሓ ተፈለጥቲን ስኬታማን ኣትሌታት ዘፍረዩ ኣሰልጠንቲ ደረጃ ሞያ ምሃቡ ብፍላይ ብብርኪ ትምህርቲ ኣንፃር ኣፀጋሚ ክኾን ከምዝኽእል ‘ዩ ዝተገለፀ:: ኣሰልጠንቲ ብብርኪ ምፍላይ በይኑ ኣብ ስፖርት ለውጢ ከምፅእ ስለዘይኽእል ኣብዚ ጉዳይ ዝበለፀ መፅናዕቲ ምግባር የድሊ::
ነባራት ኣሰልጠንቲ ብምንታይ መልክዑ ክተኣናገዱ ይኽእሉ ዝብል ብስፍሓት ዝተልዓለ ሕቶ ‘ዩ:: እቲ ፌዴሬሽን ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ኣንፃር ዓለምለኸ ኣሰልጣንነት ኣትሌቲክስ ስልጠና ብምንታይ ዝኣክል ከምዝሃብ ባዕሉ ክፍተሸ ይግባእ::
ናይ ኣትሌታት ስልጠናን ውድድር ግዜ ብዝተድሓሓዘ ትምህርቲ ንምክትታል ኣፀጋሚ ብምዃኑ ስለ ስፖርት ብተግባር ጠንቂቆም ዝፈልጡ ኣትሌታት ናብ ኣሰልጠንቲ ንክዓብዩ ዝገብር ‘ዩ:: እቲ መመዘኒ ተግባራዊ ዝግበር ብብሄራዊ ጉጅለ ወይስ ብክለባት ምዃኑ ዘይፈለየ ብምዃኑ ኣትሌታት ንብሄራዊ ጉጅለ ዘምረፁ ኣትሌታት ካብ ደረጃ ንታሕቲ እንተኾይኖም ክምረፁ ድዮም ዝብል ሓ ሳብ ቀሪቡ ‘ዩ::
ዓለምለኸ ውድድራት ብዝተቓረቡ ቑፅሪ ኣከራኸርቲ ጉዳያት ዘይሳኣኖ ብሄራዊ ጉጅለ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን መረፃ መመርሒ ብባዓል ሞያ ገለፃ ተገይርሉ ‘ዩ:: ከይዲ እቲ መረፃ ግልፂ ፍትሓውን ተሓታትነትን ዘካተተ ስርዓት ንክህልዎ ክገብር ‘ዩ ዝተብሃለ መመርሒ ‘ውን ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ::
ብኣሰልጠንቲ ዝተልዓሉ ሓሳባት ኣብዚ ሐዚ ኣብዝሓ ኣትሌታት ብማናጀር ዘስልጥኑ ስለዝኾኑ ንብሄራዊ ጉጅለ እንትምረፁ ብዝተምረፆዎ ልክዕ እቲ ጉጅለ ናይ ምምራሕ ዕድል ዝዋሃቦም ኣሰልጠንቲ ብምንታይ መልክዑ ተግባራዊ ዝግበር ‘ዩ:: ካብ ብሄራዊ ጉጅለ መረፃ ተደሓሒዙ ዝተቐመጠ መመዘኒ ሰዓት ዝምዝገበሉ ብዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ደረጃ ኣወሃህባ እንተይኾነስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብስፍሓት ዝሳተፍሉን ዝኣትዉሉ ሰዓት ተበጊሱ ክኾን ከምዝግባእ ተመልኪቱ ‘ዩ::
ዝተልዓሉ ሓሳባት ስዒቡ ፕሬዝደንት ፌዴሬሽን ኣትሌክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን ፤ከምዚኦም ዝበሉ ዘተ ንስፖርት ዕብየት ዓብይ ግደ ከምዘለዎም ገሊፁ:: ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት መብዛሕትኦም ጠቀምቲ ከምዝኾኑን ኣብ ቀፃሊ ከምዚ ዝበሉ መድረኻት ብምድላው ንዘተ መልዓሊ ዝኾኑ ናይ ኣሰራርሓ ስርዓት ዝበለፀ ንምምሕያሽ ዝጠቅም ‘ዩ:: ካብ ኣሰልጣንነት ሞያ ፍቃድ ድማ ልምዲ ዘለዎም ኣትሌታት ምስቲ ኣሰራርሓ ዝጓዓዝሉ ኩነታት ክስራሕ ‘ዩ:: በዚ ድማ እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ማለት ‘ውን ድሕሪ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ተግባራዊ ከምዝኾን ኣረዲኡ::
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም