
እቲ ዘለናዮ ቕነ ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝፅወም ዓብይ ፆም ወይ ፆም ኣርብዓ ዝዛዘመሉን ናብ ቕነ በዓል ፋሲካ ድማ እንሰጋገረሉ “ሰሙነ ሕማማት” እናተበሃለ ‘ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዛ ዕለት ድማ ኣብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብዙሕ ትርጉም ዘለዋ ‘ያ ።
ናይዛ ዕለት ሓሙስ ብኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ “ሓሙስ ፅግቦ” ብዝብል ፍሉይ ሽም ካብ ምፍላጣ ብተወሳኺ እዛ ዕለት ናይ ፅጋብ፣ ቅድስና፣ በረከትን ትሕትናን ዝግለፀላን ከምኡ ‘ውን ብወገን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ገጠራት ትግራይ ካልኦት ከባቢታትን ድማ ብዙሕ ባህላዊ ምግብታት፣ ፀወታታትን ጥበባትን ዝግለፀላን ብዙሕ ተዘክሮታት ቁልዕነትን ዝሓዘት ዕለት ‘ያ ምባል ይክኣል።
ከም ኣብነት ሸውላለ ብኣዋልድ ፣ ኣያ ናቅላ ወይ ሃውከ ሃውከ ድማ በቆልዑት ባህላዊ ፀወታታት ዝርኣዩሉን ከምኡ ‘ውን ከም ጥቅጥቆ ወይ ሙጎ፣ ሕብሽቲን ሕመባሻን ዝበሉ ባህላዊ ምግብታት ተደጋጊሞም ዝብልዕሉ ቕነ ‘ዩ።
ሸውላለ ፡-ኣብ ባህልን ቱሪዝምን ትኹረት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍ ኣይተ ዓምዶም ገበረስላሴ ከምዝገልፆ፤ሸውላለ ደቂ ኣነስትዮ ቖልዑ ካብ ሓሙስ ፅግቦ ጀሚረን ዝፃወተኦ እንትኾና መርዑን ዓበይቲ ኣንስትን ድማ ካብ ሰኒ ፅባሽ ሰንበት ትንሰአ ዝፅወት ባህላዊ ፀወታ ‘ዩ። ሸውላለ ዓበይቲ ኣንስትን መርዑ(ሓያይም)ን ድማ ካብ ፃባሕ ሰንበት ትንሰአ ማለት ሰኒ ክሳብ ዳግማይ ትንሰአ ዝፃወተኦ ዓብይ ተመልካታይ ዝነበሮ ሰሓባይ መዘናግዒ ባህላዊ ፀወታ ደቂ ኣነስትዩ ‘ዩ።
እቲ ዓበይቲ ኣንስቲ ዝፃወተኦ ሸውላለ ኣብ ኣዝዮም ነዋሕቲ ከም ጨዓ፣ ዳዕሮን ካልኦትን ኣእዋምን ዳርጋ ልዕሊ ክልተ መፅዓን ብሓደ ተኣሲሩ ዝፃወቱሉ ቁመት ‘ዩ። ደቂ ኣነስትዮ ብሓደ ተመላኺዐን ተፀባቢቐን ሽውላለ እንትብላ ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን ፈንተት ኢሎም ድማ ይከታተሉዎን።
እዋን ፋሺጋ ስለዝኾነ ድማ ናብ መርዓ ዝመፁ ኣጋውዝ ኣድርን ጎራዙ ሓያማትን ዝላለዩሉ መድረኽ ‘ውን ‘ዩ።
ዓበይቲ ኣንሽቲ ሸውላለ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ተንቤን ብኸምዚ ድማ ይፃወታ፡- ሸውየ ሸውላለ ፣ ዓድነይ ኹናለ፣ እንቃዓ ጣፍ ነበራኒ ፤ አሀ (ተቀበልቲ) ሸልቕየን ተበለኒ ፤ አሀ ሸሊቐየን ተበልኹዎ ፤ አሀ ስወቕየን እንተበለና፤ አሀ ሰዊቐየን ተበልኹዎ፤ አሀ ጨው አእትውሉ ተበለኒ፤ አሀ አእትየሉ ተበልኹዎ፤ አሀ ጠዓምዮ ተበለኒ፤ አሀ ጥዒመዮ ተበልኹዎ ፤አሀ ሸውየ ሸውላለ ፤አሀ ዓድነይ ኹናለ፤ አሀ ቶም ሓሙየይ ኣብኡ ነበሩ ፤አሀ ብቱ ዋንጫ ግጥም ኣበሉ፤አሀ ተን ሓማተይ ኣብኡ ነበራ፤አሀ ብቱ ዋንጫ ግጥም ኣበላ፤ አሀ ‘ታ ንዕልተይ ኣብኡ ነበረት፤ አሀ ብቱ ሻኽላ ግጥም ኣበለት፤አሀ ቱ ዘማየይ ኣብኡ ነበረ፤ አሀ ብቱ ሻኽላ ግጥም ኣበለ፤ አሀ ቱ ስብኣየይ ኣብኡ ነበረ ፤አሀ ብቱ ገልዒ ግጥም ኣበለ፤ አሀ ሸውየ ሸው ላለ ፤ ዓድነይ ኹናለ ይበሃል። እናበላ ይፃወታ።
ህፃናት’ውን ብዓቕመን ይፃወታ።ሓሙስ ፅግቦ ዒፍ ‘ኳ ትፀግቦ፤ ዓርቢ ስቅለት ልበይ ተሰቐለት፤ ሸውየ ሸውላሎ ሸውየ ሸውላሎ ይብላ፤ እቲ ዓበይቲ ዝፀወተኦ ዝነበረን ዓበይቲ ሰብኡን ‘ውን ዝከታተሉዎ ሸውላለ ሎሚ ዝነበሮ ደረጃ ምዝንጋዕ ቐኒሱን ናይ ቖልዑ ጥራሕ ኾይኑ ይርከብ። እቲ ዓብይ ተመልካቲ ዝነበሮ ፃወታ ሎሚ የከርናይ።
ኣብ ዕለተ ሓሙስ ካብ ዝግበሩ ትውፊታዊ ግብራት እቶም ክልተ ጥቕጡቖ ምብላዕን፣ ሸውላሎ ምጭዋትን ምስ ሃይማኖታዊ ትርጉም ከምዘለዎም ይግለፅ ‘ውን ‘ዩ።
ሃውከ ሃውከ/ሚሻ ሚሾ፡- ኣብ ኸባቢ ተምቤን ካብ ሰሙነ ሕማማት ጀሚሩ ምድላው ምስተገበረ ዳግማይ ትንሳኤ ዝዛዘም፣ ደቂ ተባዕትዮ መናእሰይን ቖልዑን ዝፃወትዎ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል ‘ዩ። እዚ ፀወታ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ዝፅወት ኮይኑ ከከም ኣከባቢኡ ድማ ምምስሳልን ዝተወሰነ ኣፈላላይ ዘለዎን ከምዝኾነ ‘ዩ ዝኽበር።
ሓዚ ‘ውን ከም ገለፃ ኣይተ ዓምዶም ንሃውከ ሃውከ ዝውዕል 2 ዓይነት በትሪ ሃውከ ሃውከ ይዳሎ። እቲ ሓደ ሻምላ ኾይኑ ዙርያ ዝትቕረፅ ሃውከ እንትበሃል እታ ካልአይቲ ዓይነት ጥውዮ ትበሃል ኾይና እቲ ፃዕዳን ፀሊምን ከይተቖራራፀ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝጠዋወ ምስሊ ዘለዎ ‘ዩ።
እቲ ሃውከ ዝበሃለሉ ከም ፅባሕ ዓርቢ ለይቲ ናብ ቐዳም ዝውግሕ ይካየድ። ሃውከ ሃውከ ዓርቢ ስቕለት ለይቲ ክካየድ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ትርጉም ንእየሱስ ክርስቶስ ዝሰቐለ ሰይጣን ብቱ ሽላም በትሪ ቐጥቂጥካ ይባረርን ይሰዓርን ከም ማለት ‘ዩ። ሰይጣን(ዓምደረቢ) ኣብ ቤተክርስትያን ዓርቢ ምሸት ብቐሻውሽቲ ተቐጥቂጡ ይባረር።
ምእመናን ‘ውን ስግድ ውዒሎም እቲ ሰይጣን ካብ ዝባኖም ንምብራር ብግጫ ዝበሃል ቖፅሊ ይጥብጠቡ። እቲ ዘይተጠብጠበ ዝተርፍ ገዛውትን ዳከፍትን መናእሰይን ሰገናትን ለይቲ እናዘሩ ሃውከ እናበሉ ሰይጣይን የባርሩ። እቲ ሃውከ ሃውከ ዓበይቲ ሰባት ‘ውን ይሳተፍሉ ‘ዮም። እዚኦም “ልዓመታ የፅንሓኒ ምበይ ምስ ደቀይ ሃውከ ክብል ‘የ” ኢሎም ቃል ይኣቱ የተግብሩ ‘ውን። እቶም ዓበይቲ ነቲ ስርዓት ናይ ምእላይ ተራ ይፃወቱ።
ካብኡ ለይቲ እናዞርኻ ብኣወርስ ንመንበሪ ዓብይ ገዛ፣ ሰቐላ፣ ዳመጎጎ ፣ ደምበ ከፍቲ በቢተራ ሃውከ ይበሃል። ኣብ ዓብይ ገዛ ዝበሃል፡-ሃውከ ማ ሃውከ ፤ሃውከ (ምቅባል) ልዓመታ ወዲ፤ ሃውከ ምሳና ልቑንዲ፤ ሃውከ ልዓመታ ጓልየ፤ ሃውከ ምሳና ጎልጓልየ፤ሃውከ ይበሃል (ሰብኣይን ሰበይትን ዝድቅስሉ ቤት ዝካየድ ‘ዩ።)
እታ ሰበይቲ ጥንስቲ እንተኾይና፡- ጥንስቲ ተኣማኒት ሕብሽቲ፣ ጥንስቲ ተኣማኒት ሕብሽቲ ብምባል ናይ ጥኑሳት ዝበሃል ፍሉይ ውህብቶ ንምሃብ ክትዳሎ የዘኻኽሩዋ።
ሓራስ እንተኾይና ድማ፡- ሓራሶ ኽምስ ማሶ፣ሓራሶ ኽምስማሶ ምላእ ምላእ ይብሉ።
ካብኡ ሓደ መናስራኤል (ኣዝዩ ዓብይ ሕምባሻ) ወይ ጓጉባ (ዝተወቀበ ሕምባሻ) ሕምባሻ እንተዘይሃልዩ 10 ጣይታ ምስ ሓደ ፃሕሊ ፀብሒ ስጋ ተዳሉ ትፅቢት ይግበር። ከምኡ እናበለ እቲ ስርኣት ‘ውን ዝቅፅል ይኸውን።
ሰናይ በዓል ቅነ ሕማማትን ፋሲካን!!
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም