
ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንመስኖ ዝኸውን ልዑል ዓቕሚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዋላ እንተሃለዋ ክንድትዝግባእ ግና ኣይተጠቐመትሉን፡፡ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ክንድ እቲ ዝድለ ብስፍሓት ኣብ ምጥቓም ዝቐሪ ነገር ኣሎ። ስራሕቲ መስኖ ክዝምን እንተኾይኑ በቲ ዓውዲ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ዘድሊ ኮይኑ ቴክኖሎጂ ምጥቓም ድማ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ፀገም ናይ መስኖ ምጥቓም ዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከንርኢ እንተለና ድማ ምስ ኣቀማምጣ እቲ መሬት ‘ውን ተተሓሒዙ ብዙሕ ዝተሰርሐሉ ኣይኮነን።
ስለዚ ብዙሕ ምስራሕን ምጥቓም ቴክኖሎጂን ዘድልዮ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሕርሻ ከየዘመንካን ክንዲ እቲ ዝድለ ከይተጠቓምካን ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ዝከኣል ኣይኮነን፡፡መስኖ ኣብ ትግራይ ከንርኢ እንተለና በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ብዙሕ ዕንወት ስለዘጋጠመ ናብ ዝነበሮ ንምላስ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ዝርከብ ‘ኳ እንተኾነ ኮይኑ ግና ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ስራሕን ድጋፍን ዘድልዮ ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ትግራይ ስራሕቲ መስኖ እንታይ ከምዝመስል ምስ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ሆርቲካልቸር ኣይተ ሃይለ ታደለ ከምዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ እታዎታት ቴክኖሎጂ ሕርሻን ድጋፍ መዳርግቲ ኣካላትን እንታይ ይመስል? ከምኡ ‘ውን ምጥቓም ቴክኖሎጂ ፀገም ሓረስታይ ኣብ ፍታሕን እቶት ኣብ ምድንፋዕን ዘለዎ ኣስተዋፀኦ ተዝገልፁልና?
ኣይተ ሃይለ፡- ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ብዝገብሮ ዘሎ ዝተናበበ ስራሕቲ ፅቡቕ ደገፍ ናይ ቴክኖሎጂ እታዎታት ሕርሻ ይግበር ኣሎ ‘ዩ። ዘመናዊ እታዎታት፣ ሕርሻ ትግራይ ንምዝማን ኣዝዩ ሓገዚ ‘ዩ፤ ቕድሚ ሕዚ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኵናት ሓረስታይ ሕፅረት ኣብዑር ኣጋጢሞሞ ነይሮም ‘ዮም።
ኣዝዩ ተፀጊሙ ነይሩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ከም ናይ ትራክተራት ሓገዝ ፀገም ናይ ሓረስታይ ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ሕርሻ ትግራይ ንምዝማን ልዑል ተራ እናገበረ ‘ዩ። ሕዚ ኣትየን ዘለዎ 85 ትራክተራት ‘የን፤ ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ 500 ትራክተራት ንትግራይ ድጋፍ ንምግባር ቓል ኣትዩ ካብዝነበራ ‘የን። እዚአን ማእቶት ሕርሻ ንምውሳኽን ስራሕቲ ሕርሻ ንምቕላልን ልዑል ግደ ኣለዎን። እቲ ክልል ዘጋጠሞ ኩለመዳያዊ ፀገም ንምፍታሕ ከምዚኦም ዝበሉ ሓገዛት ተጣኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም።
ሕዚ ስራሕቲ ቀዳማይ ዙር መስኖ ሕርሻ ወዲእና ኣብ ካልኣይ ዙር ኢና ንርከብ። ጠቕላላ ብደረጃ ክልል እታዎታት ከንሪኢ እንተለና እቲ ሓደን ቐንድን መዳባርያ ‘ዩ፤ መንግስቲ ፌዴራል ብዝገበሮ ድጋፍ ኣብ ናይ መስኖ ሕፅረት መዳበርያ የብልናን። ብእዋኑ ‘ዩ ድማ ልኢኹልና፤ ሓረስታይ ክንድዝተኻኣለ መጠን እታዎታት ሕርሻ ብግዚኡ ክረክብ ክኢሉ ‘ዩ። ኣብ ምቕራብ ሙሩፅ ዘርኢ ‘ውን ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ሕፅረት ንምቕላል ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።
እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትራክተር ምትእትታው እቲ ሓረስታይ ቴክኖሎጂ ብምጥቓም ፃዕሩ ንምቕላልን እቶቱ ንምድንፋዕን ዘለዎ ኣስተዋፀኦ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ። ቴክኖሎጂ ኣብ ምጥቓም ፅቡቕ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ፤ እተን 85 ዝኾና ትራክተራት ብልቃሕ ‘የን ኣትየን ዘለዋ ናብ ሓረስታይ ድማ ኣካፋፊልናየን ኣለና። ኩልና ከምንፈልጦ ሓረስታይና በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ብዙሕ ክሳራ ኣጋጢምዎ ‘ዩ፤ ስለዚ እዘን ትራክተራት ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምዝማን ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብዑር ንዘይብሎም ሓረስቶት ካብ ጭንቕን ፀገምን ክወፁ ገይረን ‘የን።
ከምኡ ‘ውን እቶት ሕርሻ እቲ ክልል ብፅሬት ይኹን ብመጠን ክውስኽ ዝገብራ ‘የን። መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትራክተርን ኣብ መዳበርያን ጥራሕ ኣይኮነን ድጋፍ እናገበረ ዘሎ ኣብ ኩለመዳያዊ እታዎታት ሕርሻ ‘ውን ድጋፍ ይገብር ኣሎ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ባልዓት ኣብ ዘጋጠመና ‘ውን ኬሚካል ዝነፅጋ ድሮናት ኣዋፊሩ ሓጊዙ ‘ዩ።
ዓዕዋፍ ዋጃ ዝበሃላ ‘ውን ብራያ ከባቢ መፂአን ነይረን ኣብዚ ብድሮን ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል ድጋፍ ተገይሩልና ‘ዩ። እተን ዕስለ ኣዕዋፍ መንግስቲ ፌዴራን ክልልን ብምውዳድ ክቖፃፀረን ክኢሉ ‘ዩ። ስለዚ ናይ ቴክኖሎጂ እታዎታት ኣብ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ‘ዩ ዘሎ። ክልል ዝሰርሖ ስራሕ ከምዘሎ ኮይኑ ብፍላይ ምስቲ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ትግራይ መሊኣ ክሳብ ትሓዊ ድጋፍ መዳርግቲ ኣካላት ክፍለየና የብሉን።
ክመፀና ዝኽእል እታዎታት ክመፅእ እንተሎ ተሎ ኢልና ናብ ሓረስቶት ብምክፍፋል ስራሕቲ ክስርሑ እናገበርና ኢና። ንናይ መፃኢ ክረምቲ መዳባርያ ድማ ብእዋኑ ክመፀልና ኢና ተስፋ ንገብር። ብፍላይ ድጋፍ መንግስቲ ፌዴራል በቲ ጀሚርዮ ዘሎ ተጣናኺሩ እንተቐፂሉ ፅቡቕ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ዘመናዊ ድጋፍ እታዎታ ሕርሻ ይገብር ኣሎ፤ ካብዚ ካብቲ ሓረስታይ ይኹን እቲ ቢሮ እንታይ ትፅቢት ይግበር? ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኣይ ዙር ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ መስኖ ሕርሻ ተዝገልፁልና፤
ኣይተ ሃይለ፡- እቲ ሓረስታይ ጥራሕ እንተይኮነስ ሰብ ሞያታት ‘ውን ሙያዊ ሓገዝ ብምግባር ፅቡቕ ውፅኢት ክመፅእ ትፅቢት ይግበር። እተን ክመፃና ዝኽእላ እታዎታት ሕርሻ ብኣግባቡ ብምጥቓም እቲ ሓረስታይ ማእቶቱ ከድንፍዕ ኢና ትፅቢት ንገብር። ብፍላይ ኣብ መዳበርያ፣ ሙሩፅ ዘርኢ፣ ከም እቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን እኹልን ብእዋኑን እንተመፅዩና እቲ ሓረስታይ ብኣግባቡ በርቲዑ እንተሰሪሑ ተጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ዝግበሩ ዘለዉ ሓገዛት በቲ ተጀሚሩ ዘሎ መጠን ተጣናኺሩ ክቕፅል ኢና ተስፋ ንገብር። ብኸምዚ እንተኸይዱ ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ብዛዕባ ስራሕቲ መስኖ ካልኣይ ዙር፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ካብ ቐዳማይ ዙር ጀሚርካ ፅቡቓት ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ። እቲ ሓደ እታዎታት ብእዋኑ ናብቲ ገባር ክበፅሕ ምግባር። ብዘይካ ናይ ሙሩፅ ዘርኢ እቲ ሓረስታይ ብናይ እታዎታት ብዙሕ ከይተጨናናቐ ስራሕቲ መስኖ የካይድ ኣሎ ‘ዩ። መንግስቲ ብዘይካ ኣብ ሙሩፅ ዘርኢ ብዙሓት ድጋፋት ይገብረልና ኣሎ ‘ዩ።
ኣብ ካልኣይ ዙር ‘ውን ዘቐመጥናዮ ኣንፈት ኣሎ፤ ብሓፈሻ ትልምና ኣብ ዓመት 3ግዜ ክነልምዕ ኣለና ኢልና ኢና ተሊምና። ኣብ ክረምቲ፣ ኣብ መስኖ፣እዚ ቀዳማይ ዙር ኮይኑ ክልተ ግዜ ማለት ‘ዩ፤ ስለዚ ናይ ሆርቲ ካልቸር ኣዝርእቲ ሰለስተ ግዜ ኣብ ዓመት ክነልምዕ ኣለና ኢልና ዝሓዝናዮ ትልሚ መስኖ ኣሎ። ስለዚ ምስቲ ዝግበር ዘሎ ድጋፍ ተተሓሒዙ ውፅኢታዊ ስራሕ ከንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና።
ኣብናይ ካልኣይ ዙር ልክዕ ከም ናይ ቀዳማይ ዙር ትልሚ ኣውፅኢና ኢና ንንቐሳቐስ ዘለና። ኣብ ኩለን ቦታታት እንታይ ኢና ከንዘርእ ንኽእል? ዝተፈላለየ ካብ ማሕረስ ጀሚሩ ክሳብ ዘርኢ ከመይ ገይርና ኢና ተኣሳሲርና ከንኸይድ ንኽእል ዝብል እታ ሓንቲ ‘ያ፤ ካልኣይ እታዎታት ከመይ ገይርና ኢና ከንጥቐም ንኽእል? እንታይ እንታይ ዓይነታት ቴክኖሎጂታት ኢና ከንጥቐም ንኽእል? ብፍላይ ምስ ዘመናዊ ኣሳራርሓታት ተኣሳሲሩ፤ ንኣብነት ምስ መስመር ምግባር፣ ምስ ዓይነታት ኣሕምልቲ፣ ከም ስላጣ፣ ቖስጣ፣ ድንች፣ ኮሚደረ ዝመሳሰሉ ትልሚ ብምውፃእ ኢና ንንቐሳቐስ ዘለና። ብክላስተር ብምልማዕ ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ።
ክሳብ ሕዚ ዝተጀመሩ ልምዓታት ‘ውን ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ‘ዮም ዝርከቡ። 9 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝኣክል ክሳብ ሕዚ ብኻልኣይ ዙር ለሚዑ ኣሎ። ኣብዚ ናብ 21 ሽሕን 500 ዝኣክል ሓረስታይ ደጊሙ የልምዕ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሓደ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ። ምናልባት ካልኣይ ዙር ኣብ እዋኑ ዛዚምና ብዝበለፀ ናብ ናይቲ ክረምቲ ስራሕትና ኣቲና፤ ኣብቲ ናይ ክረምቲ ‘ውን ዘይተለመደ ዝነበረ ልምዓት ሆርቲካልቸር ኣብ ክረምቲ ምልማዕ ብዙሕ ኣይተለመደን ነይሩ፤ እዚ ሕዚ ናይ በዓሉ ትልሚ ወፂእዎ እቲ ሓረስታይ ዕዳጋ ተኮር ዝኾኑ ናይ ኣሕምልቲ ኣዝርእቲ ክዘርእ ምርድዳእ ኢና ንገብር ዘለና፤ እቲ ናይ ክረምቲ ስራሕቲ ‘ውን ምልዕዓል ተጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ናይ ካልኣይ ዙር ፅቡቕ ‘ዩ ዝኸየድ ዘሎ፤ ከም ናይ ቐዳማይ ዙር ክዕወት ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።
ካሊእ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ዙር ሆርቲ ካልቸር ንገብሮ ዘለና ትኹረት ኣብ ናይ ፍራምረ ስራሕቲ ‘ዩ፤ ብፍላይ ምስ ግሪን ለጋሲ ተኣሳሲሩ ሓደ ኢንሼቲንግ ኣብቲ ናይ ግሪን ለጋሲ እቲ ስሳ ብኣርብዓ ዝብል ብዙሕ ረብሓ ዝህቡ(ማልቲ ፐርፐዝ) ዝኾኑ ማለት ኩለመዳይ ጥቕሚ ዘለዉዎም ፍራምረ ናብኡ እናደሀብና ንኸይድ ኣለና። ካብ ላዕሊ ዝወረደ መደብ ስሳ ብኣርብዓ ‘ዩ፤ በዚ ኣንፈት መሰረት ትልሚ ኣውፅኢና ምስ ተፈጥሮ ሃፍቲ ኮይና ልምዓት ሆርቲ ካልቸር እናገምገምና እንመርሖ ኣለና። ኣብዚ ኣብ ክልልና ከንሰርሖ ዝግበአና ነገር ንሰርሖ ኣለና ኢና። ግን ንእሽተይ ናይ ፍራምር ፈልሲ ሕፅረታት ኣለና።
ኩልና ከምእቲ ንፈልጦ በቲ ኩናት መብዛሕተአን ዓንየን ስለዝነበራ ‘ዩ። ኣብዚ ንእሽተይ ናይ ፈልሲ ሕፅረታት ማለት ዝተዳቐሉ ከም እኒ ናይ ኣበካዶ፣ ማንጎ፣ ኣፕል ዝበሉ ‘ዮም። ብዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሰፊሕ መደብ ሒዝና ኢና ንንቐሳቐስ ዘለና። ካሊእ ኣብ በለስ ዝምልከት ልክዕ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ንእንሰት ከም ሓደ ፍልፍል እቶት ዝጥቀምሉ እዚ በለስ ኣብ ትግራይ ከም ሓደ ናይ ኢኮኖሚ ፍልፍል ገይርና ከንሰርሐሉ ኣለና ኢልና እናሰራሕናሉ ንርከብ። በለስ ብዝተፈላለዩ ባልዓት እናተጠቕዐ ብምፅንሑ
ፍርያት ክቕንስ ክኢሉ ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ ትኹረት ገይርና ከንሰርሐሉ ኣለና ብምባል ንንቀሳቐስ ኣለና ኢና። ብፍላይ እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቖልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ሃፍቲ በለስ ትግራይ ከመይ ጌርና ኢና ከንምልሶ ንኽእል? ብዝብል ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ሜክሲኮ እንተይቐረየ ኣብዚ ጉዳይ ፍልጠት ዘለዎም ፕሮፌሰራትን ካልኦት ኣካላትን ናብ ትግራይ መፂኦም ምርድዳእ ፈጢርና ኢና፤ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ‘ውን ኢንተርናሽናል ዝኾነ መድረኽ ኣዳልዩ ክሳብ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኣካላት ዙም ብምጥቓም ብምዝርራብ ምንቕስቓስ ተገይሩ ‘ዩ።
ከም ክልል ‘ውን በጀት ተበጂትዎ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ ተሰሪሖም፤ በለስ ክንምልሶ ኣለና ተበሃይሉ ምንቕስቓስ እናተገበረ ‘ዩ። ምናልባት ኣብ ካልኦት ክልላት ብዙሕ ዘይተለመደ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ግና ልዕሊ በለስ ዝመፅእ ዓይነት እኽሊ ዳርጋ የለን። ብኣንፃር ጥቕሚ ማለተይ ‘የ፤ ስለዚ እናረኣና ከንውረር የብልናን እንተናእሰ እቲ ናይ መጀመርያ ዘሎ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕን ማእኸላይን፤ መጀመርያ ነዚ ካብቲ ዝበፅሖ ዘሎ ናይ ሓሰኻ ጉድኣት ክነድሕኖ ኣለና። እተን ብኩችኔት ዝተጠቕዓ ከባቢታት ከንከላኸሎ ንኽእል ኢና፤ ምንም ፀገም የብሉን። እዚ ኩችኔ እናሃለወ ክነልምዕ ንኽእል ዶ ኣይንኽእልን? ብዝብል ብዙሕ ምዝርራብ ተገይሩ እናተሰርሐሉ ይርከብ። ስለዚ ክብል ዘደለኹ ኣብ በለስ ሓደ ከም ዓብዪ ኣንፈት ገይርና ኢና ንንቐሳቀስ ዘለና ክብል ደልየ ‘የ።
ወጋሕታ፡- ብሓፈሻ ካብ ናይ ልምዓት መስኖ ክንዳይ ዝኣክል እቶት ንምርካብ ‘ዩ ተተሊሙ ዝስራሕ ዘሎ?
ኣይተ ሃይለ፡– ካብ ኣሕምልትን ፍራምረን ኣብዚ ዓመት እዚ ማለት ካብ ኩሉ ብሓፈሻ 129 ኩንታል ብሄክታር ሒዝና ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና፤ ምኽንያቱ ብዛዕባ መስኖ ክንሓስብ እንተለና ኩልና ከም እንፈልጦ ብጣዕሚ ክባር ‘ዩ፤ ስለዚ ኣሕምልቲ ብተፈጥረኦም ሓረስታይ ሓደ ኩንታል፣ ክልተ ኩንታል፣ ወይ ካሊእ ኩንታል ሓሲቡ ኣይኮነን ዝሰርሕ፤ ኮይኑ ግና ብኩንታል ክሕሰብ እንተሎ ከም ክልል 10 ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ ‘ዩ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዘሎ።
ወጋሕታ፡- ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ 500 ሚኢቲ ትራክተራት ክሕግዝ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ እዚ ሕዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ። እተን ኣትየን ዘለዋ 85 ኸ ካብኣተን ድየን?
ኣይተ ሃይለ፡- እተን ሕዚ መፅየን ዘለዋ ካብዚአን ‘የን፤ እተን ዝተረፋ ‘ውን ክመፃ ኢና ተስፋ ንገብር። ዝመፃ ዘለዋ ብልቓሕ ‘የን፤ ናብቲ ሓረስታይ ክከፋፈላ እንተለዋ ‘ውን ከም ልቃሕ ኮይነን ብናፃ ወለድ ኢና ኣካፋፊልናየን ዘለና። እቲ ልቓሕ ናይ በዓሉ ኣካይዳ ኣለዎ፤ ኣነ ኣብዚ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ የብለይን።
ወጋሕታ፡- ምስ ኢዚ ተተሓሒዙ ከሕልፍዎ ዝድልዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤
ኣይተ ሃይለ፡- ክልል ትግራይ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ይፍለጥ ‘ዩ፤ ቅድሚ ኵናት ስራሕቲ መስኖ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ‘ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ንደሓር ተመሊሱ ፀኒሑ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ዩ ከም እንደጋና ንምሕዋይ ዝስራሕ ዘሎ። ስለዚ እዚ ክልል ካብዚ ንላዕሊ ‘ውን እንተኾነ ድጋፍ የድልዮ ‘ዩ፤ እዚ ክብል እንተለኹ ግና እቲ ክልል ናይ በዓሉ ስራሕ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኮነን።
ግን ድማ ብናይ ሕርሻ ሚኒስቴር ተጀሚረን ዘለዋ ሓደ ሓደ ሓገዛት ተጠናኺረን ክቕፅላ ኢና ተስፋ ንገብር፤ ብፍላይ ኣብ እታዎታት ብዝግባእ ተዘይተጠቒምና ኣፍራያይነት ብዝግባእ ከንውስኽ ንኽእል ኢና ማለት ዘይሕሰብ ‘ዩ። ፍርያትን መፍረያይነትን ክድንፍዕ እንተኾይኑ እታዎታት ቴክኖሎጂ ምጥቓም ወሳኒ ‘ዩ፡፡ እዚ ክልል እዚ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ናይ ቡና ፈልሲ ምትካል ‘ውን ዝተጀመረሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ግብርና ሚኒስቴርን ካልኦት ኣካላትን ጀሚሮሞ ዘለዉ ሓገዛት ኣጣናኺሮም ክቕፅልሉ ኢና ንላቦ፤ ምኽንያቱ ገና ኣብ ምሕዋይ ዘለና ክልል ኢና።
ምናልባት ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብር ትግራዋይን ፈታዊ ትግራዋይን ማለት ኣብ ደገ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክንድዝኸኣሎ መጠን ክሕግዝ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ማለት ልዕሊ 90 ሚኢታዊ መሰረቱ ኣብ ሕርሻ ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓፈሻዊ ለውጢ ተዘይመፂኡ እቲ ክልል ካብ ድኽነት ክወፅእ ስለዘይኽእል ዝተጠናኸረ ድጋፍ ክግበረልና እየ ፃውዒት ዝገብር፤ ብፍላይ ድማ ብናይ ክረምቲ ዝናብ ጥራሕ ውሕነት ምግቢ ምርግጋፅ ስለዘይከኣል መስኖ ምድንፋዕ ወሳኒ ‘ዩ፤ ድርቒ ዝፃወሩ ኣትክልቲ ‘ውን ትኹረት ተገይርሎም ክስርሑ ኣለዎም።
ብፍላይ ሕዚ ዝፍትነና ዘሎ ናይ ነዳዲ ጉዳይ ‘ዩ፤ መናእሰይ መሬት ተኻርዮም፤ ሞተር ገዚኦም ስራሕ ዋላ እናሰርሑ እንተኾኑ ብሕፅረት ነዳዲ እናተፈተኑ ይርከቡ። ከምዝፍለጥ መብዛሕትኡ ሕርሻና ኣብ በረኽቲ ቦታታት ‘ዩ ዘሎ፤ እቲ ማይ ግና ኣብ ታሕቲ ‘ዩ ዘሎ፤ ስለዚ ሞተር ምጥቓም ናይ ግድን ‘ዩ። እተን ሞተር ፓምፕታት ድማ ብዘይ ነዳዲ ዝሰርሓ ኣይኮናን። ስለዚ መንግስቲ ኣብዚ ትኹረት ክገብር ኣለዎ።
ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ መስኖ ከባቢ 50 ሚኢታዊ ብናይ ሞተር ፓምፕ ስለዝለምዕ ነዳዲ ኣድላይ ‘ዩ፤ ነዳዲ ተዘይሃልዩ መስኖ ጠጠው ምባሉ ዘይተርፍ ‘ዩ፤ ብፍላይ ናይቲ ከባቢ ኩነታት ኣቀማምጣ መሬት ብምርዳእ ምስ ሞተር ፓምፕ ዘለዎ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ክገብሩ ‘የ ዝላቦ። ብተወሳኺ እተን ቃል ዝተኣተዋ ትራክተራት ‘ውን ቐልጢፈን ዝኣትዋሉ ኩነታት ተዝህሉ፤ ካልኣት እታዎታት ‘ውን በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠናኺሩ ተዝቕፅል። እተን ትራክተር ብዘይ ነዳዲ ስለዘይሰርሓ ኣብ ነዳዲ ዓብዪ ትኹረት ክግበር ኣለዎ። ኣትየን ዘለዎ ትራክተራት ነዳዲ ተዘይሃልዩ ጠጠው ‘የን ክብላ። ስለዚ ነዚ ትኹረት ተዋሂብዎ ምትሕግጋዝ ክግበር ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከሐልፍ ዝደሊ።
ወጋሕታ፡- ንዝሃኑና ሓበሬታ ኣዚና ነመስግን።
ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ‘ውን ሐሳበይ ንምግላፅ ስለዝዓደምኩምኒ ኣዝየ ‘የ ዘመስግን፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም