ህዝቢ ትግራይ ንዓርሱ ካብ ራዕዳዊ ህወሓት ክርሕቕ ይግባእ

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ታሪኹ ሪኢዎ ዘይፈልጥ ዓብዪ ፀበባን ግፍዕን

እናሕለፈ ይርከብ። ሰገናት ትግራይ ድምፂ ተኹሲ እዮም ዝሰምዑ፣ ቤት ትምህርቲ የለን፣ ምግቢ የለን ሃፍታም

ይኹን ድኻ ማዕረ ረድኤት እናተፀበየ እዩ። ገንዘብ ዘለዎ ምዕዳግ ኣይኽእልን፤ ብኹሉ ወገን መንገድታት ዕፁው

እዩ። ስልኪ ይኹን መብራህቲ የለን፤ብሓፂሩ ትግራይ ናብ ዘበነ ፀልማትን ዘበነ እኒ እኒ ተመሊሳ እያ ።

ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ እዋን ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ

ኣይነበረን። ክልተ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ኣብ ሴፍቲ ኔት ተሓጋዛይ እዩ ነይሩ። ህወሓት ናብ ስልጣን ንክድይብ

ግና ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። ሕዚ ‘ውን ይኸፍል ኣሎ እዩ። እዚ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ

ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ፀላኢኡ ምዃኑ ፈሊጡ ካብዚ ጉጅለ ክርሕቕ

ኣለዎ።

እዚ ጉጅለ ጥፍኣት ለውጢ ሃገር ኣይቕበልን ኢሉ ምስ ሃገር ፈተውቲ ኢትጵያውያን ተነፂሉ ናብ መቐለ

ምስ ሃደመ፣ በቢቦትኦ ኣብ ዘቕመጦም ተላኣኣኽቱ ብምዃን ዜጋታት ብምፍንቓል ፣ምስ ብሄር ጎንፂ ብምፍጣር

፣በቢቦትኡ ራዕዲ ብምፍጣር ፣ህዝብን መንግስትን ንምፍልላይ ይሰርሕ ነይሩ። ካብ ወፃእን ውሽጥን ሓይልታት

ሽርሒ ብምስራሕ ፣ዓለም ዘድነቖም ስራሕቲን ውሳነታትን መንግስቲ ምንዕዓቕ፣ ተደጋጋሚ ሕሶት ፕሮፖጋንዳ

ብምስራሕ፣ ኢሉ’ውን ዘይሕጋዊ መረፃ ምክያድ ፣ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ጀግና ምክልካል ሃገር እዚ ሰሜን

ጭካነ ዝተመልኦ ክሕደት ብምፍፃም ፣ህዝቢ ትግራይ ፣ሰላምን ሓድነትን ኣብ ዝድልዮ እዋን ፣እቲ ህዝቢ

ንከይረጋጋዕ ናይ ኹናት ማእኸል ገይረዎ እዩ።ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንክረሓሓቕ’ውን ሰርሑ እዩ።

ካብ ራዕዳዊ ህወሓት ንላዕሊ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃባእ የለን። እዚ ጉጀለ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃባእ

ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ደርጊ ገጢሙ እንተተዓወተኳ ኣይተረብሐን። ንምንታይ?

ህወሓት ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ናብ ናይ ባዕሉ ረብሓ ስለዝጠለፎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ፌደራል

መንግስትን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ በም ሕባር ንህወሓት ደምሲሱ ረብሕኡ ከረጋግፅ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ በሰንኪ ጉጅለ ህወሓት መሰሉ ተረጊፁ እዩ። ሕዚ ድማ እዚ ራዕዳዊ ጉጅከ ህፃናት ናብ ኵናት

እናእተወ ዘርኢ የፅንት ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ ንክይበፅሕ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኲናት ብምክያድ

ፀበባ ህዝቢ ትግራይ የናውሕ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ከቢድ መስዋእትነት እንተኸፈለኳ ፍትሒ ኣይረኸበን፤ ዕድል ትምህርቲ

ብዝግባእ ኣይረኸበን፤ መሰረተ ልምዓት ‘ውን ከምኡ፤ ካብ ስደትን ተመፅዋታይነትን ኣይወፀን። ስለዚ ናይዚ ኩሉ

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ራዕዳዊ ህወሓት እዩ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረዲኡ ዝጠቕሞ ውድብ ከምዘይኮነ

ፈሊጡ ዓርሱ ካብዚ ጉጅለ በምርሓቕ ንመሰሉን ንረብሓኡን ክቃለስ ኣለዎ።ምእንቲ ስልጣን ጉጅለ ራዕዲ ክበሃል

ህዝቢ ትግራይ ክውዳእ የብሉን።

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ራዕዳዊ ህወሓት ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ።

መንእሰይ ትግራይ ድማ ንዓርሱ የድሕን፣ ይንቃሕ፣ ኢዱ ይሃብ፣ ኲናት እምብለይ ክብል ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ስጋብ ሐዚ ምንም ረብሓ ካብ ዘየምፀአሉ ጁንታ ህወሓት ክርሕቕ ኣለዎ። ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ

ትግራይ ‹‹ንምንታይ እዮም ተጋሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ነይርኩም እናተባህለ ኣባላት ብልፅግና ዝኾኑን ዘይኮኑን

ዝቕተሉ ዘለዉ›› ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ክሓትት ክኽእል ኣለዎ። ‹‹ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ኣብ ኲናት ዝሃለቑ

ኣሻሓት ዕሸላት ንምንታይ ሃሊቖም ኢሉ›› ክሓትት ይግባእ። ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብምዃን’ውን

ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ጉጅለ እዚ ቅድሚ ሐዚ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐመን።

ሐዚ’ውን ክጥቅም ኣይኽእልን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ጉጅለ እዚ ዓርሱ ክርሕቕ ይግባእ።

Recommended For You