ብሉፃት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ውድድር ግራንድ ስላም

ንመጀመርያ እዋን ዝተኻየደ ግራንድ ሰላም ትራክ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት ዛዚመን ‘የን፡፡ ብዝተፈላለዩ ርሕቐት ኣብ ዓለም ብሉፃት ኣትሌታት ዝካፈልሉ እዚ ውድድር ኣብ ከተማ ጀማይካ ኪንግስተን ንሰለስተ መዓልቲ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡ እቶም ኣትሌታት ብኽልተ ርሕቐት ዘመዝገብዎ ነጥቢ መሰረት ልዑል ሽልማት ገንዘብ ዝረኽቡ እንትኾን ካብ መንጎ ኣትሌታት ኢትዮጵያ እጅጋየሁ ታዬን ድርቤ ወልተጂን ሻምፒዮን ክኾና ክኢለን ‘የን፡፡

34 ኦሎምፒክ ፓሪስ ሻምፒዮና ሓዊሱ ብሓፈሻ 96 ኣትሌታት ብ48 ውድድራት ዘሳተፈ ናይ ግራንድ ሰላም ትራክ ውድድር ኣብ ታሪክ ንመጀመርያ እዋን እንተተኻየደ ‘ውን ኣብ መንጎ ኣትሌታት ዘሎ ንሕንሕ በቲ ቤተሰብ ስፖርት ዝረኽቦ ተቐባልነት ፅቡቐ ዝባሃል ኮይኑ ‘ዩ፡፡ ብነባር ኣሜሪካዊ ሓፂር ርሕቐት ጎያይ ሚካኤል ጆሃንሰን መስራትነት ዝግበር ወድድር ኣርባዕተ ዙር ዘለዎ ‘ዩ፡፡ ብሓደ ግራንድ ሰላም ተዓወትቲ ዝኾኑ ወይም ልዑል ነጥቢ ዘመዝግቡ ኣትሌታ ድማ 100ሽሕ ዶላር ተሸለምቲ ዝኾኑ ‘ዮም፡፡

ውድድራት መም ምብርትታዕ ዕላማ ሒዙ ዝተልዓለ ጉያ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ተሳተፍቲ ነይሮም፡፡ ብማእኸላይን ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ዝነበሮም ተሳትፎ ካብ ቻምፕዮና ክሳብ ደረጃ ተዓወቲ ብምዃን ብቅዓቶም ከመስክሩ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ነዊሕ ርሕቐት 3ሽሕን 5ሽሕን ሜትሮ ዝተሳተፈት ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ ኽልቲኡ ርሕቐት ብዓወት ዝዛዘመት ኣትሌት ክትኾን ክኢላ ‘ያ፡፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2023 ኣብ ቡዳፔስት ሻምፒዮና ዓለም ብ10ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ነሓስ ዝረኸበት እታ ኣትሌት ድሕሪ ሰሙን ድማ ናይ 5ኪሎ ሜትሮ ሜዳልያ

ነሓስ ዝረኸበት ኣትሌት ‘ያ፡፡ ብስራሕ ጉጅለ ዝተመስገነት እታ ኣትሌት ብተሳታፊነት ዝኣተወቶ ውድድር ብዓወት ክተጠናቕቕ ከኢላ ‘ያ፡፡ እታ ኣትሌት 5ሽሕ ሜትሮ ውደድር ብዓወት ዝዛዘመቶ ሰዓት 14፡54፡88 ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡ ንሃገራ ንመጀመርያ እዋን ብዓለምለኸ ውድድር ብ3ሽሕ ሜትሮ ዝወከለት እጅጋየሁ ኣብ 2022 ቤልግሬድ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና ነሓስ ሜደልያ ምውሳድ ክኢላ ነይራ፡፡ በዚ ርሕቐት ብልፅቲ ተፎኻኸርቲ ዝኾነት ኣትሌት ውድድር ግራንድ ሰላም እቲ ውድድር ብዓወት ዛዚማ ‘ያ፡፡ እቲ ርሕቐት ንምሽፋን ዝወሰደላ ግዜ ድማ 8፡28፡42 ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡ በዚ ድማ 24 ነጥቢ ብመምዝጋብ ናይ መጀመርያ ግራንድ ሰላም ሻምፒዮና ብምዃን 100ሽሕ ዶላር ናይ ውልቀኣ ገይራ ‘ያ፡፡

ኣብዚ ርሕቐት ዋና ተሳታፊት ዝነበረት ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ ድማ ብኽልቲኡ ርሕቐት ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ እቲ ውድድር ፈፂማ ‘ያ፡፡ ናይ ጎዳናን ናይ ሃገር ኣቋራፂ ውድድራት ተሳታፊት ዝኾነት እታ ኣትሌት ብ5ሽሕ ሜትሮ 15፡24፡62 ብዝኾነ ሰዓት ብምምዝጋብ መበል ሳልሳይ ብምዃን ውድድራ ብሓፈሻ 12 ነጥቢ ብምምዝጋብ ናይ 30 ሽሕ ዶላር ተሸላሚ ኾይና ‘ያ፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ድማ በዚ ርሕቐት ሓጎስ ገብረህይወት ብዋና ተወዳደርነት ፤ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ድማ ብተፎኻኻርን ተሳቲፎም ነይሮም፡፡ ሓጎስ ብ5ሽሕ ሜትሮ መበል ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ በዚ ርሕቐት ናይ ክልተ ግዜ ናይ ዓለም ሻምፒዮና ብሩርን ነሓስን ሜዳልያ ተሸላሚ ሪዮ ኦሎምፒክ ባዓል ሜዳልያ ነሓስ ዝኾነ እዚ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክብረወሰን ንምስባር ኣብ ጫፍ በፂሑ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ኣብ ኻልኣይ 3ሽሕ ሜትሮ ጉያ ዝነበረ ስሕተቱ ብምእራም ብምጉያይ ምስ ጥላሁን ሃይሌ ብምትሕግጋዝ ቀዲሙ ብምውፃእ ተዓዋቲ ገይርዎ ‘ዩ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ሓፂር ርሕቐት (800ን 1500ን ሜትሮ) ድማ ብሕታዊት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ተሳታፊት ክትኾን ‘ያ፡፡ ኣብ ቀረባ ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና 1500ሜትሮ ናይ ብሩር ሜዳልያ ዝወሰድት እዛ ኣትሌት ፤ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ ሻምፒዮና ዓለም ኻልኣይ ብርኪ ሒዛ ከምዝዛዘመት ዝዝከር ‘ዩ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You