
ሃይማኖታዊ በዓላት ኢትዮጵያ ስርዓቶምን እዋኖምን ሓሊዮም ብምትሕግጋዝ እንትበዓሉ ሓድነት ህዝብታት ኣብ ምጥንኻርን ሰላም ኣብ ምፅናዕን ዓብይ እጃም ይፃወቱ’ዮም፡፡በዓላት ኣብ መንጎ ህዝብታት ምትሕልላይን ምክእኣልን ብዘጠናኽር መገዲ ይኽበሩ’ዮም፡፡
ኣብዚ ቀፃሊ ሰንበት እነኽብሮ በዓል ትንሳኤ/ፋሲካ እንትኽበር’ውን መላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብምትሕግጋዝ፣ብሓልዮትን ከምኡ’ውን ዘላቒ ሰላም ንክህልው ብምግባርን ሓድነት ህዝብታት’ውን ብዘጠናኽር መገዲ ክኸውን ይግባእ፡፡
ህዝብታት ኢትዮጵያ ባህሊ ምትሕግጋዝ ዘለዎም ህዝብታት ምዃኖም ይፍለጥ፤እዚ ባህሊ ኣብ እዋን በዓላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሰላም ሃገር ንምዝራግ ዝተጋገየ መረዳእታ እናፈጠሩ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጥርጣረ ንኽዓስል ዝሰርሑ ኣካላት ህዝቢ ሰላም ንኽስእን እናገበሩ ‘ዮም። ስለዝኾነ ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ ዝመሓላለፉ ሃይማኖታዊ መልእኽቲታት ንዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዘላቒ ሰላምን ምትሕግጋዝ ህዝብታትን ንክህልውን ሓድነት ህዝብታት ንክጠናኸር ዝገበር ክኸውን ኣለዎ፡፡
ኣብ እዋን በዓላት ተኸታሊ እቲ እምነት ዝኾነን ዘይኮነን ኩሉ ዝተለመደ ሰብኣውነት ብምርኣይ እቲ በዓል ብሰላም፣ ብፍቕሪ፣ ብምትሕብባርን ብምክብባርን ክኽበር ኣለዎ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝረአ ናይ ሰላም ምዝራግ ዝፍታሕ ብሰላማዊ ዘተ እንትኾን ብምኽንያት ጎንፂ እናሞቱን እናቖሰሉን ከምኡ ‘ውን እናተመዛበሉ ዘለዉ ናይ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት ብምዃኖም ኩሉ ወገን ነቲ ጎንፂ ጠጠው ብምባል ናብ ሰላማዊ ዘተ ክኣትዉ ኣብ እዋን በዓላ ት መልእኽቲ ምሕላፍ ግድን ይኸውን፡፡
ኣብቲ በዓል ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዝፀንዐሉ፣ ዕብየት ዝረጋገፀሉ ንክኸውንን ዝተፀገሙ ‘ውን ናብ መረበቶም ንኽምለሱን ፀሎት ክገብር ይግባእ፡፡ኣስተምህሮ እቲ እምነት ጎረቤቱ እናጠመየ ንዓርሱ ፀጊቡ እንተሓዲሩ ግቡእ ስለዘይኮነ ህዝበ ክርስቲያን ነዚ ብምርዳእ ዓቕሙ ብዝኽእሎ መጠን ንጎረቤቱ ከካፍልን ክሕግዝን ይግባእ፡፡ብሓድነትና ብምትሕልላይ ድማ ሰላም ሃገር ዘላቒ ንክኸውን ምስራሕ የድሊ፡፡
ኣብ ክልል ትግራይ’ውን በዓል ትንሳኤ እንትኽበር ምእመናን ዘለዎም ንበይኖም ከይኮነስ ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ክብዕልዎ ይግባእ ፤ነቶም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እቲ ዘፅለልሉ ኬንዳ ‘ውን ተቀዲድዎም፣ እኹል ሓገዝ ‘ውን ዘይበፅሖም ዘለው ወገናት ዓብይን ንእሽተይን ከይበልና ብዝተኽኣለና ኩሉ አለናልኩም ክንብሎም፣ ክንበፅሐሎምን ክንረድኦምን ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ ግድን ይኸውን፡፡
ንዝተፀገሙ ንምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ይኹን ካብ ሃገር ወፃኢ ዘሎ ወገን ነቶም ኣብ ፀገም ዘለዉ ወገናት ክሕግዞም ኣለዎ። ከምቲ መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚትን ኣኺሉ ንህዝብታት ዝበፀሓሎም ሐዚ ‘ውን ኣብ ፀገም ንዘለው ወገናት ኣብ ቀረባ ግዘ ህዝቢን መንግስትን ንክብፅሐሎምን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ብናፅነት ንክነብሩ በዓላት ዘኽብሩሉን ኹነታት ንምፍጣር ዘኽእል ስራሕ ምስራሕ ይግባእ፡፡
ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ናብራ ንክመሓሽ መራሕቲ ትግራይ ዘካይድዎ ፖለቲካ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ክኸውን ይግባእ ፡፡ ቅድሚ ኩሉ እቶም መራሕቲ እንተዘይ ዓርዮም ካሊእ ኣይዕርን ‘ዩ፡፡ ስለዚ መራሕቲ ናብ ኵናት ዝወስድ ዘይኮነስ ናብ ሰላም ዝወስድ ኣንፈት ሒዞም ክምርሑን ክሰርሑን ፀገም ህዝቢ ዘጋድዱ ዘይኮነስ ዝፈትሑ ክኾኑ ኣለዎም ፡፡
ከምቲ እየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ኣትሕት ኣቢሉ ትሕትና ዘርአየና መራሕቲ ፖለቲካ ትግራይ ‘ውን ንህዝቦም ትሕት ኢሎም ክምርሑ ከገልግሉ ይግባእ፡፡ስለዚ ቅድሚ ንዓርሶምን ንስልጣኖምን ከምቲ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ንህዝቡ ስግኡ ኣሕሊፉ ዝሃበን ደሙ ዘፍሰሰን እቶም መራሕቲ ‘ውን ቅድሚ ንረብሓ ስግኦምን ስልጣኖምን ነቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ከገልግሉ ኣብቲ ቦታ ከምዝተቀመጡ ክፍልጡ ይግባእ።በዚሀ ድማ ንቲ ህዝቢ ብትኽክለኛ መንገዲ ከገልግልዎ ግድን ይኸውን፡፡
ብሓፈሻ በዓል ትንሳኤ ኣብ ሃገርና ኾነ ኣብ ክልል ትግራይ መላእ ህዝበ ክርስቲያን ኾነ መራሕቲ ህዝቢ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ዘኽእሉ ተግባራት ብምፍፃም፤ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕግጋዝን ሰብአዊነት ብምርኣይ ክበዓል ይግባእ፡፡
ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም